ድለ

2026.08.22 ናይ ሓላፍነት ግዜ 2026.08.22 ናይ ሓላፍነት ግዜ  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ናይ ሓላፍነት ግዜ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 47 “ጉባኤ ምሕዝነት ኣህዛብ” ሪሚኒ 2026 ተረኺቦም ዘስምዕዎ መደረ ኣንጻር እቲ ዳግማይ ክንዕጠቕ ዝደሊ ናይ ሓሶት ክውንነት ሓቀይና ክውንነት ምሕረት ንኽግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ነቲ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን የስተብህል።

ኣንድርያ ቶርኒየሊ

ኣንጻር እቲ ንኣእምሮን ቃላትን ኣህዛብን ዳግማይ ዘዕጥቕ ናይ ሓሶት ክውንነት፡ ሎሚ ካቶሊካዊ ባህሊ፡ ጸላእቲ ክህልዉ ዘይኽእል ናይ ምሕረት ክውንነት ከቐምጥ ኣለዎ፡ ኩሎም ሰባት፡ ዋላ’ውን ተጻባእቲ፡ ኣብ ዓይኒ ክረኣዩን ብሓቂ ክትራኸቦም ዝግብኦም ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም።” እዚ ቃላት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 47 “ጉባኤ ምሕዝነት ኣህዛብ” ሪሚኒ 2026 ዕለት 22 ታሕሳስ ተረኺቦም ንተጋባእያን ብፍላይ ድማ ነቶም ነቲ ዓቢ ናይ መወዳእታ ሓጋይ ምትእኽኻብ ሪሚኒ ህያው ዝገብሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት፡ ካብ ተመክሮ ሓድነትን ሓርነትን ምትእኽኻብ ዝመጹ፡ ዝተዛረብዎ ቃላት ነቲ ክውንነት ዝምልከት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ብቐዳምነትን ልዕሊ ኩሉን፡ ነቲ ዘለናዮን እንነብሮን ዘሎና ክውንነት ክንርኢ ዝዕድም እዩ።

ድሮ ቅድሚ 44 ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብቲ ንሱ ባዕሉ “ኣብ ታሪኽ ዓለም መዓታዊ ህሞታት” እንክብሉ ዝገለጽዎ፡ “ምርኻብን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝኣመሰሉ ቃላት ዘለዎ ጽባቔ ከም ዘጉልሑን፡ ሎሚ፡ ኣህጉራዊ ኩነታት ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ዝያዳ ዘይውሑስን ዘይተረጋገጸን እዩ: ቁጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት፡ ቀጻሊ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ህጻናትን - ሓደ ሰብ ብዛዕባ ቓዛን ዩክሬንን ጥራይ ክሓስብ ኣለዎ - ከምኡ’ውን እተን ብዙሓት ሃገራት ንነብሰን ዳግማይ ንምዕጣቕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓበየ ሃብቲ ገንዘብ ዘውፍራ ዘለዋ። እዚ ኩሉ ኣብ ዝገጠሞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ “ሓደ ዓይነት ምድረ በዳ” ዘይኮነስ “መስቀላዊ መንገዲ” ናይ ርክባትን ዘተን ክኸውን ዘለዎ ምትእኽኻብ ይዝክሩ።

እዚ ናይ ሓላፍነት ሰዓት እዩ እንክብሉ ድማ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉን ሎሚ ድሕሪ ናይ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን መዓት ንክርስቶስ ምስዓብ ማለት ክፍኣት ንክፍኣት ክቃለስ ከምዘይክእል ምሉእ ብምሉእ ምፍላጥ ማለት እዩ። እቲ እንኮ መልሲ፡ ክርስትያናዊ መልሲ፡ ፍቕሪ እዩ - “መገዲ ምድሓን”፡ በቲ ዝተሰቕለ መሲሕ ዝተሰነየ። ስለዚ ድማ ነቶም ሎሚ ብስም ሓደ ዝግመት ክውንነት - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ሓሶት” እንክብሉ ንምግላጽ ድሕሪ ዘይበልሉ - ንኣእምሮን ቃላትን ኣህዛብን ዳግማይ ዘዕጥቑ፡ ካቶሊካዊ ባህሊ ብሓቀይና ክውንነት ይብድሆም፡ እቲ ክውንነት ምሕረት፡ “ጸላእቲ ክህልዉ ዘይክእሉ፡ ኩሎም ሰባት ድማ፡ ዋላ’ውን ተጻባእቲ፡ ኣብ ዓይኒ ክረኣዩን ብሓቂ ክትራኸቦምን ዝግብኦም ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም። "ስለዚ ንሓባራዊ ህይወት ደቂ ሰባት ካብ ጥርጣረ ሓራ ንምውጻእ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት መኽሰብ፡ ከምኡ’ውን እደ ጥበባውን ቍጠባውን ካብ ንግዲ ሞት ንምሕራር ብጭቡጥ ቃል ዝኣትዉ ተባዓት ፈለምቲ የድልዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ኣብ ሱር ድኽነትን ዘይምዕሩይነትን፣ ውግእን ከባብያዊ ሓደጋታትን” ዘሎ ዝኾነ “ዘይፍትሓዊ ዝምድናታት ስልጣን” ክቃላዕ ይጽውዕ። እዚ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵስንኦም ኣትሒዞም ብዛዕባ “ዘይተዓጥቀን ዕጥቂ ዘፍትሕን” ሰላም ዝተዛረቡ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓያልን ቀጻልን ጻውዒት ስለዝኾነ እዚ ድማ ከም መዐቀኒ ማሕበራውን ፖለቲካውን ተሳትፎ ኩሎም ካቶሊካውያን ንምግምጋም ክውሰድ ይግባእ።

ብፍላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተጋባእያን ሪሚኒ 2026 ኣብ ቅድሜኦም ክህሉ ዝኽእል ሓደጋ ከይፈርሁ፣ ንነብሶም ኣብ መስመር ከእትዉ፣ “ካብ ኩሉ ኣዝዩ ጸቢብ ናይ ዋንነት ስምዒት ንላዕሊ ምትእስሳር ከስፍሑ” ክዕድሙ እውን ኣገዳሲ እዩ። ንጉጅለታትን ማሕበረሰባትን ምንቅስቓሳትን ሓድነትን ሓርነትን፡ ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ስምዒታትን ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ “ብፍላይ ካብ ድኻታት” ንምርሓቕ ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ብምቅዋም፡ ናብ ምሉእ ክውንነት ዝድርኹ ክኾኑ ኣለዎም።

ኣብ መወዳእታ፡ ፍቕሪ ኣብ ናጽነት፡ ኣብ ህያው ርክብን ኣብ ልግሲ ዝመልኦ ህያብ ገዛእ ርእስኻን ጥራይ ስለዘሎ፡ ኣብ ፍቕሪ ምግዳድ፡ ምንዛሕ ርእየተ ዓለም ወይ ምዕሳብ ፈጺሙ የለን ዝብል መዘኻኸሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከነስምረሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምዝኽካር ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀዝ ዜና ቫቲካን ይዛዝም።

24 Aug 2026, 15:14