ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ናይ ኣመሪካ ናይ ናጽነት ስምዒትን ንኹሉ ህዝቢ ምቕባልን ተግባር ኣዝየ እየ ዘድንቖ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካዊ NBC - ሃገራዊ ትካል ፈነወ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣገዳስነት ስደት ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምጉላሕ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት ናብታ ዝተወልዱላ ሃገር ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ይሕብሩ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ዝዛዘሙሉ ዕለት 29 ሓምለ ረቡዕ ምሸት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካዊ NBC - ሃገራዊ ትካል ፈነወ ቃለ መሕትት ንኽገብረሎም ዘቕረቦ ሕቶ ተቐቢሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ቃለ መሕትት ብዛዕባ እቲ ዘፍቅርዎ መዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ታሪኽ ምቕባል ስደተይናታት እታ ሃገርን ከም ዘጒልሑን፡ ቀዳማይ “ተወላዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” ምዃንኩም እንታይ ይምስዓኩም ወይ እንታይ ትርጉም ኣለዎ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ ንገዛእ ርእሶም ዝያዳ ብኣጋጣሚ ኣመሪካዊ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” ገይሮም ከም ዝሓስቡ ኣነጺሮም፡ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ኣመሪካዊ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣትሒቶም ኪርእይዎ ኸም ዘይደልዩ ገሊጾም፡ "ኣነ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እየ ተወሊደ። ስድራይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ እዮም ዘለዉ። ንኣሜሪካ ዓቢ ፍቕሪ ኣሎኒ። ተልእኾይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሸነኽ ከም ዘለዎ ይርድኣኒ እዩ፣ እዚ ድማ ብልክዕ ጓሳ ናይ ሓንቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃንን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ንምዝራብ ድምጽን ዕድልን ምህላው እዩ።”

ማዕረ ማዕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንገዛእ ርእሶምን ንህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ “ቀዳማይ ኣመሪካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃን ዓቢ ትርጉም ከም ዘለዎ” ርዱእ ምዃኑ ኣሚኖም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እንታይ ከም ዝፈትዉ ምስ ተሓተቱ፡ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝቖመትሉ መትከላት - ናይ ሓርነት፣ ዕድላትን ንወለዶታት፣ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ሰባት ኣካል ኣሜሪካ ክኾኑ ዝገብር ዕድላት ዘርዚሮም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣቦሓጎን ኣደሓጎን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኣተዉ ስደተይናታት ምዃኖም ኣስተብሂሎም፡ ንድሕሪት ተመሊሶም ክሓስብዎ እንከለዉ ድማ፡ ብወገን ኣዲኦም ኣብታ ስድራቤት "ጊላዎትን ወነንቲ ጊላዎትን ዝነበሩ ሰባት" ከምዝነበርዎምን - "እንተ ደሊኹም እዚ ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ታሪኽ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምዃኑ ኣፍልጦ ንኽህበሉ ዚሕግዘኒ ታሪኽ ዕቤትን ተመክሮታትን ኣሎ። ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣመሪካዊ ንምዃን ኣገዳሲ ዝዀነ መሰረታዊ ስርዓታት እድግፎ ኣለኹ ከምኡ ምግባር ድማ ክቕጽል እየ - ቢሎም - ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዑደት ክገብሩ መደብ ኣለኩም ድዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ "ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ዝተሓዝ መደብ ክኸውን ይኽእል። “ክሳብ ሕጂ ርጉጽ ዝኾነ ወግዓዊ መደብ የለን፡ ብርግጽ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክበጽሕ ተስፋ እገብር” እንክብሉ ይምልሱ።

ስዒቡ በቲ NBC - ሃገራዊ ትካል ፈነወ ዝመሓደር መደብ ቋንቋ ስጳይና “Telemundo -  ተለቪዥን ዓለም" ብቋንቋ ስጳይና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ቅዱስነቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ቘልዑ ብሓባር ኪዝምሩ ኸለዉ ብዛዕባ እቲ ንሰላም ኣብ እተገብረ ጸሎት ዝረኣዮ ጽባቐ እንከስተንትኑ፡ "እዚ ጽባቐ እዚ ንዅላትና ንገለ ፍልልያትና ገዲፍና ሰብኣዊ ምዃንና ምስ እንግንዘብን ኵላትና ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጠርና ምስ እንግንዘብን ንዅላትና ኺፍጠር ዚኽእል ጽባቐን እንሳተፎ ጽባቐን ንኽንርኢ ዝዕድመና ይመስለኒ።

ኣስዒቦም ነቲ እቶም ቈልዑ ንሰላም ዘቕረብዎ ጸሎትን ስለምንታይ ኣብ ክንዲ ሰላምን ፍቕርን ውግእን ጽልእን ይህሉ ዝብል ዘቕረብዎ ሕቶ ኣዘኻኺሮም። "ነቲ ሰብ ብምዃን ኣብ ኵሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚርከብ ክቡር ዋጋን ሃብትን እንደገና ኽንረኽቦ ኣሎና። ኵላትና ሰላም ኣብ ዚፈቱ ሰላም ዚደሊ ከምኡውን ፍልልያትና እናሃለወ ኽነሱ፡ ንሓድሕድና ኣብ ዚቕበል ሕብረተሰብ ብሓቂ ኽንሳተፍ ከም እንኽእል ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና። ኵላትና ንሰላም እንተ ሰሪሕና ግጭትን ጽልእን ዘምጽእ ብዙሕ ኵነታት ክንሰግሮ ንኽእል ኢና - ምስ በሉ - ቅዱስነቶም ምስ “Telemundo -  ተለቪዥን ዓለም"  ዝገበርዎ ቃለ - መሕትት ንስደተይናታት ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንክዛዝሙ፡ "ተስፋ ይሃሉዅም። ብስርዓት ክትነብሩ ዘኽእለኩም መገዲ ሓደራ ኣናድዩ” እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ ብሰንኪ በደላትን ገበናትን ካልእ ብኸምኡ ዓይነት ነገራትን ዝተሳቐዩ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ክንፈልጥ ኣሎና። ሕብረተሰብ ከምኡ ክህነጽ ኣይክእልን። ስለዚ ብሰላም ምንባር ክንመሃር ኣሎና፡ ኩሉ ግዜ ንኹላትና ዝሕግዝ ትብዓትን ተስፋን ክህልወና ኣለዎ" እንክብሉ ይዛዝሙ።

31 Jul 2026, 16:48