ድለ

2026.08.06 ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ወንጌላዊ ሰላም ይምህር 2026.08.06 ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ወንጌላዊ ሰላም ይምህር  (@Vatican Media)

ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ወንጌላዊ ሰላም ይምህር

ዞባዊ ማሕበር ሓለቓ ንኡሳን ፍራንቸስካውያን ኣሃው ኣብ ኡምብሪያን ሳርደይናን ኣብ ቅርዓት ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ንቕሱ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረኦም ኣሲሲ፡ መንእሰያት ተራ ተዓዘብቲ ኮይኖም ኣብ ክንዲ ዝቕጽሉ ብንጥፈት ዝሳተፉሉ መንገዲ ዝደልዩ "እምነት፡ ተስፋን ሕውነትን" ዝካፈሉላ "ብጽዕቲ መሬት" እንክብሉ ይገልጽዋ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓሙስ ዕለት 6 ነሓሰ ኣብ ኣሲዚ ኣባ ማርኮ ቪያነሊ ዞባዊ ሓለቓ ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ፍራንቸስካውያን ኡምብሪያን ሳርደይናን ኣብ መኽፈቲ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መንእሰያት ኣብ ቅርዓት ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ኣብ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ

እቲ ፍራንቸስካውያን መነኮስ ንፖርዚዩንኮላ "ንእሽቶን ቅድስትን ቦታ" እንክብል ዝሰመዮ፣ ብድኻ ኣሲሲ ኣዝዩ ዝፍቶን ልቢ "ወንጌላዊ ገርሀይናነትን ሕውነትን ሰላምን ዝድመጸላ ብሩኽ መሬት" ዘንጸባርቕ ምዃኑ የስተብህሉ።

መንእሰያት ከም ንጡፋት ተሳተፍቲ እምበር ከም ተሓላቒ ተዓዘብቲ ኣይኮኑን

ዝኽሪ መበል 800 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንሰስኮ ዘኣሲዚ - ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ዕለት 3 ጥቅምቲ 1226 "ንሞት ሓፍቲ እንክብል ተቐቢሉ" ዝበሉ ኣባ ቪያነሊ ብፍላይ Go! Franciscan Youth Meeting 2026 - ኩዱ! ዓውደ ዘተ 2026 ፍራንቸስካውያን መንእሰያት ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዘካይደድዎ ርክብ ዝተዛዘመ ኮይኑ ኣብዚ ዓውደ ዘተ እዚ "ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝመጹ ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ዙርያ “ንእሽቶ ቤተ ጸሎት” ኣብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅድተ ማርያን ዘመላእኽት ተኣኪቦም ናይ እምነት፡ ተስፋን ሕውነትን ጉዕዞ” ከም እተካፈሉ የጒልሑ።

ተኣማንነት ዘለዎም መሰኻኽር ወንጌል

ኣብ መደምደምታ ዞባዊ ሓለቓ ንኡሳን ኣሓው ፍራንቸስካውያን ኡምብሪያን ሳርደይናን ንጳጳስ ሮማ - ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ስለ ምርኻቦም ደጊሙ ብምምስጋን፡ "ናይ ወንጌል ተኣማንነት መሰኻኽር ክንከውን ኣብ ምሕጋዝ ምትብባዕን ደገፍን" ምልክት እዩ” ኢሎም።

06 Aug 2026, 17:17