ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ጸሎት ክግበር ይጽውዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብሰንኪ "ዘስካሕክሕ" ኲናት ኣብ ዩክሬን ዝሳቐዩ ኩሎም ምእመናን ህያዋንን ዝሞቱን ጸሎት ክግበር ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ዩክሬን ንመበል 35 ዓመት ዳግመ ህንጸት ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ምኽንያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ምእመናን ኣብ ዓለምን ኣብ ኣባይቲ ስድራን ሰላም ንኽህሉ እውን ንኣምላኽ ክልምኑ ከም እተላበዉን ኣብቲ ኣብ ዩክሬን ኣብ ጽምብል መበል 35 ዓመት ምሕዳስ መሓውራት ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽመርሑ ፍሉይ ልኡኹም ገይሮም ዝሸመዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉርውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር፡ እቲ ጽምብል ዕለት 19 ሓምለ 2026 ኣብ ሃገራዊ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘቀርሜሎስ ኣብ በርዲቺቭ ዝካየድ ስነ ስርዓት ክመርሑ እዮም፡ እቲ ጳጳሳዊ ተልእኾ ብሕታዊ ናይ ሰበኻ ልቪቭ የኔታ ኣንድረጅ ለጎቪችን ምምሕዳራዊ ሓላፊ ሰበኻ ሉትስክ ኣባ ፓቭሎ ኮሚያክን እውን ዝሓቖፈ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጎርጎርዮስ ታሽዓይ ዘቃልሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብቋንቋ ላቲን ዝጸሓፍዎ መልእኽቶም፡ ቃል ናይቲ ኣብ 1234 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጎርጎርዮስ ታሽዓይ ናብቶም ኣብ ግዝኣት ዩክሬን እትርከብ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝካር፡ ኣብታ ደብዳበ ጎርጎሪዮስ ታሽዓይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ "ውፉያትን ትሑታትን ደቃ" ፍሉይ ምሕረት ከም እተርኢን "ብመጥቃዕቲ እኩያት ሰባት ከይህሰዩ ብኣደኣ ሓልዮት ትከናኸኖም” ዝበልዎ ጠቒሶም፡ ንእምነትን ተወፋይነትን ብቕንኣት ዝተመልኡ፡" ንዝርግሐ ነቲ መለኮታዊ ስም ኣምልኾ ዕርዲ ኣቚሞም በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ በቶም ወትሩ መፈንጠራ ዚገብሩሎም ኣሳደድቲ እምነት ክርስትና ብተደጋጋሚ መጥቓዕትን መጒዳእትን የጋጥሞምን ይዝመቱን” ምንባሮም እውን ቅዱሰንቶም ኣብ መልእኽቶም የዘኻኽሩ።
"ሕሱም ስደት" መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝቐጸሉ ዘመናት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ካቶሊካውያን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን ኣብ መንጎ ብዙሕ ፍጻመታት ታሪኽ "ሓያል ምስክር እምነት" ከም ዘቕረቡ ኣስሚሮም፣ ብፍላይ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን፣ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም "ዩክሬን ብሶቪየታዊ ርእየተ ዓለም ዝተደፋፍአ ስርዓት ተገዚኣን፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብቲ ዞባ ዝነበረት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብበርገሳዊ ሰበስልጣን ዝተወደበን ዝፍጸምን ጨካን ስደት ኣጋጢምዋ፡ ዕላምኡ ድማ እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ምጥፋኣ ዝብል እዩ ነይሩ - ቢሎም - ኣብ ዩክሬን ዝርከብ ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰብ "ሓድሽ ሕይወትን ዝተሓደሰ ዕብየትን ከም ዝረኸበ" ሓቢሮም፡ ሕጂ ድማ መበል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ምሕዳስ መሓውራት ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዩክረይን ምስ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ሓዋርያዊ ጉዕዞ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ዩክሬን ተተሓሒዙ ይበዓል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንሰላም ምጽላይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ነቲ ጽምብል ንኽመርሑ ፍሉይ ወኪል እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን፡ ኣብ በርዲቺቭ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መካነ ንግደት ንዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ ሓላፍነት ከም ዝሃብዎምን ንኹሎም እቶም "ብሰንኪ ጭካነ ናይቲ ኲናት" ዝሳቐዩ ዩክሬናውያን ምእመናን፡ ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን ክጽለ ድማ ከም ዝሓተቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ነቶም ኣብቲ ጽምብል ዝሳተፉ "ንዓለምን ንኣባይቲ ስድራን ሰላም ክለምኑን ኣብ ትእዛዛት ኣምላኽ ብተኣማንነት ክጸንዑን" ከተባብዑ እውን ከም ዝሓተትዎም ኣፍሊጡ።
