ር. ሊ. ጳ. ንርእሰ ብሔር ሃገረ ኢጣልያ፣ ስለቲ ንቤተክርስትያን ዝገበርዎ ደገፍ ኣመስጊኖም
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ርእሰ ብሔር ሃገረ ኢጣልያ፣ "ንኣቕላሲያውን ማሕበራውን ህይወት" ሃገረ ኢጣልያ ዝበርከትዎ "ቀጻሊ ቈላሕታ" ምስጋናኦም ድሕሪ ምግላጽ፣ ናብቶም ቅዱሳን ጠበቓታት እዛ ሃገር ዝኾኑ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲሲን ቅዱስቲ ካተሪና ዘሴናን ብሕድሪ ኣወፈይዎም።
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 23 ሓምለ ኣብ መበል 85 ዓመት ዕለተ ልደቶም ናብ ርእሰ ብሔት ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኢጣልያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም። ኣብታ መልእኽቲ፣ ቅዱስነቶም ንስድራቤት ርእሰ ብሔር ማታሬላን ንተሓባበርቱን ን "ፍቅርቲ ሃገረ ኢጣልያን" ሓዋርያዊ ቡራኬኦም እውስን ኣካፈልዎም።
ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ኲሪናሌ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 14 ጥቅምቲ 2025 ናብ ቤተ-መንግስቲ ሃገረ ኢጣልና ናብ ኲሪናሌ - ወግዓዊ ምብጻሕ ናብ መንበሪ ርእሰ ብሔት ሃገረ ኢጣልያ ከም ዘካየዱ ዝዝከር ኢዩ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ብዙሕነታዊ ምትሕብባር ኣህጉር ኤውሮጳ ንዝርከቡ ስድራቤታት ኣብ ምድጋፍ ዘተኰረ መደረ ኣካፈሉ።
ብተወሳኺውን ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ንዓለም ዘሳቕያ ዘሎ ኩነታ ውግእ ብምስትንታን፣ ንሰባት ኣብ ገጽ እቶም "ንፕላኔትና ዘዕኑ ዘሎ" ብዙሕ ግጭታት፣ "በቲ ዘይርትዓዊ ጭካነ ናይቶም ሞትን ጥፍኣትን ዝስከሙ ዘለዉ ሰባት" ክርእይዎን ኣውያቶም ክሰምዑን ተማሕጺኖም።
ርእሰ ብሔር ማታሬላ እውን ብግዲኡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14፣ ን"ንሰብኣዊ ኣካል ናብ ማእለል ንምምጻእ ብዝገብርዎ ተበግሶን" ከምኡውን ኣብ ዘተን ምይይጥን ዘለዎ ቘራጽነት ኣጕልሐ። ርእሰ ብሔት ማታሬላ ወሲኹ ነዚ ተጸምዶ እዚ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቱ ደጋጊሙ ብምጥቃስ ምስጋናኡ ንቅዱስነቶም ገሊጹሎም ኢዩ።
