ር. ሊ. ጳ. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ፍትሓዊ ሰላም ንምምስራት ሓድሽ ዝርርብ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ንኽግበር ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ዓሚቝ ሻቕሎት ከም ዘለዎም ብምግላጽ፣ ብህጹጽ ናብ ዲፕሎማሲያዊ ዝርርብ ክምለሱ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ቃዛን ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ዘለዎም ሻቕሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ምሕጽንታኦም፣ "ነቲ ኣብ ቅድስቲ ምድሬት ዝካየድ ዘሎን፣ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ብዓሚቝ ሻቕሎት እከታተሎ ኣለኹ" ብምባል፣ "ኣብዚ ቐረባ እዋን፣ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ቃዛን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ኮይኖም ወዲቖም ኣለዉ" ክብሉ እተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።
"ኣብ ማዕርነት ክብሪ ወድ ሰብን፣ ማዕርነት መሰላት ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ኣካልን እተመስረተ ፍትሓዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ መፍትሔ ንምርካብ ናብ ዝዓለመ ዲፕሎማሲያዊ ዝርርብ ክምለሱ ከምኡውን ተወሳኺ ወተሃደራዊ ስጕምትታትን፣ ብሓደ ወገን ጥራይ ዝግበር ውሳነታትን፣ ማለት ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ቦታታት ናይ ነፍሲ ወከፍ እምነት ዘሎ ኣኽብሮትን ሓቅታትን ዝጥሕስ ውሳነታት ክነጽጉ" ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ንዲፕሎማሲ ዝቐረበ ጻውዒት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታት ብዝምልከት፣ "ወተሃደራዊ ንጥፈታት እናገደደ ምኻዱን፣ እንደገና ዓመጽን ዕንወትን ብምምጻእ፣ ንህይወት ማእለያ ዘይብሎም ሰላማውያን ሰባት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትዩ ከም ዘሎን፣ ሕጽረት ዝስተ ማይን ኤለክትሪክን ድማ ተጋዲዱ ኣሎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ "ኵሎም እቶም ኣብዚ ኩነታት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፣ መጥቃዕትታቶም ደው ከብሉን፣ ናይ ምይይጥን ዲፕሎማሲን መገድታት ብህጹጽ ክትከፍቱን እምሕጸነኩም ኣለኹ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣዝዮም ሰባት ዝምነይዎ ዘለዉ ሰላም ብዘይ ምድንጓይ ኪርከብ እዩ" በሉ።
ኣብ መላእ ዓለም ምእንቲ እቶም ብውግእ እተጐድኡ ሰባት ዝዓርግ ጸሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ ኩሎም ምእመናን ምእንቲ እቶም ብሰንኪ ኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሕዝብታት ብቐጻሊ ክጽልዩ ተማሕጺኖም።
"ዕርቅን ሰላምን ቀልጢፉ ምእንቲ ኺሰፍን፣ ጐይታ ንልቢ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ይተንክፎን፣ ዝኣእምሮ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም የብርሃዮ" በሉ።
