ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ከምቲ ናብ ምንጩ ዝወስድ ውሕጅ ሙዚቃ ናብ ኣምላኽ ይመርሓና!
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ምሸት ዕለት 29 ሓምለ ኣብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዘሎ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝርከብ ‘ቍሸት ስቡሕ ኣንተ’ ኣብ ዝተካየደ መደብ “መሃልየ ንሰላም ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ሙዚቃ ካብ ደረት ምስጢር ንላዕሊ ክመርሓና ይኽእል እዩ። ከምቲ ሓደ ውሒዝጅ ዝስዕብ ሰብ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምንጩ ዝበጽሕ፡ ጽባቐ መዝሙር ድማ ነቲ ዓለም ባዕላ ከተጥፍኦ ዘይትኽእል ጽምኢ ትርጉምን ሓጐስን ከዕግብ ናብ ኣምላኽ ክመርሓና ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተገልጹ "መዘምራን መላእኽትን ቅዱሳንን" ብምዝካር "ቃል ብቓሉ ኩሉ ግዜ ከምዘይዝምሩ" ተዓዚቦም። የግዳስ፡ እቲ ፍጹም ስኒቶም ካብቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝገብርዎ ሓባራዊ ኣስተንትኖ እዩ ዚምንጩ፣ እዚ ኸኣ ምድራዊ ሙዚቃ እውን ንኽንቀርቦ ኪሕግዘና ዚኽእል ስኒት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ቅድስቲ መሬት ኡጋንዳን ኢጣሊያንን ብሓባር
እዚ መደብ እዚ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ ኣንተ ምስ ማሕበር ኣንድርያ ቦቸሊ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኣካል ናይቲ መበል 800 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ኣሲዚ ዝኽሪ ጽምብል እዩ።
እቲ ንባባት ካብ ጽሑፋት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከም መሃልየ ዘፍጥረት ክፍልታት ጎኒ ጎኒ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታትን ካብ ሓያሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ክሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ዘጠቓለለ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብኣንድርያ ቦቸሊን ካብ ቅድስቲ መሬት፣ ኡጋንዳን ኢጣልያን ዝመጹ 164 ህጻናትን መንእሰያትን ዝቖመ መዘምራን ABF Voices - ዓለምለኻዊ መደብ ትምህርታዊ ሙዚቃን ዝተዓጀበ ናይ "ሓጎስ" ኣጋጣሚ እንክብሉ ገሊጾም፡ ብፍቕሪ ሙዚቃ ዝተጠርነፉ ብዙሓት ካብኣቶም ብኲናት፡ ድኽነትን ስቓይን ዝተለለየ ህይወት እውን ይካፈሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ነቲ ጥዑም መዝሙር" ምስቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ምትእኽኻብ ዝቐርብ ዝነበረ ብዙሕ ቋንቋታት ዝሓዘ ጸሎት ተደሚሩ፡ ሙዚቃ ዝተፈላለዩ ድምጽታት ናብ ሓደ ስኒት ከመይ ጌሩ ክጥርንፍ ከም ዝኽእል ዘርኢ ምዃኑን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ምሉእነት ፍሉይ ኣበርክቶ ከም ዝገብርን ኣመልኪቶም፡
በዚ መንገዲ መዘምራን ምልክት ስኒትን ምትሕግጋዝን ይኾኑ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ካብቲ ውልቀ ሰብ ዝዓቢ ነገር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተገልጹ ሰማያዊ "መዘምራን" ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ሓድነቶም ኣብ ኣምላኽ "ምልኣት ሓጎስ" ካብ ምርካብ ከም ዝመጽእ ገሊጾም። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ክትዝምሩ እንከለኻ ሙዚቃ ንዅላትና ናብ ሓድሽ ተመክሮ ብኸመይ ከም ዝሰሓበና ኣስተብሂልኩምዶ? እዚ ኸኣ ካብቲ በይንና ኽንፈጥሮ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ዚበልጽ ነገር እዩ። እዚ ናይ ጽባቐ ተመክሮ እዩ። ሓድሽ ኣድማስ ይኸፍተልና ናብኡ ንኽንስጕም ድማ ኣባና ባህጊ የበራብር።"
ከም ወሓዚ ናብ ምንጩ
ናብቲ ኣድማስ ምኻድ ማለት "ገለ ነገር" ጥራይ ዘይኮነስ "ሓደ ሰብ" ምርካብ ማለት እዩ። "ከምቲ ንሓደ ወሓዚ ስዒብና ናብ ምንጩ ክንምለስ እንኽእል፡ ጽባቐ ሙዚቃ እውን ምስቲ ባዕሉ ጽባቐ ዝኾነ ክንራኸብ ይዕድመና። እግዚኣብሄር ዝሃበኩም ህያባት እናማዕበልኩም ቀጽሉ፡ እዞም ህያባት እዚ ድማ ናብኡ ይመርሑኹም" እክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓለም ንጽምኢ ትርጉምና ከተዕግብ ኣይትኽእልን እያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ "ዘይርጉእ ልቢ" መንእሰያት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ጐይታ ጥራይ እዩ-"ኣብ ህይወት እንደልዮ ኩሉ"- ብሓቂ ዕረፍቲ ክህቦ ዝኽእል። ንዓበይቲ ነገራት ከም ዝተፈጠርና፡ ንጽምኢ ትርጉምን ሓጎስን ንምርዋይ ድማ ዓለም ብምልእታ እኹል ከም ዘይኮነት ኣይትረስዑ።"
"ር.ሊ.ጳ. የፍቅረኩምን ይጽልየልኩምን"
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም መንእሰያት "ር.ሊ.ጳ. የፍቅረኩምን ምእንታኹምን ስለ ስድራኹምን ንሃገራትኩምን ይጽልየኩም" እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ እዚ ጸሎት እዚ ድማ "ኣብ ኩሎም እቶም ብሰንኪ ዓመጽ ዝሳቐዩ ዘለዉ ክፋላት ዓለም" ሰላም ክነግስ ዝምሕጸን ናይ ሰላም ጸሎት እዩ - ቢሎም - ንመንእሰያት ተሳተፍቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓባር ምጽላይ፡ መዛዘሚ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ጉዕዞ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መዘምራንን መምህራንን ብስነ ጥበብ መዛሙር ኣቢሎም ናይ ሕንጸትን፡ ምሕዝነትን ሕውነትን ተመክሮ ዝተካፈልሉ።
ተወፋይነት ማሕበር ኣንድርያ ቦቸሊ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ፡ ትካል ኣንድርያ ቦቸሊ፡ ትምህርታውን ማሕበራውን ጸገም ዘጋጥሞም መንእሰያት ኣብ ምድጋፍ ንዘሳልጦ ዕማም ኣመስጊኖም፡ "ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ፡ ብሓይሊ ሙዚቃ ኣቢልኩም ኣብ ተልእኾ ቤተክርስትያን ኣበርክቶ ትገብሩ ኣለኹም ጻዕርኹም ኣምላኽ ይባርኽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ትሕቲ ጽላል "ማቱሳላ"
እቲ ናይ ጸሎት ምትእኽኻብ ኣብ ቀረባ እዋን ናይቲ ውሁድ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ኮይኖም ዕለት ሓደ መስከረም 2026 ዓ.ም. ዝተመዙ ዋና ሓላፊ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ካርዲናል ፋብዮ ባጆ ብዘስምዕዎ መደረ ዝተበገሰ ኮይኑ፡ እቲ ሙዚቃ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ነቲ ድምጺ ኣልቦ ግን ከኣ ሓያል ምስክርነት ናይቲ “ማቱሳላ" ዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ጥንታዊ ጽሕዲ እንከስተንትኑ ኣብ ታሪኻዊ ጳጳሳዊ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ሱር ዝሰደደ፡ እዚ ገረብ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ዝተዋህበ ሓላፍነት ዘመልክት እዩ ኢሎም: "ንመጻኢ ወለዶታት ሕይወትን ተስፋን ንምፍራይ ምእንቲ ክቕጽል ከም ህያብ ንዝረኸብናዮ ምሕብሓብ - ቢሎም - ብጹዕነቶም ነቲ ዘይርሳዕ ቃላት ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ብምዝካር ድማ "ደንጉየ ኣፍቀርኩኻ፡ ጽባቐ ኩሉ ግዜ ጥንታውን፡ ወትሩ ሓድሽን፤ ደንጉየ ኣፍቀርኩኻ" ብምባል ወሲኾም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ስፍራ ምርኻቦም ድማ ኣመስጊኖም፣ ነቶም ተኣከብቲ ሰላም "ንነፍሲ ወከፍና ብሕድሪ እተዋህበ ተልእኾ" ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍጥረት፡ ሰላም፡ ሰብኣዊ ክብርን እምነትን እዩ
ቀዳማይ ክፋል ናይቲ መደብ ኣብ ፍጥረት ዘተኮረ ኮይኑ፡ ክልተ ፍሉጣት ቅዱሳትን መንፈሳውያንን መዝሙራት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሃይማኖታዊ ፍጻሜታትን ናይ መዘምራን ምርኢትን ብሓባር ዝቐርባ Fratello sole, sorella luna - ሓውና ጸሓይ ሓብትና ወርሒ ዘርእስቱ መዝሙር ብኣንድርያ ቦቸሊን መዘምራንን ዝቐረቡ ምርኢታት ዝሓዘ ኮይኑ። ቀጺለን እናቴ ኣሌሳንድራ ስመርሊኒ ካብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ መሃልየ ዘፍጥረት ካብ ዘርእስቱ ጸሎት ገለ ክፋል ከም ዘንበባን፣ ስዒቡ ድማ ካርዲናል ባጆ ካብ ዘፍጥረት ዝተወስደ ቀዳሞት ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ ብእንግሊዘይና ከም ዘንበቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ካልኣይ ክፋል ንስኒት መንጎ ህዝብታት ዝተወፈየ ኮይኑ፡ ብመዘምራን ናይታ ወርሒ ኪየቭ ዘርእስታ ናይ ጃኒ ሮዳሪ ግጥሚ መሰረት ዝተዳለወ መዝሙር ምስ ቀረበ፡ ስዒቡ ድማ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዓቃቤ ቅድስቲ መንበር ኣባ ፍራንቸስኮ ኢልፖ ካብቲ ጸሎታት ናይቲ ናይ ኣሲዚ ድኻ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ክፍሊ ጸሎታት ከም ዘንበቡን፡ ሳልሳይ ክፋል ድማ ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ዘተኮረ ከም ዝነበረን። መዘምራን ብሓባር ዘዳለውዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ Fratelli tutti - ኣሃው ዅልነ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1965 ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስሞዎ መደረ ከምኡውን ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማይ ዕለት 13 ግንቦት 1985 ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ሰላምን ፍትሕን ህንጻ ኣብ ሃገ ዘስምዕዎ መደረ ዘጠቃልል መዝሙር ከም ዝቐረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል ንእምነትን ሓድነትን እተወፈየ ናይ ጋኤሊክ በረኸት ተባሂሉ ዝፍለጥ ምርኢትን ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 20 ዝተወስደ ምንባብ ዘጠቓልል ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ህጻናት ጸሎት
ድሕሪ ኣስተንትኖ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቶም ህጻናት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት፡
"ኣቦይ ቈልዑ ኢና። ክንጻወት ጥራይ ኢና እንደሊ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢኻ ብፍቕርኻ ተኸቢብና ምስ ኵሉ እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንብል ዝመሃረና ፍጥረት ተሰማሚዕና እንነብረሉ ጽብቕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ፈጠርካልና። ነቲ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ክንከናኸኖ ስለዘይከኣልና፡ ኣብኡ ምንባር ዝነበረና ሓጐስ ድማ ናብ ፍርሒ ተቐይሩ፡ ስለዚ ተሓቢእና። ፍቕርኻ ግን ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣተሓባብኣ ዝብል ጸዋታና ረኺቡና። ብመስዋእቲ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ኣቢልካ ምስ ገዛእ ርእስኻ ኣታዓሪቕካና፣ ምሳኻን ኣብ ነንሕድሕድናን ምስ ኩሉ ፍጥረትን ሕብረት መለስካልና። ብሓቀይና ሓጐስ ምእንቲ ክንነብር ነቲ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ክንከናኸኖ ክትሕግዘና ንልምነካ”
ዝብል ጸሎት ምስ ኣቕረቡ እቲ መደብ ብጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ምስ ተዛዘመ ስነ ስርዓት ምልውዋጥ ሰላም ተኻይዱ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ ኣንድርያ ቦቸሊን መዘምራንን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣቶም ቆሎኡ ካብ ሃገራቶም ዘምጽእዎ ህያባት ከም ዝቐረበሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
