ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንእሰያት "ዓበይቲ ነገራት" ክሓልሙ ንምትብባዕ ኣብ ኣሲዚ
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ሓሙስ 6 ነሓሰ ኣብ ኢጣልያ ከተማ ኣሲዚ ከካይድዎ ዝኾነ ጒስነታዊ ዑደት ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሐ ርክባትን ዓውደ መጽናዕትታትን ብናይ ምክፋል ዕድላትን ዘብቅዕ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሕቶታት መንእሰያት ክምልሱን ቅዳሴ ክመርሑን እዮም፣ ከምቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ እዋን ኢዮቤል መንእሰያት ኣብ ቶር ቨርጋታ ዝገበርዎ፣ ኣብ ላንጋላንጋ ዝኾነ ህይወት ደው ከይብሉ ክዕድሙ እዮም። እቶም ኣብ ጉስነት መንእሰያት ዝነጥፉ - ከም በዓል ሓው ሉካ ደ ፓስኩዋለ፡ ሓደ ካብ ኣዳለውቲ ናይቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ 6 ነሓሰ ካብ 18 ክሳብ 33 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሽሓት ኤውሮጳውያን መንሰያት ናብ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘምጽእ “GO! Franciscan Youth Meeting - ኪዱ! ዓውደ ርክብ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን” ወዲ 38 ዓመት ኣባል ማሕበር ንእኡሳን ኣሃው ፍራንቸስካውያን ካህን ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብዛዕባ ምልኣት ሕይወት ክዛረብዎም ዝኽእሉ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኣመሰሉ ሰባት ምስማዕ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም። ከምኡ’ውን ከም በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝኣመሰሉ ንናይ ሎሚ መንእሰያት ከም ናይ ዘመኖም ጌሩ ክዛረቡ ዝኽእሉ ኣብነት “ቅዱስ ዘይርጉእነት” ምጥማት ዋጋ ከምዘለዎ የስተብህሉ።
ሓው ፍራንቸስኮ ሉካ ፡ መደብ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣሲዚ ንግሆ ዕለት 6 ነሓሰ ከመይ ክመስል እዩ? ቅዱስ ኣቦና ዕለት 6 ነሓሰ ንግሆ ሰዓት 8፡30 ኣንጊሆም ክበጽሑ እዮም፣ ኩሉ ድማ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዘመላእክት፣ ኣብታ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዘሐደሳ፣ ዝተቐመጠላን፣ ማሕበር ንኡሳን ኣሃው ዝመስረተላን ዝዓረፈላን ንእሽቶ ቤተ ጸሎት - Porziuncola ዝሓዘት ባዚሊካ ክካየድ እዩ። ንኣባይቲ ስድራን ከምኡ’ውን ሎሚ ዓመት እነብዕሎ ዘሎና መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣገዳሲ መደብ እዩ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ውሽጢ ንእሽቶ ቤተ ጸሎት - Porziuncola ንሓጺር እዋን ተረኺቦም ናይ ግሊ ጸሎት ከዕርጉ እዮም፡ ብድሕሪኡ ናብቲ ኣደባባይ ክወጹን፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ብሰንኪ ብዝሒ ናብ ባዚሊካ ክኣቱ ዘይክእል ህዝቢ ሰላምታ ከቕርቡ እዮም፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤውሮጳ ዝመጹ ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ዘተኮሩ ንዘቕርቡሎም ሕቶታት መልሲ ክህቡ እዮም፡ ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሃው ማሕበረሰብ ብውልቂ ክራኸቡ እዮም። ብድሕሪኡ ከባቢ ሰዓት 10 ወይ 10፡30 መስዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ እዮም ብዓውደ ኣዋርሕ ሊጡርጊያ ድማ ዕለት 6 ነሓሰ ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ታቦር እዩ።
ኣብ ኣሲዚ ብዙሓት መንእሰያት ክህልዉ እዮም: እቶም ኣብቲ “ኪዱ! ዓውደ ርክብ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን’ ዝሳተፉ፤ እቶም ንመበል 44 ፍራንቸስካዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ወዲኦም ንምሕረት ዘኣሲዚ ዝመጹ፤ ከምኡ’ውን ብፍላይ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ንቅዳሴ ንኽሳትፉ ዝመጹ። ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ፍራንቸስካውያን መንእሰያት ክኸውን እዩ . . . ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ትርጉም ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መንእሰያት ዝገበርዎ ተመክሮ ዘማእከለ ዝማርኽ ቃል ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ርግጸይናታት ኢና። ሓሙስ ዕለት 6 ነሓሰ ድሕሪ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጒስነታዊ ዑደቶም ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ድማ ነቶም ኣብቲ “ኩዱ! ዓውደ ርክብ ፍራንቸስካውያን” ንዝተሳተፉ ኩሎም ሓደ ዓይነት "ናይ ተልእኾ ቅዋም" ክንህቦም ኢና።
እዚ ናይ ተልእኮ ቅዋም እዚ እንታይ ዘጠቓልል እዩ? ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድሚ ምርኻቦም ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ኣብ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ክሳተፉ እዮም። በቲ ሓደ ወገን ክሰምዑን ጽን ክብሉን ክዕደሙ እዮም፤ በቲ ካልእ ድማ ባዕሎም ማእከል መድረኽ ሒዞም ሓሳባቶም ክገልጹ ዕድል ክረኽቡ እዮም።
ኣብ መወዳእታ ካብ ዘተ መንእሰያት ዝወጽእ ሓሳባት መሰረት ድማ ናይ ተልእኾ ቅዋም ክንሕንጽጽ ኢና፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ኪኖኡን ኣብ ዝርከቡ ከባብያዊ ማሕበረሰቦም ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ክኽእሉ ድማ ንነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ብሓላፍነት ክርከብ እዩ።
ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝካየድ ርክብ ንመንእሰያት ዝተወፈየ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት መዛዘሚ ክኸውን እዩ። ብናትኩም ኣረኣእያ፡ ኣብተን ኣርባዕተ መዓልታት ኣገደስቲ ወይ ምልዕዓል ዝፈጥሩ ህሞታት እንታይ ክኾኑ እዮም? እቶም ዓውደ መጽናዕትታት ኣብ ሕመረት ናይቲ ምሉእ መደብ እዮም። ኣብታ ቀዳመይቲ ምሸት እቶም መንእሰያት ብቃላት ናይ ኣሲዚ ሊቀ ጳጳሳት ፌሊቸ ኣክሮካ፡ ከምኡ’ውን ፕሮፌሰር ማርኮ ኤርባ፡ ነዚ ተመክሮ ክንገብር ዝኾነ ንምርዳእ ዝሕግዝ ባይታ ዝፈጥር ብዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ ቃል ብምስማዕ ክጅምሩ እዮም።
እቲ ኣብ 1221 ኣብ ታሪኽ ህይወት ፍራንቸስኮን ማሕበር ፍራንቸስካውያንን ዓቢይ ምዕራፍ ሕይወት ዝኾነ ተመክሮ ባይታ ክገብሩን፡ እዚ ድማ ኣብ ህይወት ፍራንቸስኮስን ፍራንቸስካውያን ማሕበራትን ዝነበረ ክፋል ዝኾነ ነቲ ነቲ ዝክየድ ምትእኽኻብና’ውን ዘነቓቕሕ እዩ።
ብዛዕባ ሰላምን ይቕሬታን ጸዋዕታን ዝምልከት ዓውደ መጽናዕትታት ከነካይድ ኢና። እዚ ድማ ንመንእሰያት ኣብ ህይወቶም ንጻውዒት ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ክሰምዑ ዕድል ክህቦም እዩ። ስለዚ ዕለት 4 ነሓሰ ኣብ ምስማዕ ከሕልፍዎ እንከለዉ፡ ዕለት 5 ነሓሰ ድማ ብዝያዳ “ንጡፍ” ዓውደ መጽናዕትታት ኣቢሎም ብቐጥታ ክዝትዩን ሓሳቦም ክገልጹን ክኽእሉ እዮም። . . . ኣብ ምሉእ እቲ መደብ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዘመላእኽቲ ስርዓተ ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ክካየድን ከምኡ ክልተ ምርኢታት ክህሉ እዩ።
ነዞም ምርኢታት መን ኣዳልዩዎም ? እቲ ሓደ ኣብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘማእከለ፡ ብኣና መነኮሳት ንኡሳን ኣሃውፍ ራንቸስካውያን ዞባ ኡምብሪያን ሳርደይናን ዝተዳለወ እዩ፡ ዕላምኡ ድማ ናብ ናይ ፍራንቸስኮ ቃለ ኪዳን ብምምላስ ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ምርካብ ዝብል እዩ።
እቲ ካልኣይ ምርኢት ድማ ብጉጅለ ተማሃሮ ዞባ ሎምባርዲያ ዝተዳለወ ኮይኑ ካብ ኩነታት ኲናት ጀሚሮም ብጸጋ ወንጌል ብርሃን ዘምጽኡ ሰባት ዘማእከለ እዩ።
እቲ መደብ ካብ 18 ክሳብ 33 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኣመንትን ዘይኣመንትን ዘሳትፍ እዩ። ንዘይኣመንቲ ክትዕድሙ ዝደረኸኩም ትጽቢታት እንታይ ምዃኑን እንታይ ምላሽ ክትረኽቡ ትትስፈዉ? ፍራንቸስኮ ካብ ዶባት እምነት ወጻኢ ንሰባት ከመይ ጌሩ ከም ዝስሕብ ምርኣይ ቁሩብ ድፍረት ክኸውን ይኽእል እዩ። ነቶም ኪኖ ጽልኢ ሓደ ስጉምቲ ክወስዱ፡ ምስቶም ኣብ ህይወት ዘለዉ ኣገደስቲ ነገራት ዳግማይ ክንራኸቡን ምናልባት ምስ ጎይታ ክንራኸቡን ዝደልዩ ንገዛእ ርእሶም ከለልዩን። ከምኡ ክኸውን ድዩ ኣይክኸውንን ኣይንፈልጥን ኢና - እዚ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ከየንበርና ተስፋ እንገብረሉ ተመክሮ እዩ።
ክንደይ መንእሰያት ክሳተፉ እዮም? ናይ ተሳተፍቲ ምዝገባ ዕለት 30 ሰነ ተዓጽዩ እዩ። ኣብዚ መደብ ብጀካ ኩሎም ንቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመጹ ኣስታት 2,150 መንእሰያት ክህልዉ እዮም።
ተክለ ሰብነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንልቢ መንእሰያት ዝቐርቡ ብዙሓት ጉዳያት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ሓልዮት ከባቢ፡ ምስ ክርስቶስ ሱር በተኻዊ ርክብ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ሓልዮትን ንደቂ ኣንስትዮ ምኽባርን። ብተመኩሮኹም መንእሰያት ምስዚ ቅዱስ ዘኣሲዚ እንታይ ዓይነት ርክብ ኣለዎም? ፍራንቸስኮ መሳጢ እዩ። ንሰባት ናብኡ ዝስሕቦም ነገር እንተሃልዩ፡ ተራን ትሕት ዝበለ ምዃኑ፡ ንህይወት መንእሰያት ከም ሓደ ካብ መዛኑኦም ጌሩ ናይ ምዝራብ ክእለቱን ልዕሊ ኩሉ ድማ ፍራንቸስኮ ኩሉ ግዜ ዓቢ ሓላሚ ምንባሩን እዩ። ህይወት ኣብ እተቕርቦ ነገራት ጥራይ ዝዓርፍ መንእሰይ ኮይኑ ኣይፈልጥን፣ እዚ ድማ ንብዙሓት መንእሰያት ዝምስጥ ነገር እዩ።
ኣብዚ ምስ መንእሰያት ኣብ ዝራኸበሉ እዋን፡ ሕቶ ምሕታት ደስ ይብለኒ። ዕድሚኦም ብዘየገድስ ኩሉ ግዜ ከምዚ ኢለ እሓትት: “ሕልምኻ እንታይ እዩ: ኣብ ልብኻ ተሰኪምካዮ ዘለኻ ዝዓበየ ትምኒት እንታይ እዩ፧” ብዙሓት ካብኣቶም ከመይ ጌሮም ከም ዝምልሱ ዘይፈልጡ ክትሰምዕን የጋጥሙኻን ዘሕዝን እዩ። ድሮ ተስፋ ዝቖረጹ እዩ ዝመስል። ምስናይዚ ግን ዛንታ ህይወት ፍራንቸስኮ ክሰምዑ ከለዉ፡ ከመይ ኢሉ ተስፋ ቆሪጹ ከም ዘይፈልጥ፡ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ካብኡ ንላዕሊ ክኸይድ ከም ዝደፈረ ይርእዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝርዝር ብሉጻት መሸጢ መጻሕፍቲ ብዛዕባ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝገልጽ መጻሕፍቲ ተዓብሊሉ ይርከብ። ተገዳስነት ኣብ ድኻ ሰብኣይ ኣሲዚ ኪኖ ክእለት ስነ-ጽሑፍ ሰጊሩ ኣብ ሰፊሕ ህዝቢ ከምዝተዘርግሐ ብኸመይ ትገልጾ? ፍራንቸስኮ ኣዝዮም እዋናውያንን ኣዝዮም ኣገደስትን ዝኾኑ ዛዕባታት ይትንክፍ፡ ንፍጥረት ምሕላይ፡ ኣብ ውሽጢ ዝምድናታት ምክብባር፡ ከምኡ’ውን ንነብስና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ኣብቲ ብውልቃውነት እናተለለየ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ምርኣይን ስምዒትን እዩ። እዚኦም ኩሎም ሎሚ ንሰባት ብዕምቆት ዝዛረቡ ቅዉም ሃሳባት እያቶም።
እቲ ክንርሕቖ ዝግበኣና ሓደጋ ፍራንቸስኮ ዘይበሎ ነገራት ክዛረብ ምግባር ወይ ድማ ብሓቂ ናቱ ዘይኮነ መንነት ከም ዝምልከቶ ምግባር እዩ።
ከም ኣካል ናይዚ መደብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ሪሚኒ ዘቕረብናዮ ምርኢት ኣካቲትናዮ ኣለና። ኣብዚ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዘመላእክቲ ዝጅምር Go! Franciscan Youth Meeting - ኩዱ! ዓውደ ርክብ ፍራንቸስካውያን መንእሰያት” ፍጻመ ክሳብ በዓለ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ባዕሉ ዝቕጽል። ከም ኣካየድቲ ናይቲ ምርኢት ክንዋሳእ እንኮለና፡ ሰባት “ቅድሚ ሕጂ ንፍራቸስኮ ብሓቂ ብትኽክል ንፈልጦ ኣይነበርናን ዝብሉ ብዙሓት እያቶም።
ብተደጋጋሚ ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝምልከት ብጭቡጥ ዝበሎን ዝገበሮን ነገር ኣብነት ክትህቡ ትኽእሉ ዶ? መሃልየ ሓው ጸሓይ መብዛሕትኡ ግዜ ከም መዝሙር ስነ ምህዳር ተባሂሉ ይትርጎም፣ ፍራንቸስኮ ተጣባቒ ምህዳርን ፍጡራት ድማ መሰረታዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎምን፣ ኣብ ህይወቱ ካብ ኩሉ ካልእ ቅድሚት ዝስራዕ።
እቲ መሃልየ ብኸምዚ ኣገባብ ክነበብ እንከሎ ብጌጋ ምርዳእ እዩ ዝኸውን። ፍራንቸስኮ ክጽሕፎ እንከሎ፡ ኣብ ላ ቨርና ቅንዋት ተቐቢሉ ነይሩ። ኣሕዋቱ መነጎሳት እውን ኣጓንዮምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ደጊም ጠቕላሊ ሓለቓ ናይቲ ንሱ ዝመስረቶ ማሕበር ክኸውን ስለ ዘይደለዩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብ ብሕታውነት ተረኽበ።
እታ ብላዕለዋይ መንገዲ ንፍራንቸስኮ ከም መሃልየ ስነ-ህይወት ተባሂላ እትግለጽ The Canticle ፡ ብሓቂ ንኣምላኽ ዘቕነዐት መዝሙር እያ። ፍራንቸስኮ ክሳብ ናብ ፍጡራት ዝሰሓብ ኣብ ፍጡራት ዘሎ ኣሰር ኣምላኽ እዩ፣ ስለዚ ድማ ንፍጥረት ምርኣይ ገለ ነገር ናይ ኣምላኽ ምርኣይ እዩ። እዚ ድማ ንፍራንቸስኮ ናብ ውሽጢ ቃልሱን ስቓዩን ከይምለስ ሓጊዝዎ።
እቲ መደብ ንመንእሰያት ኤውሮጳ ዝዓለመ እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሎሚ ነታ ኣረጊት ኣህጉር እንታይ ክብላ ይኽእል?
ተስፋና ነቲ መንእሰያት ኣብ ውሽጦም ዝስከምዎ ሃረርታ ዕምቆት ንምምላስ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፤ ፍራንቸስኮ ነቲ ድሮ ዝሓተትዎ ሕቶታት ክስዕቡን ምናልባት ድሮ ኣብ ዕላምኡ ዝበጽሐ፡ ግን ከኣ ገና መምርሒ ኣቦ ወይ ኣርኣያ ዘድልዮ ጻዕሪ ክቕጽሉን ክሕግዞም ከም ዝኽእልን ብሓቂ ፍራንቸስኮ ነዚ ዝውክል ተክለ ሰብነት ክኸውን ይኽእል እዩ: ንደረት ሃይማኖታዊ ኵነታት ሰጊሩ ንኹሉ ክኸውን ዝኽእል ዓውዲ ህይወት ብሓቂ ክሓቁፍ ዝኽእል ሰብ” እንክብሉ ሓው ሉካ ደ ፓስኩዋለ ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።
