ድለ

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፣ "ጽባቐ ናብ ሰማይ ንኽንጥምት ይሕግዘና እዩ!"

ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ሰበኻ ኣልባኖ፣ ንኽብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ኣብ ዝርከቡል ዘለዉ እዋን ሙዚቃዊ ምርኢት ቀሪቡሎም። "ጽባቐ ኣብ ዘይብላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ብሓባር ናይ ምእካብ ኣጋጣሚ ምርካብ ብሓቂ ዓብዪ ውህበት እዩ" ክብሉ ድማ ቅዱስነቶም ኣመልከቱ።

ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 18 ሓምለ ምሸት ኣብ ቅርዓት ሓዋርያዊ ህንጻ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝቐረበሎም ሙዚቃዊ ምርኢት፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ቃል ሰላምታ እንከካፍሉ፣ "ጽባቐ ኣብ ዘይብላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ውግእን ግጭትን ጽልእን ዓመጻን ሽቕለት ኣልቦነትን ካልእ ብዙሕ ጸገማትን ዝኣመሰለ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ብሓባር ናይ ምእካብ ኣጋጣሚ ምርካብ ብሓቂ ዓብዪ ውህበት እዩ ፣ ከመይሲ ካብዚ ኵሉ ንላዕሊ ዝኾን ነገር ኸም ዘየሎ የዘኻኽረና እዩ። ሰብኡትን ኣንስትን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ኰይኖም፣ ነቲ ኻብ ልቢ ናብ ልቢ ንኽንጥምትን ናብ ሰማይ እውን ንኽንጥምት ዚሕግዘና ጽባቐ ክገልጹ ኸም ዚኽእሉ እውን የዘኻኽረና።" እቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ንክረምታዊ ዕረፍቲ ኣብ ደቡብ ሮማ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ከም ምልክት ምቅርራብን ፍቕርን ብሰበኻ ኣልባኖ ዝተወደበ መደብ ኢዩ።

ኣዒንትና ናብ ሰማይ ኣቢልና ነልዕል

"ከም እንዝክሮ ቅድሚ ሓደ ወርሒ፣ ናብ ሃገረ ስጳኛ ተጓዒዘ ነበርኩ፣ ዕላማ እቲ ጕዕዞ ድማ ኣዒንትና ናብ ሰማይ ንምልዕዓል እዩ ዝንበረ። ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ጽባቐን ናብ ላዕሊ ንኽንጥምት፣ ናብ ኣምላኽ ክንስጕም ከምኡውን ናብቲ ብሓቂ ብሉጽ መዳያት ሰብኣዊ ኣካል ንኽንስጕም ዝሕግዘና መሳርሒታት እዮም" ክብሉ ቅዱስነቶም ኣዘኻኸሩ። ቀጺሎም ድማ፣ ብዛዕባ ዋጋ ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ብምስትንታን ንሰብኣዊ ኣዒንትና ካብቲ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ሓሊፍና ከነልዕል ዘኽእለና መገዲ ከም ምኹኑ ገለጹ፣ ጽባቐ ድማ ናብ ኣምላኽ ዝመርሕን ተስፋ ዝመልስን ተመክሮ ምዃኑ እውን ኣመልከቱ። ኣብቲ ሙዚቃዊ ምርኢት እውን ከምኡ እዩ ዘጋጥመና ዘሎ። ማርኮ ሮግሊያኖ ዝበሃል ቫዮሊን ዝጻወት ዝነበረ፣ ነቲ ፖሎኔዝ ካብቲ ኒኮሎ ፓጋኒኒ ዘዳለዎ ሳልሳይ ምርኢት ቫዮሊን፣ ብእተፈላለየ መገዲ ኺጻወት ከሎ፣ ሮሳና ቶማሲ ጎልካር ዝተባህለት ተጻዋቲት ፒያኖ ከኣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ማስትሮ ፒየር ካርሎ ኦሪዚዮ ብሉዊስ ባካሎቭ እተዳለወ Libera fantasia e variazioni sulla Norma ዘርእስቱ ሙዚቃ ኣቕተበት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቶም ሙዚቀኛታት ምስጋናኦም ብምግላጽ፣ "ነቶም ኣጸቢቖም ዝተንከፉኒ ስነ-ጥበባውያን ልባዊ ምስጋናይ ይገልጸሎም። ንሰበኻ ኣልባኖ ድማ ነዚ ሙዚቃዊ ምርኢት እዚ ስለ ዘዳለወልና አመስግኖም—ንዅላትኩም ኣብዚ ተኣኪብኩም ኣለኹም— ኣብዚ ጽባቐ ዝመልኦ ህሞት ብሓቂ ዓብዪ ነገር ክንርኢ ክኢልና ኢና፣ ብብዙሕ መገድታት ናብቲ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ዝሓሰቦ ማለት ናብ ጽባቐ ምእታው ምእንቲ ክንክእል ኢዩ" በሉ።

መዘኻኸሪታት ጳጳስ ሰበኻ ኣልባኖ

ኣብቲ ምሸት ጳጳስ ሰበኻ ኣልባኖ ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ቪቫ ኣብ መእትዊ እቲ መደብ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰላምታ ኣቕረቡሎም። እቲ ሙዚቃዊ ምርኢት "ምስጋናና እንገልጸሉን ውህበትን ውህደትን ሙዚቃ ብሓባር እንካፈሉሉን መገዲ" ኪኸውን ከም ዝዓለመ ድማ ገለጹ። እዞም ጳጳስ ሰበኻ ኣልባኖ ከም ዝገለጽዎ፣ ነቲ ናይ ቤሊኒ ኖርማ ዝሓቦ ሓሳባት ብምጥቃስ "ኣብቲ ንዓለም ዚበታተና ዘሎ ሓያል ትያትራት ውግእ፣ እተን ምስ ደቀንን ስድራ ቤተንን ሓቢረን ዝለዓለ ዋጋ ግጭታት ዚኸፍላ ዘለዋ ኣንስትን ኣዴታትን" ዘተኮረ ከም ምዃኑ እውን ኣመልከቱ። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰላም ዘቕረብዎ ጻውዒት እዋን ዳግም ኣቃልሑ።

20 Jul 2026, 16:48