ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ነቶም ኣብ እዋን ሓጋይ ኣዝዮም ዝጽገሙ ኣይትረስዑ!
ኢዛቤላ ኤች. ደ ካርቫልሆ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓደ ኢጣልያዊ ኣብ እዋን ሓጋይ እምነትና ብኸመይ ከነበርትዕ ንኽእል ዝብል ንዘቕረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ክርስትያን ብዛዕባ ሕሙማትን ኣረጋውያንን ኣብ እዋን ሓጋይ ዝሳቐዩን ከይርስዑ ዝምዕድ ዝሃብዎ መልሲ ኣብታ ፒያዛ ሳን ፒየትሮ እተሰምየት ወርሓዊት መጽሔት ኢጣሊያ ሕታም ወርሒ ሓምለ/ነሓሰ ንንባብ ከም ዝበቐዐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዕግርግር ኣብ ዝመልኦ ዓለም ከመይ ጌርና መንፈሳውነትና ንሕብሕብ
እቲ ኢጣሊያዊ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ ነቲ ሕጂ ብውግኣትን ዘይምርግጋእን ዝጽሎ ዘሎ ሕልኽልኻት ዝመልኦ እዋን ግን ከኣ “ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝቐልጠፈን ብብቕዓትን ዝሰርሕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ላዕሊ ላዕልን ዝጥምት ትኹረት ዝሰርቕን” ዓለም “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዝያዳ ንቑሕን ሓቀይናን መንፈሳውነት ምንባርን ምሕብሓብን ብኸመይ ከም ዚከኣል እሓስብ፣ እዚ ኸኣ ናብ ጭቡጥ ተግባራት ፍቕርን ንኻልኦት ሓላፍነታዊ ኣኽብሮትን ኪትርጐም ዚኽእል እዩ” እንክብል የስተንትን።
ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ (ካብ ወርሒ ሰነ - ነሓሰ) ከም ናይ ዕረፍቲ ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ "ዓሚቝ ስፍሓት ውሽጣዊ መንነቱን ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ንምርኻብ ሓቀይና ቦታ እንደገና እትራኸበሉ እውን ክኸውን” ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ ኣስተብሂሉ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ካብ ቅዱስነቶም ሓሳብን ምኽርን ይሓትት።
መልሲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ወንጌላዊ ሰላምን ምሕረትን ምንባር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ብቐዳምነት “ነቶም ብኹሉ ዓይነት ጾር ዝሳቐዩ ንሓጺር እዋን ዕረፍቲ እኳ ከስተማቕሩ ዘይክእሉ” ምዝካርን ቀረባኦም ምዃንን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣመላኺቶም፡ “ብዛዕባ ሕሙማት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ህይወት ተስፋ ዝሰኣኑ፡ ብቃንዛ ዝፈትውዎም ሰባት ተስፋ ምግባር ዝሰኣኖም፡ ብዛዕባ ግዳያት ኲናት፡ ጽልኢ፡ ግብረሽበራን ዓመጽን፡ ስለ እምነቶምን ፍትሕን ዝስደዱ፡ እሱራት፡ ስርሖም ወይ ገዝኦም ዝሰኣኑ፡ ከምኡ’ውን ብሕብረተሰብ ተቐባልነት ዘይብሎም፡ ስደተይናታት ንሕሰብ - ቢሎም - በዓላት ንኹሉ ሰብ ሓቀይና ዕርክነትን ምሕዝነትን ንምርካብ ካብ ስራሕን ጭንቀትን ዝዓርፈሉ፡ ኣቐዲምካ ኣብዛ መሬት እዚኣ ናይቲ ሕብረት መንግስቲ ኣምላኽ እተስተማቕረሉ ግዜ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጒሊሖም
በዚ ኸምዚ እምነቱ ምእንቲ ኼደልድል፡ ንዅሎም ክርስትያናት “ኣብ እዋን ሓጋይ ብወንጌላዊ ሰላምን ምሕረትን ኪነብሩ” ጻውዒት የቕርቡ።
“ንኣባይቲ ስድራ፡ ንወለድን ንህጻናትን፡ ንመንእሰያትን ንኣረጋውያንን ብማዕረ - እዚ ሓጋይ ንፍረ ዘለዎ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ተመክሮታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ሕብረተሰብን ተልእኾኦም ንምዕሟቕ ዕድል ክኸውን እምነ” እንክብሉ ቅዱስነቶ ኣጽኒዖም፡ ብተወሳኺ እቶም ሕሙማት ቅርበት ኣዝማዶምን ወለንተይናታትን ከም ዘይጎድሎም ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ፡ ኣባይቲ ስድራ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላቶም ንበይኖም ከይሓድግዎም ኣተሓሳሲቦም፡ ንወለንተይናታት ናይ ምትብባዕ ቃል እውን ኣቕሪቦም፡ “ንዝሳቐዩ ሰብኣውነትን ተስፋን ንምቕራብ ተወፈዩ፡ ፍረ ጸጋ ድማ ክትሪኡ ኢኹም፡ ዓቢይ ፍቕርን ሰላምን ሓጎስን ድማ ንህይወትኩም ከም ዝመልእ፡ ከተስተውዕሉ ኢኹም - ቢሎም - ክርስትያናት ንድኻታት ከገልግሉ እንከለዉ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል ከስተንትኑን “ንወንጌላዊ ድኽነት ክምስክሩን” እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እዚ “ንክርስቶስ ባዕሉ እንህቦ ኣገልግሎት እዩ። ካብ ልዕሊ ዓቐንን ብኽነትን፡ ንዋታዊውትን ሃልኪን እውን ንርሓቕ፡ ብእኹልን ብሚዛንን ምንባር ንገዛእ ርእስና ንምሃር - ቢሎም - ምውህላል ሃብቲ ንወንጌል ይዕንቅፍ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ዕረፍቲ ግዜና “ምስ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ዚሰማማዕ” ኪኸውን ድማ ዘለዎም ድሌት ገሊጾም፡ “ፍቕርን ጸጋን ኣምላኽ መዓልታዊ ይብጽሓና። ነዛ ብኲናት ኣብ ሓደጋ ንዝወደቐት ዓለም መጻኢ ንምሃብ እንኮ ተስፋ ዝኾነ ክቡር ቅርሲ ሰብኣውነትን ሰላምን ከይነባኽን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
