ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ሰላም ዘዳለዎ መጽሓፍ፦ ስነ-ምግባራዊ ምንቅስቓስ ኬለዓዕል ይኽእል እዩ
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 8 ግንቦት 2025 ናብ መንበረ ጴጥሮስ ድሕሪ ምቕማጦም፣ ንዓለም ሰላምታ ኣብ ዘቕተቡሉ ኣጋጣሚ፣ ዘካፈልዎ ናይ መጀመርታ ቃላት ኣብ ሰላምን ኣብ ኣልባብ ሰባትን ኣብ ስድራቤቶምን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሰላም ክሰፍን ኣብ ዘለዎም ባህጊ ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ።
ካብ ሽዑ ንነጀው፣ እዚ ትምኒት እዚ ኣብ መደረታትን ስብከትን ቃል ሰላምታን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብቀጻሊ ቀዋሚ ፍረ ነገር ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ፣ ከመይሲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ብዙሓት ሃገራት፣ ግጭታትን ውጥረትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ቤት ሕትመት ቫቲካን ነዛ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እተጻሕፈት፣ "ኣጽዋሩ ዘራገፈን ኣጽዋር ዘራግፍን ሰላም ህያብ እዩ" ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ኣሕቲሙ ይርከብ ኣሎ። ረድዮ ቫቲካን ነቲ ነታ መጽሓፍ ኣብ ምድላው ሓላፍነት ወሲዱ ዝሰርሐ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛን ደራስን ኣሌሳንድሮ ባንፊ ኣዘራሪብዎ ኣሎ። ሓይሊ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወንጌል ብኸመይ ከም ዝተመስረተን፣ ክርስትያን ምእመናን ነዛ ህውከት ዝመልኣ ዓለም ብኸመይ ተስፋ ኼምጽኡ ኸም ዝኽእሉን ኣጕልሐ።
እተፈላለየ ኣትኵሮት ግን ከኣ ሓደ ዓይነት ሻቕሎት
"ዕላማ እዛ መጽሓፍ፣ ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ትምህርትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮንን፣ ብዛዕባ ሰላም ዓለምታን ኣትኩሮት ንኽረክብ ኣጋጣሚ ንምሃብ ኢዩ" ድማ በለ። እዛ መጽሓፍ ንቓላት ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ብምውዳብ፣ ንዅሉ መደተታቶም ድማ ካብቲ ቅዱስነትም ነቶም "ኣብ ቅድስቲ መንበር ተቐባልነት ዝረኸቡ ዲፕሎማሲያውያን ኣካላት ወይ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽትታት፣ ክሳዕ ምብጻሕ ወይ ኣብ እዋን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ምስ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ርክባት ዘካፈልዎ መደረታት" ዘጠቓለለ ቀንዲ መልእኽትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብኸመይ እዛ መጽሓፍ ከም እተቕርብ ኣጕልሐ።
እዛ መጽሓፍ እዚኣ "እዚ ቅዉም ፍረ ነገር ኣብ ሓሳባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣገዳሲ ምዃኑ ተጕልሕ። እተፈላለየ ዅነታት እተፈላለየ ኣትኵሮ እኳ እንተ ሓለዎ፣ ግን ከኣ ሓደ ዜተሓሳስቦም ነገር ተቕርብ፣ ካብ መቃን ፈታውን-ጸላእን ሓራ ብምውጻእ፣ ዝርርባት ምክያድ፣ ምህናጽ ድልድላት፣ ከምኡ ውን ምልውዋት ሓሳት የድሊ" ክብል ባንፊ ኣትሪሩ ይምስክር።
ብርታዐ ወንጌልን እቲ ር.ሊ.ጳ ኬነቓቕሕዎ ዝኽእሉ ምንቅስቓሳትን
ቃላትን ሓሳባትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ንዓለምና ኣዝዩ ኣገዳሲ ውሳነታት ዝገብሩ ሰባት ብኸመይ ክበጽሖም ከም ዝኽእል ምስ ተሓትተ፣ ባንፊ ከም ዝገለጾ፣ እዚ "ከቢድ ሕቶ" ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበሉ።
"እቲ ውልቀ-መላኺ ዝንበረ መራሒ ሶቭየት ጆሴፍ ስታሊን ሓደ እዋን 'ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክንደይ ወተሃደራዊ ኽፍሊ ኣለዎ?' ክብል ሓተተ። እቲ መልሲ ድማ ሎሚ ልክዕ ከምቲ ሽዑ ዝነበረ ሓደ ዓይነት እዩ ዋላ ሓደ የብሉን" በለ።
"ሃገረ ቫቲካን ዓብዪ ዲፕሎማስያዊ ኣካልነት ኣለዋ፣ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ሚስዮናውያን እኳ እንተ ኣለውዋ ዓለማዊ ሓይሊ ግን የብላን" በለ።
"ሓይሊ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፣ ናይ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ወንጌል እተመስረተን እዩ" ክብል ድማ ይገልጽ። "ዓመጽን ውግእን እናኣጋጠመ ኽነሱ፣ ዝጠፍአ ዝመስል ኣጽዋር ዘራገፈን ኣጽዋር ዘራግፍን ሓይሊ ኢዩ። እቶም ሓያላት እዛ ዓለም እዚኣ ግና፣ እቲ ምክትል ክርስቶስ እንታይ ስነ ምግባራዊ ምንቅስቓስ ኬለዓዕል ከም ዚኽእል ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንመርልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ብጣዕሚ ኢዮም ዝፈርሕዎ።"
ሕልና ሓደ ሰብ ናይ መላእ ዓለም ዋጋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ
በዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መእተዊ እዛ መጽሓፍ፣ ሰላም ናይ ውልቀ-ሰባት ሓላፍነት ምዃኑ ኣጕሊሖም ይርከቡ፣ ካብ ነፍሲ ወከፍና ድማ ይጅምሩ።
ስታኒስላቭ ፔትሮቭ ዝስሙ ብዓል ስልጣን ሶቭየት ሕብረት፣ ብ1983 ዓ.ም. ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ሕብረት ሶቭየት ሚሳይላት ከም እተተኰሰ ዝሕብር ራዳር ሩስያ ምላሽ ብዘይምሃቡ፣ ኑክልየሳዊ ዕንወት ንምውጋድ ኣበርክቶ ዝገበረሉ ታሪኻዊ ፍጻመ ድማ ጠቒሶም ይርከቡ። እቲ መሳርሒ ተበላሽዩ ኢዩ ዝነበረ፣ እቲ ዘመልከቶ ሚሳይላት እውን ሓቂ ኣይነበረን።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ኽፍሊ እዚ፣ "ሕልና ሓደ ሰብ ንምልእቲ ዓለም ዋጋ ክህልዎ ኸም ዚኽእል" ዜርኢ ምዃኑ ገለጸ፣ ወሲኹ ድማ ባንፊ "እዚ ፍልጠት እዚ ተስፋ ዝህበና" ምዃኑ ገለጸ።
"እዚ ኣብ ልብን ኣእምሮን ደቂ ሰባት ዘሎና ምትእምማን እዩ፣ ንመጻኢ ሰላም ክንሓስብ ቅኑዕ ኣረኣእያ ዝህበና ድማ ኢዩ ይብል። መወዳእታ ውግእን ጽልእን ዓመጽን ክርከባ ዝከአል፣ ካብ ገዛእ ርእሰይ፣ ኣብ ቤተይ፣ ኣብ መንጎ መሳርሕተይን ጐረባብተይን እዩ ዝጅምር" በለ።
ብዛዕባ ተስፋ ክዛረብ ከሎ ድማ ባንፊ፣ ንክርስትያን ምእመናን ካብ ካልኦት ዝፈልዮም እዚ ኢዩ፣ ከመይሲ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ኣምላኽ ዘማዕቆቡ ክንዲ ዝኾኑ።
ኣብዚ መዳይ እዚ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ምድራዊት ከተማን፣ ከተማ ኣምላኽን ዘሎ ቓልሲ ኣብታ "ከተማ ኣምላኽ" ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝጸሓፋ ጽሑፉ ገሊጽዎ ይርከብ፣ እዚ ድማ ክልቲኡ ቦታታት ብኸመይ ከም እተኣሳሰረ ኢዩ ዝገልጸልና።
"ብሓባር እዮም ዚዓብዩ፣ እቲ ፍልልይ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ተስፋ እዩ ዝርከብ። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከም ዝገለጾ፣ ህዝቢ እታ ምድራዊት ከተማ ቍሳዊ ነገራት ሓጐስ ይደልዩ፣ ህዝቢ እታ ኸተማ ኣምላኽ ድማ በቲ ብላቲን እተተርጐመ "spei dei" ማለት ብተስፋ ኣምላኽ ማለት ብዘደንቕ ተግባራት ኣምላኽ ኢዮም ዝሕጐሱ ማለት እዩ።
ጽልዋ ቅዱስ ኣገስጢኖስ
ወሲኹ ድማ ባንፊ፣ ኣብ ብምሉኡ እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘዳለውዋ መጽሓፎም፣ እዚ ብኸመይ ከም እተተርጐመ ገለጸ፣ "ጽልዋ ቅዱስ ኣጐስጢኖስን ብዛዕባ ታሪኽን ፖለቲካዊ ስልጣን ዝነበሮ ኣረኣእያን" ኣዝዩ ከም ዘገርም እውን ኣመልከተ።
"ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ መሳጢ መደረ ቅዱስነቶም፣ ብዕለት 9 ጥሪ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ተቐባልነት ዝረኸቡ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ኣካል ዝለገሱሎም ዝርርብ ኢዩ ዝንበረ። ኣብዚ መደረ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ነታ ከተማ እግዚአብሔር” ብሰፊሑ ጠቒሶማ ይርከቡ፣ ከተማ ኣምላኽ ፖለቲካዊ ጸገም ከም ዘይብላ ገሊጾም" በለ።
"ኣብ ክንዳኡስ ብዛዕባ ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት መሰረታዊ ጕዳያት ጠቓሚ ኣስተንትኖታት ተቕርብ፣ ንኣብነት ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝያዳ ፍትሓውን ሰላማውን ብሓባር ምንባር ዘሎ ግድነት" ክብሉ ድማ ይጠቕሱ።
"እዚ ጥቕሲ እዚ ንዓይ፣ ነቲ ራእይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ካቶሊካውያን ኣብቲ እንነብረሉ ሕብረተ-ሰብ ዘሎና ሓላፍነትን የብርህ ኢዩ" ክብል ድማ ኣመልከተ።
