ር.ሊ.ጳ. ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ፡ ኣብ ግብረ ሰናይ ተጠርኒፋ ድልድላት ክትሓንጽ ይጽውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ካብ ዕለት 2 – 26 ሓምላ ናብ ዝካየድ ዘሎ መበል 12 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ ዕለት 25 ሓምላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ተጋባእያን ጳጳሳት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓበየ ምልክት ህላወ እግዚኣብሔር ክኾኑ ይዕድሙ።

ዜና ቫቲካን

“ጳጳሳት እስያ ኣብታ ኣህጉር ንህይወትን መጻእን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝጸሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ንምዝታይ ኣብ እትእከብሉ እዋን፡ መንፈስ ቅዱስ ብሓባር ንዝህልወኩም ግዜ ከነቓቕሓኩምን ክመርሓኩምን እናጸለኹ፡ መንፈሳዊ ቅርበteይ የረጋግጸልኩም" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ጃካርታ - ኢንዶነዢያ ናብ ዝተኣከበ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ነቶም ካብ ዕለት 20 ክሳብ 26 ሓምለ መበል 12 ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ፈደራላዊ ጉባኤጳጳሳት ኤስያ (FABC) ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ዝተኣከቡ ጳጳሳትን ኣባላትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ድልድላት እትሃንጹ ኩሉ እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ ምንጪ ሕብረትና እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም እቶም ጳጳሳት እስያ ንዘካይድዎ ዘለዉ መበል 12 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ዝመረጽዎ መርሕ ቃል፡ ካብቲ ኢየሱስ ንናትናኤል “ዝዓበየ ነገር ክትሪኢ ኢኻ” (ዮሃ 1፡50) ካብ ዝበሎ ቃል ዝመንጨወ ምዃኑ ዘኪሮም፣ "ጎይታ ንፊልጶስን ናትናኤልን ንዕኡ ክስዕቡን ደቀ መዛሙርቱ ክኾኑን ኣብ ምጽዋዕ፣ ንርእሱ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብኣውነትን ፍሉይ መንጎይና ምዃኑ ብተምሳጥ ይገልጽ (ዮሓ. 1 ፡51) እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ “ሎሚ ከም ደቂ መዛሙርቲ፡ ኢየሱስ ናይቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ሕብረት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ነንሕድሕድና ናይ ዝህሉ ሕብረትና እውን ምንጪ እዩ - ቢሎም - ቅዱስ ኣቦና ንተሳተፍቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብቲ Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ኣብ ግዜ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሰብኣውነት ሰብ ምሕላው ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽት ዓዋዲ መልእኽቶም፡  "ክርስትያናዊ ምትሕግጋዝ ምንጩ ኣብ ምስጢረ ክርስቶስ ከም ዝረክብን ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ብፍላይ ድማ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ካብ ዘሎና ሕብረት ዝበቁል እውን እዩ" እክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓበየ ምልክት ህላወ ኣምላኽ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት

"በዚ ምኽንያት እዚ" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ኣብ ውሽጢ ከባቢኹም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ቅዱስ ቁርባናዊ መንፈሳውነት ማለት ኣብቲ ካብ ውህበት ጐይታና ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝውሕዝ ፍቕሪ ዝተመስረተ መንፈሳውነት ዓቕለሲያዊ ሓድነት ከተነቓቕሑ ክተባብዓኩም እፈቱ" እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ "በዚ መንገዲ እዚ ኣብ ውሽጢን ኣብ መንጎን እተን ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ሕብረት - ሓድነት ምትእስሳር ክድልድልን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትኩም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓበየ ምልክት ህላወ ኣምላኽ ክኸውንን እዚ ድማ ብግዲኡ ኣብ መላእ እስያ ብሓባር ሃነጽቲ ድልድል ክትኮኑ ክሕግዘኩምን ተስፋይ እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ዝተኣከቡ ካብ ጐይታ ውህበት ጥበብን ጽንዓትን ተማሕጺኖም፡ ከምኡ’ውን ምይይጦም፡ ንኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ኣባዕቍይቦም፡ "በረኸት ናይ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽን ኣብን ወድን መንፈስ ቅዱስን ድማ ኣብ ልዕሌኹም ወሪዱ ንዘለኣለም ምሳኹም ይኹን፡ ኣሜን!" እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Jul 2026, 16:28