ድለ

2026.20.07 Il nuovo libro di Leone XIV “Disarmata e disarmante. La pace è un dono” (Libreria Editrice Vaticana) 2026.20.07 Il nuovo libro di Leone XIV “Disarmata e disarmante. La pace è un dono” (Libreria Editrice Vaticana) 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ሰላም ብኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይኰነስ ኣጽዋር ብምርጋፍ እዩ ዝህነጽ

ቤት ሕትመት ቫቲካን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተጻሕፈ “ኣጽዋሩ ዘራገፍን ኣጽዋር ዘራግፍን፡ ሰላም ህያብ እዩ” (Disarmed and Disarming: Peace Is a Gift) ዘርእስቱ ሓድሽ መጽሓፍ ኣሕቲሙ። እዚ መጽሓፍ እዚ ብኣሌሳንድሮ ባንፊ እተዳለወ ኰይኑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዕለት 8 ግንቦት 2025 ካብ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝደየቡሉ እዋን ኣትሒዞም፣ ብዛዕባ ሰላም ዘካፈልዎ መደረታትን ሓሳባትን የጠቓልል። እዙ ብቋንቋ ጣልያን ተሓቲሙ፣ ኣብ ከብሒ ቤተ መጻሕፍቲ ተዘርጊቡ ዘሎ፣ ግን ከኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ብቋንቋ እንግሊዝ እውን ክትርጐም ኢዩ፣ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸሓፈዎ ግን ከአ ቅድሚ ሕጂ ዘይተሓትመ ገለ ጽሑፋት ድማ ኢዩ ዝጅምር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14

"ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን" ዝብል ሰላምታ፣ እቲ ናይ መጅመርታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያቱ ዝሃቦም ተላምታ ኢዩ ዝንበረ (ዮሓ 20፡19) ። እዚ እውን እቲ ዝተንሥአ ክርስቶስ ነቶም ፈተውቱን ንመላእ ዓለምን ዘቕረቦ ናይ መጀመርታ ውህበት እዩ ነይሩ፣ ንሱ ኸኣ ሰላም እዩ። ይኹን እምበር እዚ ውህበት እዚ "ብሕሱር ዋጋ" ኣይመጸን፣ እቲ ግርማ ዝመልኦ ሰብኣውነት ናይ ጐይታ ናዝሬት፣ ንቝስሊ ሕማማቱ እውን ገሊጹ ኢዩ። ጽልእን ዓመጽን ዝኾነ ናይ ዓለም መስቀል ተመዂሩ እዩ። እቲ ኣጽዋሩ ዘራገፈን ኣጽዋር ዘራግፍን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንዘይፍትሓዊ ተግባራት ተጻዊሩ ኢዩ ዝተንስአ። እዚ ኣዋጅ ወንጌል ድማ ኣብ ታሪኽ ኣትዩን ይግለጽን ኣሎ። ሎሚ እውን ከምቲ ቕድሚ 2,000 ዓመት ዝነበረ ከማኡ ኢዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ሰላም ናይ ብዙሓት ልቢ ዜለዓዕል ዓብዪ ባህጊ እኳ እንተ ዀነ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ሓደጋ ይወድቕን ይርገስን ይናሾን ኢዩ ዘሎ። ሎሚ 103 ሃገራት ብገለ መገዲ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ይሳተፋ ኣለዋ።[1] ኣብ ዩክረይን ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣብ ሱዳንን ምያንማርን፣ ኣብ የመን ኮንጎን፣ ከምኡውን ኣብ ካልእ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣጽዋር ይውርወርን ይቐትልን ኣሎ። ኣብ ዘመኖም እቶም በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው፣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰፊሕ ግጭታት ንምግላጽ፣ "ሳልሳይ ውግእ ዓለም በብቝሩብ ይካየድ ኣሎ" ዝብል መግለጺ ኣካፈሉ። ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ፣ ሕጂ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እተጠርነፈ መደረታተይ ምስ ረኣኹ ንልበይ ዝዅርኩሓኒ ገለ መዳያት ከጕልሕ እደሊ።

ልዕሊ ዅሉ ድማ ሰላም ተሓታትነት እዩ። ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ፣ ውጥረት ኬጋጥመና ኸሎ፣ ወይ ክንጸርፍ ከለና ናይ መጀመርታ ባህሪና፣ ንኻልኦት ምፍራድ ምኽሳስ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ምዅናን እንተ ዀይኑ፣ ፈለማ ሸለልትነት ድሕሪኡ ድማ ጽልኢ ኣብ ዙርያና ኺዓቢ ይርከብ። ነዚ ክውንነት እዚ ዜጥፍእን ዘይሃንጽን መገዲ ግን ኣሎ። ሰላም ካባይ እዩ ዝጅምር? ካባና እዩ ዝጅምር። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ "ዘመናት ይናወጹ ኣለው፣ ዘመን ጸንኪሮም ይርከቡ፣ ዘመናት ከፊኦም ኣለዉ” በለ። ቀጺሉ ድማ “ሠናይ ዝኾነ ህይወት ንበር፣ ጽቡቕ ህይወት ብምንባር ድማ ንዘመን ኽትቅይሮ ኢኻ፣ እወ ንዘመን ኽትቅይሮ ኢኻ፣ ድሕሪኡ ድማ ዜጕረምርመካ ነገር ኣይኪህሉን እዩ" በለ።[2] ካብ መዓልታዊ ርክባትና ጀሚርና፣ ኣብ ስድራ ቤትና፡ ኣብ ከተማታትና፡ ኣብ ስራሕና፣ ነዚ ብህያብ ፍሽኽታ፣ ይቕረ ብእንብለሉ ጕድኣት፡ ሕያውነት ብዝመልኦ ቃል፣ ብባዕልና ክነብሮ እንተ ደአ ዘይጀሚርና፣ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሓያላት ሰባት ሰላም ክህቡና ክንሓቶም ኣይንኽእልን ኢና። ሰላም ብንኣሽቱ መዓልታዊ ጭቡቕ ተግባራ እዩ ዝህነጽ።

ብዝበለጸ ድማ ሰላም ብሓቂ እዩ ዝህነጽ። እቶም ውግእ ዚገብሩ እውን ከይተረፉ፣ "ብስም" ሰላም ተግባራቶም ከም ዝገብሩ ኢዮም ዝዛረቡ። ንውግእ ኢሉ ውግእ ከም ዝደሊ ንምእዋጅ ትብዓት ዘለዎ ዋላ ሓደ ሰብ የለን፣ እቶም ሓያላት ምድሪ እውን ከይተረፉ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍትሒ ኸም ዝደልን፣ ብሰላም ኪነብር ከም ዝደልን ይፈልጡ እዮም። ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘጋጠመ ፍጻመታት ዘስዓቦ ዘስካሕክሕ ሳዕቤናት፣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገለጽዎ፣ ዳግም ናብ ውግእ ምምላስ፣ "መብለሲ ዘይብሉ ዕንደራ" እዩ።[3] ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ናብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረብዎ ልባዊ ጻውዒት፣ ካብ ሓንሳእ ንላዕሊ ደጋጊመዮ እየ። እዞም ቅድመይ ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ንሰባት ብሓድነት ዜሕብሮም፣ "ሓደ ንመጻኢ ታሪኽ ዓለም ክቕይሮ ዚግባእ ማሕላ እዩ፦ ዳግም ውግእ ኣይገበር! ዳግም  ውግእ ኣይኹንን! ንመጻኢ ሕዝብታትን ኵሎም ደቂ ሰባትን ዝመርሕ ሰላም ኢዩ፣ ሰላም ማለት ድማ እዚ ኢዩ" በሉ።[4] ልዕሊ ዅሉ ኣብ መዋእል ኣቶሚካዊ ሓይሊ፣ ርግጽነት ሓቂ ክቕጽል ኣለዎ፣ ሰላም ዘምጽእ ኣቶማዊ ኣጽዋር ዘይኰነስ፣ ኣጽዋር ምርጋፍ ኢዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኑክልየሳዊ ምንቅስቓሳት ክንርኢ ኸለና ንጹር ዚመስል ዝነበረ ሓቂ፣ በቲ ሎሚ ዜፍርህን ዘሰንብድን ኮይኑ ዘሎ ውድድር ኣጽዋር ተሸፊኑ ኣሎ። ከምቲ ቦብ ዲላን ዝስሙ ደራፍን ደራስን፣ ኣብ ሓደ ኻብቲ ግጥማዊ ጽሑፋቱ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብዛዕባ ኣቶሚካዊ ቦምብ ዝጸሓፎ፣ "ሰብ ዝሰርሐን ሰብ ዝውንኖን ሰብ ስለ ዝዀንካ እጸልኣካ እየ" በለ።[5] ሎሚ ቤተ-ክርስትያን ብትሕትና ናብ ኣቓልቦ ዅሎም ደቂ ሰባት ሓደ ሕቶ ተቕርብ ኣላ፦ ደቂ ሰባት ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ኣለዎዶ? ናይ ሳይበር መደበርን ዓለምለኻዊ ዳግመ-ምዕጣቕ ኣጽዋርን ብምትሕብባር ነዚ ሕቶ እዚ ኣርዚኖም ንኽሓቱ ይድርኾም ኣሎ።

ሰላም ምስክርነት ይሓትት እዩ። እዚ ቅውም ሓቂ እዚ ብሓይሊ ብዙሓት ገጻት እዩ ዘመልክተልና። ካብቶም ኣዚዮም ዝጥቀሱ ኣካላት ድማ፣ ከም በዓል ብፁዕ ፍሎሪበርት ብዋና ቹይ ከምኡውን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጆርጅዮ ላ ፒራን፡ ዶረቲ ዴይን ንብልሽውና ብምስዓር፣ ንድኻታት ብምሕጋዝ፣ ንዲፕሎማሲ ብምድጋፍ ብቐዳምነት ሰላም ዘስፋሕፉ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ኣርኣያና ኢያቶም። ጐኒ ጐኒ እዞም ውሩያት ሰብኡትን ኣንስትን፣ ሰላም በቶም ንሕልናኦም ዝስዕቡ፣ "ብዙሕ ዘይፍለጡ ቀለስቲ ኣካላት" እዩ ዝንጸባርረቕ።

ታሪኽ ድሮ ናብ ኑክልየሳዊ ዕንወት ቀሪብና ኸም ዘለና የርእየና ኣሎ። ስታኒስላቭ ፔትሮቭ ዝተባህለ ብዓል ስልጣን ሶቭየት ሕብረት፣ ዝገበሮ ውሳነ ዓለምለኻዊ ኣቶማዊ ውግእ ንምውጋድ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ መዛግብቲ ይሕብሩ። እቲ እዋን እቲ ዕለት 26 መስከረም 1983 እዩ ዝንበረ። ኣብ ጥቓ እቲ ፔትሮቭ ዝዓየሉ ዝነበረ፣ ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝርከብ ራዳር ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ሕብረት ሶቭየት ሓያሎ ኣብ መንጎ ኣህጉራት ዝርከብ ባለስቲካዊ ሚሳይላት ከም እተፈነወ ዝሕብር ምልክት ይዕዘብ ነይሩ። ይኹን እምበር እዚ ናይ ሶቭየት ሳተላይት ኣብ ጥንቁጥ ስርዓታት መርመራ ጌጋ እዩ ነይሩ። ፔትሮቭ ትእዛዝ ብምጥሓስ ነቲ መጥቃዕቲ ተባሂሉ ዚእመነሉ ምልክት ከይህብ መረጸ። እዚ ውሳነ እዚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክቐተሉ ኸም ዚኽእሉ ብዝፈልጥ ዝነብረ ሰብ እዩ ተወሲዱ። ማሽናት ካባና እተራቐቐን ቅልጡፋትን እኳ እንተ ዀኑ፣ ነቶም መከላኸሊ ዘይብሎም ሰባት ቦምባ ንምጥፋእ ዝውስኑላ ዓለም ብሓቂ ዘፍርህ እዩ። ሕልና ሓደ ሰብ ግና ንመላእ ዓለም ኪጠቅም ይኽእል እዩ።

ሰላም ተስፋ የድልዮ እዩ። ቤተክርስትያን ንዅሎም ሰብኡትን ኣንስትን ትሕራሔ ምስባኽ ክትቅጽል እያ። ሎሚ ዓለም እትደልዮ ዘላ፣ ሓደ ነገር እንተሎ ንመጻኢ ናይ ሰላም መልእኽቲ ምዃን ኢዩ ኢለ እየ ዝኣምን። መልእኽቲ ኢየሱስ እንኮ ምንጪ ስለ ዝዀነ ንመጻኢ ብተስፋ ንጠምት። ምኽንያቱ ፍረ ነገር ትምህርተ ክርስቶስ እዚ ስለ ዝዀነ፣ ልግሲ ፍቕሪ ከምኡውን ሕይወት ብምሃብ ንሞት ብምግላል፣ ንዓመጻ ይስዕሮ፣ "ኣነ ዝመጻእኩ ሕይወት ምእንቲ ኺረኽቡን ሕይወት ምስ ተረፉ ክህበኩምን እዩ" (ዮሓ 10፡10) ።

ነቶም ኣብ ዓለም ብዙሕ ቀጻሊ ውግኣት ቅድሚ ምጅማሮም ተስፋ ንምቝራጽ ኣብ ፈተና ዝወድቁ ሰባት፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ዘቕረብዎ ጻውዒት ከቕርበሎም እደሊ ኣለኹ፦ "ኣብ መንጎ እዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ከም እንነብር ስለ ዘገብረና፣ ንኣምላኽ ነመስግኖ። ድሕሪ ደጊም ዝዀነ ይኹን ሰብ ላንጋ ላንጋ ኪኸውን ኣይፍቀደሉን እዩ" በሉ። ኣምላኽ ዓመጻ ናብ ዘይብሉ መገዲ ይምርሓና። ምእመናንን ሰብ ሠናይ ፍቓድ ዝኾኑ ሰባትን ከም ሃነጽቲ ሰላም ኰይኖም ካብ ምግልጋል ኣየቋርጹ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዕላማ ህይወቱ ሰላም ይግበር።

ካብ ቫቲካን 19 ሰነ 2026

 

[1] Cf. Global Peace Index 2026, Sydney 2026.

[2] Saint Augustine of Hippo, Sermons, 311, 8.8.

[3] Saint John Paul II, Prayer for Peace, 2 February 1991.

[4] Saint Paul VI, Address to the United Nations Organization, 4 October 1965.

[5] Bob Dylan, Go Away You Bomb, 1963.

21 Jul 2026, 15:40