ድለ

መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ኣሲዚ መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ኣሲዚ  (@Vatican Media)

መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ኣሲዚ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ነሓሰ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኣሲዚ ናይ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝክረ ነገራት ወግዓዊ ከም ዝገበበሮን ኣብዚ መደብ እዚ ቅዱስነቶም “ኪዱ!” ዓውደ ጉባኤ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን2026” ናይ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ እውን ከም ዝኾኑ የመላኽት።

ዜና ቫቲካን

ሓሙስ ዕለት 6 ነሓሰ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ታቦር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ከተማ ኣሲዚ ኢጣልያ ጒስነታ ምብጻሕ ክገብሩ እዮም፣ ኣብኡ ድማ ብኣማኢት ምስ ዝቑጸሩ መንእሰያት ክራኸቡን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ምስ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ከባቢ ከምኡውን ምስ ተወከልቲ ቤተ-ክርስትያንን ኪራኸቡ እዮም።

ምስቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 3 – 6 ነሓሰ "ኪድ! ቅነ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን 2026" ኣብ እተሰምየ መደብ እተሳተፉ መንእሰያት ክራኽቡን ናይቲ ቅነ መንእሰያት ፍራንቸስካውያን መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸዖ መግለጺ ሓቢሩ፡ ቅዱስ ኣቦና ንግሆ ሰዓት 08፡00 ብሄሊኮፕተር ካብ መዓርፎ ሄሊኮፕተር ሃገረ ቫቲካን ነቒሎም ሰዓት 08፡30 ድማ ኣሲዚ ክበጽሑን ኣብኡ ድማ ናይ ኣሲዚ ሊቀ ጳጳሳት ፌሊቸ ኣክሮካ ከምኡውን ናይቲ ዞባ ሰበ-ስልጣን ኣቀባብላ ክገብሩሎም ከም ዝኾኑን ድሕሪ እቲ ዝግበረሎም ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ቅዱስነቶም ናብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ዘመላእክት ክኸዱን ኣብኡ ድማ ምስ ላዕለዋይ ሓለቓን ናይ ዞባታት ጨንፈር ፍራንቸስካውያን ኣሕሉቕ ክራኸቡን ምስ መንእሰያት ድማ ሰዓት 08፡45 ናይ ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅድስት ማርያም ዘመላእክት ተረኺቦም ካብቶም መንሰያት ንዝቐርበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ቃለ ምዕዳን ክልግሱ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ፡ ደድሕሪ እቲ ፍጻመ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተወከልቲ ማሕበራት ፍራንሲስካውያን እንተላይ ንኣባላት እቲ ንመበል 800 ዓመት ሞት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ፍጻመታት ዘዳለወ ሃገራዊ ሽማግለ ሰዓት 09፡15 ናይ ንግሆ ኣብ ገዳም ፍራንቸስካውያን ሰላምታ ክህቡ ኢዮም።ድሕሪኡ ሰዓት 10፡30 ናይ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ዘመላእክቲ ቅዳሴ ኬብዕሉ እዮም።

ሄሊኮፕተር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከባቢ ሰዓት 12፡15 ድሕሪ ቐትሪ ካብ ኣሲዚ ነቒላ ሰዓት 12፡45 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቫቲካን ክትዓርፍ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

መንእሰያት ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ

“ኪዱ! 2026 ቅነ ፍራንቸስካውያን መንእሰያት” ኣብ ኣሲዚ ካብ 18 ክሳብ 33 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት -  ኣመንትን ዘይኣመንትን - ካብ መላእ ኣውሮጳ ዝመጹ ዘሳትፍ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ ኮይኑ። ዓውደ መጽናዕቲ ጸሎት ናይ መዝሙርን ሙዚቃን ውድድርን ካልእ ዝተፈላለዩ መደባት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ 2026 መበል 800 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝዝከረሉ ዓመት እውን ብምዃኑ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ድማ ኣብ ኣሲዚ ነዚ በዓል እዚ ንምዝካር ብዙሕ ፍጻመታትን መስዋዕተ ቅዳሴታትን ዓውደ ኣኼባታት፡ ዓውደ መጽናዕትታትን ከም እተኣንገደ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካልእ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝህልዎም መደባት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓበይቲ ጽምብላት ጉዳያት ዝኸታተል ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዘዕርገዎ መስዋእተ ቅዳሴ እንክሕብር፡ ብጀካ እቲ ኣብ ኣሲዚ ዘዕርገዎ መስዋእተ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ. ቀዳም ዕለት 15 ነሓሰ ሰዓት 10፡00 ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ናይ ንግሆ ኣብ ጳጳሳዊ ቁስምና ቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ቀዳም ዕለት 22 ነሓሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 47 ሕታም ኣኼባ ምሕዝነት ህዝብታት ንምስታፍ ናብታ ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ሪሚኒ ጒስነታዊ ምብጻሕ ክገብሩ እዮም። ምሸት ልክዕ ሰዓት 18፡30 እብቲ ናይታ ከተማ ወደብ ፊት ዘሎ ቅርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፡ ከምኡ እውን ቀዳም ዕለት 29 ነሓሰ ቅዱስነቶም ሰዓት 18፡00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ቀላይ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ የመላኽት።

31 Jul 2026, 16:52