ር. ሊ. ጳ.፦ “ኣምላኽ ሓቀይና ዕጋበት ደኣ እምበር ኣህላኽነት ኣይኰነን ዝህበና”
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ፣ ከምቲ ንህይወት ደቂ ሰባት ዝቕይር መዝገብን ገይሮም ብምቕራብ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 26 ሓምለ፣ ኣብ ክረምቲ ዕረፍቲ ኣብ ዝርከቡሉ ዘለዉ ጳጳሳዊ ህንጻ ካስቴል ጋንዶልፎ ኣስተምሂሮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለቱ ናባብ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር ብዛዕባ ምሳሌታት ወንጌል፣ ማለት ብዛዕባ ሕቡእ መዝገብን ኽቡር ዕንቊን (ማቴ 13 44-52) እንከስተንትኑ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ዓሚቝ ሓጐስ ስለ እተምጽእ ንዅሉ ሓዲግካ ንኣዓ ምስዓብ ከም ረብሓ ደአ እምበር፣ ከም ክሳራ ዘይኰነስ ከም መኽሰብ እዩ ዚርአ ክብሉ ገልጹ።
ምሉእ ትሕዝቱ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ኣብዚ ኣንብብ፣
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ "ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ምርኻብ፣ ንህይወት ዘይድርቶ እኳ ደአ ዘስፍሖ ነጥበ-መቐይሮ እዩ" በሉ። "ብወገንና ገለ ነገር ኣብ ህይወትና ክቕየር እንተድኣ ዀይኑ፣ ህይወትና ንዝተሓተ ዘይኰነስ ንዝዓበየ ኣጋጣሚታት ክፉት ክኸውን ጥራይ ኢዩ ዘለዎ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽባቐ መንግስቲ ኣምላኽ፣ ካብ ህይወት ተራ ሰባት ማለት ሓረስቶት ነጋዶ ገፈፍቲ ዓሳ ጸሓፍቲ ምግቢ ዕለት ዜዳልዋ ኣዴታት ሃነጽቲ ኣመሓደርቲ ጓሶትን ሓረስቶትን ከም እንግንዘቦ ገይሩ ኸም ዝገለጾ እውን ኣመልከቱ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ በዚ ኣብነታት እዚ ኣቢሉ መንግስቲ ኣምላኽ፣ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ክትርከብ ከም እትኽእል ገሊጹላና ኣሎ፣ ንዅሎም ሰብኡትን ኣንስትን ንኣሽቱን ዓበይትን ንድኻታትን ንሃብታማትን ከኣ ዓሚቝ ተሓድሶ ክገብሩ ጸውዒት ኣቕረበሎም ክብሉ ኣስተንተኑ።
ኣብ ክርስቶስ ሓድነት ዝረኸበር ቤተ ክርስትያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ሎሚ ቤተ-ክርስትያን ብተመሳሳሊ ፍልልያት እተንጸባረቐ፣ እተፈላለየ መበቈልን ባህልን ሓላፍነትን ዘለዎም ሰባት ብሓባር ብምእካብ፣ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓድነቶም ኣፍልጦ ክህቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
"ንሱ ሕቡእ መዝገብ ክቡር ዕንቊ ነቶም ፋሕ ዝበሉ ዝእክብ መርበብ እዩ" ክብሉ ድማ ኣመልከቱ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ተራኺቦም ዘይፈልጡ ሰባት ኣብ ዙርያኡ ኣኪቡ ነበረ፣ እዚ ከኣ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዘይገብርን፣ ፍቕሩ ድማ ብፍላይ ኣብቶም ንኣሽቱን ዕሽሽ እተባህሉን ከም ዘተኵር ኣርኣየ።
ነቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኣፍልጦ ምሃብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም ወሲኾም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ነቲ መንእሰይ ንጉስ ሰሎሞን ዝደልዮ ዝነበረ ውህበት ክምነዩ ዓደሞምዎም፣ እዚ ኸኣ ነቲ ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ነገር ንምልላይ ጥበብ ኣምላኽ ምህላው እዩ።
ባህሊ ሓሻሽነትን ኣሕላኽነትን፣ ሓድሽ ባህግታት ኪፈጥርን ነባሪ ዕግበት ዘየምጽእን ንልቢ ሰብ ኪጐድእን ዝኽእል መፍትሒታት ኬቕርብ ከም ዝኽእል እውን ኣጠንቀቑ።
ክርስትያን ምእመናን፣ ነቲ ሓቀይና መዝገብ ኣፍልጦ ምሃብ ኪመሃሩ ከም ዘለዎም እውን ኣመልከቱ፣ እዚ ከኣ ንደቂ ሰባት ሓጐስ ከም ዝህልዎምን ንሓድሕዶም ዝሓሸ ርክብ ንኺምስርቱ ዝሕግዞምን ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ከም ምዃኑ ኣስተምሃሩ።
