ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ይዛዝሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ድሕሪ ዘሕለፍዎ ናይ ሰለስተ ሰሙን ዕረፍቲ ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ምምላሶም ነቶም ኣብ ኣፈት ካስተል ጋልዶልፎ ጳጳኣዊ ሕንጻ ንዝተኣከቡ ሰላምታ ብምቕራብ ነቶም ኣቡ ዝተረኽቡ ሓያሎ ቆልዑ ድማ ከም ዝባረኹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቲዝያና ካምፒሲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 27 ሓምለ ምሸት ድሕሪ ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ካብቲ ካብ ዕለት 5 ሓምለ ንዕረፍቲ ካብ ዝጸንሕሉ ካስተል ጋንዶልፎ ካብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ተሰናቢቶም ናብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ከም እተመልሱን ቅዱስነቶም ዕለት 29 ሓምለ ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ተመሊሶም ኣብ “ማህልየ ሰላም” (Cantico di Pace) እተሰምየ ናይ ጸሎትን ሕውነትን ምትእኽኻብ ክሳተፍ እዮም።

እዚ ብማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ ኣንተን ማሕበር ኣንድርያ ቦቸሊን ዝድገፍ መደብ፡ ኣካል ናይቲ መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ጽምብል እዩ።

መዓልታት ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝጸንሑሉ 23 መዓልታት ኣብ ጸሎትን ንባብን ገለ ናይ ስፖርት ንጥፈትን ግዜኦም ከም ዘወፈዩን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ርእሲ’ቲ ምስ ምእመናን ዝተገብረ ናይ ኣርባዕተ ሰንበት ቆጸራታት - ማለት ዕለት 5፣ 12፣ 19ን 26 ሓምለ - ፍርቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝመርሑን ኣብ ካልኦት ክልተ ህዝባዊ መደባት እውን ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ዕለት 11 ሓምለ ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣብ ዘሎ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ምስ 35 ህጻናት ዝርከብዎም ካብ ሰበኻታት ሮማ ዝመጹ 200 ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ተቓላዕነት ዘለዎ ኩነታት ዝነብሩ ሰባት ብሓባር ናይ ምሳሕ መኣዲ ከም እተኻፈሉ ብምዝኽካር

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ዕለት 18 ሓምለ ኣብ ቀጽሪ ሓዋርያዊ መንበር ሰበኻ ኣልባኖ ኣብ ዝተዳለወ ናይ መዝሙር ምርኢት እውን ከም ዝሓበሩን፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰሙን ዕረፍቶም እውን ዕለት 20 ሓምለ ናብ ገዳም በነዲክቶስ ሞንተካሲኖን ዕለት 22 ሓምለ ኣብ ሱብያኮ ናብ ዝርከብ ገዳማት ቅዱስ በነዲክቶስን ቅድስቲ ስኮላስቲካን ቅድሚ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ መካነ ንግደት ቅድስቲ ስላሴ ዘቫለፒየትራ ዑደት ከም ዝገበሩ የመላኽት።

28 Jul 2026, 16:33