ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ገዳም ሞንተካሲኖ ምእንቲ ሰላምይ ይጽልዩ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 2 ሓምለ ሶኑይ ንግሆ ኣብ ደብሪ ሞንተካሲኖን ገዳማዊ ማሕበረሰብን ብውልቂ ዑደት ከም ዘካየዱ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር መንበር ኣብዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ኣብቶም ብደም ምፍሳስን ግጭትን ዝተለለዩ ከባቢታት ዓለም ሰላም ንኽህሉ ዝገብርዎ ልመና ብሓላፍነት ንምሃብ ኣብ መቓብር ቅዱስ በነዲክቶስ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ሓቢሩ፡ ብድሕሪኡ ኣብቲ ገዳም ምስቶም በነዲክታውያን ገዳማውያን ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም ናብቲ ክሳብ ዕለት 27 ሓምለ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ዘሕልፍሉ ናብ ዘሎ ካስተል ጋንዶልፎ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ከም እተመልሱ የመላኽት።
ገዳም ሞንተካሲኖ ብማኪና ካብ ሮማ ኣስታት 2 ሰዓታት ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፡ ቅዱስ በነዲክቶስ ባዕሉ ኣብ 529 ዝመስረቶ ናይ መጀመርታ ገዳም በነዲክታውያን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻክር።
እቲ ገዳም
እቲ ገዳም ሞንተካሲኖ ኣብ ውግእ ዓለም ዕለት 15 ለካቲት 1944 ሓይልታት ኪዳን ብጌጋ ብወተሃደራት ጀርመን ከምዝተታሕዘ ምስ ኣመኑ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነውዎን፣ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም መንግስቲ ኢጣልያ ዳግማይ ክህነጽ ወጻኢታት ኩሉ ከም ዝሸፈነን፡ ኣብ 1964 ብር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ዳግማይ ዝተወፈየ ኮይኑ፡ ሎሚ ካብ መላእ ዓለም ዝውሕዙ መንፈሳውያን ነጋድያንን በጻሕትን ዝቕበሉን ዘአንግዱን ኣብቲ ገዳም ውሑዳት ማሕበረሰብ ገዳማውያን በነዲክቶስ ከም ዝቕመጡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡
ኣብ ጥቓኡ መካነ መቓብር ውግእ ካሲኖ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ መካነ መቓብር ናይ ልዕሊ 4000 ኣብቲ ውግእ ዝተሰውኡ ኣባላት ኮመንዌልዝ ዝውክል ኮይኑ ካብቶም ኣብኡ ዝተቐብሩ 289 መንነቶም ዘይፍለጥ ምዃኑን
ኣብ ጥቓ እቲ ገዳም መካነ መቓብር ውግእ ፖላንድ እውን ከም ዝርከብን እዚ ድማ ናይ መወዳእታ መዕረፊ ናይቶም ኣብ ግንቦት 1944 ንሞንተ ካሲኖ ንምቁጽጻር ኣብ ተኻየደ ውግእ ዝሞቱ 1,072 ወተሃደራት ፖላንድ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ሽልማት Pacis Nuntius - መልእኽቲ ሰላም
ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ኣብዚ ቦታ- ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ናብ ፍርስራስ ዝተቐነሰን ነባሪ ምልክት ዕንወት ኲናትን- ሽልማት ሽልማት Pacis Nuntius - መልእኽቲ ሰላም 2026 ንካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ከም እተወሃበ ዜና ቫቲካብ የመላኽት።
