ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ማሕበራዊ ህይወት ናይ ቅድስና ቦታ እዩ!
ዴቦራ ካስተላኖ ሉቦቭ
"ሕይወቶም ንኣገልግሎት ወንጌል ዝውፍዩ ሰባት ህዝባዊ ምስክርነት ንምድልዳል ሓጊዝኩም ኢኹም" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ናይ ምስጋና ቃላት ኣብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ጋብርኤለ ካቻ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ “ሓደ ኣብ ክርስቶስ፡ ሎማዊ ማሕበራዊ ህይወት” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሉ ብምኽንያት ዝክሪ መበል 70 ዓመት ቅዋመ ሃገራዊ ጉባኤ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት - ደቂ ተባዕትዮ - CMSM ኣብ ከተማ ፎኒክስ፡ ግዝኣት ኣሪዞና ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ምንባሩ የመላኽት።
ሃገራዊ ጉባኤ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት - ደቂ ተባዕትዮ - CMSM ንመራሕቲ ንናይ ደቂ ተባዕትዮ ካቶሊካዊ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ገዳማትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ሕይወትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝውክል ሃገራዊ ትካል ኮይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዕለት 16 ሓምለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንሓላፊ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ሓገራዊ ጉባኤ ኣባ ፍራንክ ዶኒዮ ኣባልን ሓለቓን ካቶሊካዊ ማሕበር ሓዋርያነት- SAC፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይውት ምትሕብባር ንምዕባይ ዝቖመ ዝኽሪ መበል ሸውዓተ ዓሰርተታት ዓመታት ቅዋመኡ ዘብዕለሉ ዘሎ እዋን፡ "ኣብዘን ዓመታት ብዝረኸብናዮ ጸጋታት ንኣምላኽ ከነመስግን ግቡእ ግዜ እዩ - ቢሎም - ንዘተ ዝኸውን ቦታ ንምህላውን ንመሪሕነት ኣባል ማሕበራቶም ንምድጋፍን ንዝገበርዎ ጻዕሪ ኣመስጊኖም እዚ ድማ ንክርስቶስ ዝተወፈዩ ሰባት ህዝባዊ ምስክርነት ንምድልዳልን ኣብነቱ ንምስዓብን ኣበርክቶ ከምዝገበረ ኣመልኪቶም፡ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምትእኽኻብ ዛዕባ “ሓደ ኣብ ክርስቶስ፡ ሎማዊ ማሕበራዊ ህይወት” ኣብ ዘስተንትኑሉ እዋን "ማሕበራዊ ሕይወት ከም ናይ ቅድስና ቦታን ኣብ ሓዋርያዊነትኩም ምንጪ ምትብባዕን ምስክርነትን ሓይልን ጌርኩም ክትነብርዎ" ክተባብዓኩም እደሊ። "ብሓቂ - ልክዕ ንዋታዊ ንብረት፡ መንፈሳዊ ተመኩሮታት፡ ሓዋርያዊ ኣምርን ግብረ ሰናይ ኣገልግሎትን ሓዊስካ እቲ ሕቡእ ህላወ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ኣብ መንጎኹም ዝግለጽ ናይ ሓባር ምክፋል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
በዚ ስምዒት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዘን መዓልታት ኣስተንትኖን ዘተን ጸሎትን ኣብ ውሽጢ ጉባኤኹምን ኣብ መንጎ ማሕበራትኩምን ዘሎ ሕውነታዊ ሕብረት ከተዕምቁሉ እትኽእሉ መገድታት ከተስተውዕሉ ዘኽእለኩምን በዚ መንገዲ እዚ ድማ ኣብቲ እተገልግልሉ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባትን ሓዋርያትን ንክርስቶስ ስሙርን ሓጎስን ሓቀይናን ምስክርነት ከተቕርቡ ከም ዘኽእሉኹም" እምነተይ እዩ እንክብሉ መንፈሳዊ ቅርበቶም ብምርግጋጽን ንሃገራዊ ጉባኤ ብፍቕራዊ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ኣማዕቝይቦም ኣብ ዓውደ ኣኼባ ንዝሳተፉ ኩሎምን ንኹለን ዝውክላ ጉባኤታትን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
