ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኒውዮርክ ሓድሽ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሸይሞም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሊቀ ጳጳሳት ክሪስቶፍ - ዛክያ ኤል ቃሲስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሓዱሽ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ጌሮም ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሊቀ ጳጳሳት ክሪስቶፍ - ዛክያ ኤል ቃሲስ ኣብ ኒው ዮር ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ተወላዲ ሊባኖስ ሊባኖስ ናይ ሮዘል ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ክሪስቶፍ - ዛኪያ ኤል ቃሲስ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን የመንን ሓዋርያውን ከምኡ’ውን ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከም ዘገልገሉን፡ ኣብ 1994 ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ኣብ 2000 ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ኣገልግሎት ተጸምቢሮም ኣብ ኢንዶነዥያ ሱዳን ቱርኪ ከምኡውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ከም ዘገልገሉን በዚ ሓድሽ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንክብሉ ዝሃብዎም መዝነት ኣብ ዕዮ ሓፈሻዊ ኣኼባን ካልኦት ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘሳትፎም ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
27 Jul 2026, 15:54
