ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ እደ ጥበብ ንሓቅን ንሓባራዊ ረብሓን ከገልግል ኣለዎ!
ዜና ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 27 - 28 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቺለ ርእሰ ከተማ ሳንትያጎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዝተኻየደ ሻብዓይ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተጋባእያን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝቐርብ ዕድላትን ብድሆታትን ኣብ እተስተንትነሉ እዋን፡ ነፍሲ ወከፍ መጋበርያ እደ ጥበብ "ኣብ ኣገልግሎት ሓቅን ሓባራዊ ረብሓን" ከም ዝውዕል ከረጋግጹ ነቶም ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን የተባብዑ።
እቲ ብድሆታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝብል ኣርእስቲ ኣማኣኪሉ ካብ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ዝመጹ ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን፡ ሰራሕተይናታት ጒስነታዊ ኣገልግሎትን፡ ምሁራትን ወከልቲ ቤተ ክርስቲያንን ዘራኸበ ዓውደ ጉባኤ፡ ብመንጽር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ብዛዕባ ስነ - ምግባራውን ባህላውን ሃይማኖታውን ሳዕቤናት ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎ ዘሰንተነ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጥበብን ሓላፍነትን ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብይብጻሕ ናብ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ሊቀ ጳጳሳት ረነ ኦስቫልዶ ረቦለዶ ሳሊናስ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ ተሳተፍቲ "ኣብ ቅድሚ እቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝቐርብ ሓድሽ ዕድላት፣ ክብሪ ሰብ ብኸመይ ከም ዝሕሉ ዝፈልጥን ኩሉ መጋበርያ ኣብ ኣገልግሎት ሓቅን ሓባራዊ ረብሓን ዘቐምጥ ርክብ" ከስፍሑ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፡ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ሕድሪ ብምሃብ ተሳተፍቱ ነቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘስዕቦ ብድሆታት "ብጥበብን ብሓላፍነትን መልሲ ክህብሉ፣ ምእንቲ ዓቕለሲያዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መንጎ ሰባት ርክብ ከዕብን ኣብ ምእዋጅ ወንጌል ኣበርክቶ ክገብርን" እጽሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ናይ ሰብ ቦታታት
ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ካርዲናል ፈርናንዶ ናታሊዮ ቾማሊ ጋሪብ ሊቀ ጳጳሳት ሳንትያጎ ደ ቺለ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ጽልዋ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምስትንታን ስምዒታትን ርክባትን ግጭታትን ስለ ዜንጸባርቑ ብምዃኖም "ናይ ብሓቂ ሰብኣዊ" ቦታታት እያቶም እንክብሉ ገሊጾም፡ "ኵሉ እቲ ዜጋጥመና ነገራት ኣብኡ እውን እዩ ዜጋጥም - ቢሎም - ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ መሰረት ዝኾኑ ኣርባዕተ መዐቀኒታት መራኸቢ ብዙሕን፡ ሓቅን ሰናይን ጽባቐን ጠቓምነትን ዝብሉ ብምቕራብ፡ ኣብ መዋእል ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንደቂ ሰብ ንምዕቋብ እተወፈየ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝለገስዎ Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ብእደ ጥበባዊ ኣረኣእያ ጥራይ ኪንበብ ከም ዘይብሉ ኣጕሊሖም፡ "ሎሚ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዙሕ ምይይጥ ይግበር እኳ እንተሎ እዚ ዓዋዲ መልእኽቲ እዚ ግን ልዕሊ ዅሉ ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብረትን ሓቅን እዩ ዚዛረብ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ባቢሎን ዘይኮነስ ኢየሩሳሌም ምህናጽ
ካርዲናል ቾማሊ ኣብዞም መትከላት ዝተመርኮሰ ርክብ ኣብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ውልቃውነት ኣብ ዝረኣየሉ ሕብረተሰብ ማሕበረ - ሰብኣዊ ህይወት ከሐይል ከምዝኽእል ገሊጾም፡ ከምዚ ምስ ዝኸንው "ዘተ፡ ሕውነት ከነስፍሕ ኢና፤ ኣብ መወዳእታ፡ ባቢሎን ዘይኮነስ ኢየሩሳሌም ክንሃንጽ ኢና - ቢሎም - እዚ ዘቕረብዎ ሓሳብ እዚ ንመኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዖ ስብከት እውን ዝተንጸባረቐ ኮይኑ’ ብጹዕነቶን Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዓዋዲ መልእኽቲ "Christological - ስነ ክርስቶሳዊ" ዓዋዲ መልእኽቲ እንክብሉ ብምግላጽ ፡ ብምስትውዓል ዝተለለየ ርክብ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ክብሪ ደቂ ሰባት ክስረት ድማ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ናይ ሓባር ጉዕዞ ንቤተ ክርስቲያን
ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎ፡ ናይ ጳጳዊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቺለ ዓቢይ ሓለቓ ኹዋን ካርሎስ ደ ላ የራን ናይ ላ ሰረና ሜጥሮፖሊስዊ ሊቀ ጳጳሳት ረቦለዶ ሳሊናስን መደረ ከም ዘስምዑን ሊቀ ጳጳሳት ረቦለዶ ሳሊናስ ነቲ ምትእኽኻብ ጭቡጥ መግለጺ ሲኖዳውነትን ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ሓባራዊ ጉዕዞን ምዃኑ ከም ዝገለጹን ሕትመት Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ንቤተክርስትያን ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ሓደስቲ እደ ጥበብ ዝምልከት እተቕርቦ ጉስነታዊ ኣገልግሎት ሓድሽ ዕምቈት ከም ዝሃበ ገሊጾም "እቲ ዘይግሃስ ክብሪ ሰብኣውነት ሰብ፡ መትከል፡ መዐቀኒን ናይ መወዳእታ ዕላማን እደ ጥበባውን ስነ ምርምርን ክኸውን ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
