ድለ

VATICAN-RELIGION-POPE-ANGELUS VATICAN-RELIGION-POPE-ANGELUS 

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን ንዝኻየድ ምርኢት ብዕሊ ክኽፈቱ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ሰኑይ ዕለት 14 መስከረም ናብ ሓዋርያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን ክበጽሑ ኢዮም፣ ነቲ "AQVA" ዘርእስቱ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ናይቲ "ዕንወትን ድንቅን" ዘርእስቱ ምርኢት ብዕሊ ክኸፍቱ ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሓዋርያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ሰኑይ ዕለት 14 መስከረም ልክዕ ሰዓት 11 ንግሆ፣ ነቲ ናይ ምርኢት ዑደት "AQVA" ብዕሊ ንምኽፋት፣ ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን ክበጽሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እቲ ምርኢት ካብ ዕለት 25 መስከረም ክሳዕ 14 ግንቦት 2027 ኣብ እተመደበ መዓልትታት ሰሙናዊ ንበጻሕቲ ክቕበል እዩ።

ምክትል ኣመሓዳሪ ሓዋርያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲአክን ክቡር ኣባ ጃኮሞ ካርዲናሊ፣ ሲሞና ደ ክሬሰንዞ፣ ፍራንቸስካ ጂያኔቶ ከምኡውን ደሊዮ ፕሮቨርቢዮ ዘዳለውዎ ምርኢት፣ ተወሳኺ መደረታትን ሓበሬታን ኣብ ቀረባ እዋን ከካፍሉ ኢዮም።

"ሕሉፍን መጻእን ከም ኣዕሩኽ ክራኸቡሉ ዝኽእሉ ቤት'

እዚ ምርኢት እዚ ንሰለስተ ዘመናውያን ደቂ ሰባት ማለት ፈረንሳዊ ስነ-ጥበባዊ ጀይ. ኣር.፣ ኣመሪካዊ ናይ ስነጽሑፍ ሊቕን ጸሓፍን ቢል ሞራን ከምኡውን ኢጣልያዊ ኸሻኒ ፉልቪዮ ፒየርኣንጀሊኒ ምስ መጻሕፍትን ክፍልታትን ቤተ-መጻሕፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዝርራብ ብዛዕባ ማይ ከም ስግኣትን ምንጪን ከይሮም ብምቕራብ ከስተንትኑ ኢዮም።

ነፍሲ ወከፎም ሰለስተ ስነ-ጥበባውያን ተሓባበርቲ፣ ነቶም ታሪኻውይና መጻሕፍቲ እዚ ቤተ-መጻሕፍቲ ብናይ ገዛእ ርእሶም ስነ-ጥበባዊ ልምድታት ገይሮም እንደገና ክትርኩምዎ ኢዮም።

ሓላፊ ቤተ-መጻሕፍትን ሓላፊ መዛግብትን ቅድስቲ መንበር ክቡር የኔታ ጆቫኒ ሴሳር ፓጋዚ ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ምርኢት "ኣብ መንጎ ዘመናዊ ስነ-ጥበብን፣ ንዘመናት ዝጸንሐ ውርሻ እዚ ቤተ-መጻሕፍትን ርክባት ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ገለጹ።

ክቡር የኔታ ፓጋዚ ተዘክሮኦም እንክገልጹ፣ "ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሕሉፍ ተኣማንነትን ንመጻኢ ዘለዎ ተስፋን ኣጕሊሖም እዮም። ህሉው - እንተላይ ህላወ እዚ ምርኢት - ሕሉፍን መጻእን ከም ኣዕሩኽ ዝራኸቡሉ ቤት ክኸውን ይኽእል ኢዩ" ክብሉ ድማ ኣመልከቱ።

ጥንታዊ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተቕዋም

እቲ ንምዕቃብን ምርምርን እተወፈየ ጥንታዊ ተቅዋም ሓዋርያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን፣ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዩ፣ ምስ ምምሕዳርን ኣገልግሎትን ቅድስቲ መንበር ድማ ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር።

እዚ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ መበቈል፡ ወይ ባህሊ ብዘየገድስ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ብቑዓት ሊቃውያንቲ መምህራንን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ክኣኻኽብዎ ዝጸንሑ ውርሻ ኢዩ።

እዚ ቤተ-መጻሕፍቲ ብቐዳምነት ኣብ ፍልስፍናን ታሪኻውን ስነ-ፍልጠትን ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኣብ ስነ-መለኮትን ሕግን ስነ-ፍልጠትን ፍሉይ ኣበርክቶ ዘለዎ ውርሻ እውን ኢዩ።

እዚ ቤተ-መጻሕፍቲ ምስቲ ኣብ መጀመርታ 4ይ ክፍለ ዘመን እተመዝገበ ጳጵሳዊ ምርምራት ታሪኻዊ ምትእስሳር ስለ ዝነበሮ፣ ዘመናዊ ታሪኹ በቲ ኣብ መፋርቕ መበል 15 ክፍልር ዘመን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት መጻሕፍቲ፣ ንምሁራት ኪኸፍተሎም ዝወሰነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኒኮላስ ሓምሻይ ከምኡውን በቲ ብዕለት 15 ሰነ 1475 ዝወጸ ሰነድ ቅድስቲ መንበር “ንክብሪ እታ ተቓላሲት ቤተክርስቲያን” (Ad decorem militantis Ecclesiae) ኣቢሉ ዝያዳ ርጉእ ተቅዋማን መዋቕራውን ንጥፈታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሲክስተስ ራብዓይ እዩ ጀሚሩ።

13 Jul 2026, 15:11