ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቤተ ክርስቲያን እስያ፡ ሃነጽቲ ሓድነት ኩኑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 "ሃነጽቲ ሓድነት እምበር ሃነጽቲ ባቢሎን ኣይትኹኑ፤ ኣገልገልቲ እታ እትመጽእ መንግስቲ ኣማልኽ እምበር ጎይቶት ናይ ክፈርስ ዝተመደበ ግምብታት ኣይትኹኑ" ብዝብላ ኣብቲ ኣብ Magnifica Humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ቁጽሪ 16 ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም፡ ንእግዚኣብሔር "ኣብ ኣድማስ ተግባራትና ንሰብውነት ሰብ ድማ ኣብ ማእከል ውሳኔታትና" ከቐምጥዎ ተማሕጺኖም፡ እዚ ምሕጽንታ ኣብቲ ካብ ዕለት 20 ክሳብ 26 ሓምለ 2026 ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝካየድ መበል 12 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ (FABC) ፍሉይ ልኡኽ ክኾኑ ናብ ዝስመይዎም ካርዲናል ኦስዋልድ ግራስያስ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ቦምበይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘቕረብዎ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብቛንቋ ላቲን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፡ ምእመናንን ኣሕዋቶም ጳጳሳትን "ኣብቲ ናይ ዘመንና ናይ ህንጸት ቦታ ኣእዳዎም ከይረስሕ" ዝብል ፍርሒ ከይህልዎም ኣተባቢዖም፣ እዚ ድማ እታ ኣብ እስያ እትርከብ ፍቕርቲ ቤተ ክርስቲያን "ብእምነትን ብሰብኣውነትን ካብ ምኹላዕ ከም ዘይተቛርጽ" ዝብል ብዘለዎም ተስፋ ዝድገፍ ምዃኑ እውን ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድኻታት፣ ስደተይናታት፣ ሕሙማትን ከም "እምነ ኩርናዕ"
በዚ ናይ መላእ ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰብ ሓባራዊ ተወፋይነት ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ መልእኽቶም፡ መዝሙር ምዕ. 85 ጠቒሶም፡ "እቶም ዝተነጽጉ ኣእማን - ድኻታትን ሕሙማትን ስደተይናታትን ንኣሽቱን - እምነ ኩርናዕ ክኾኑ እዮም፣ ፍቕርን ሓቅን ኣብ መወዳእታ ዝራኸብሉ፣ ፍትሕን ሓቅን ዝተሓቛቖፉሉን ኣብ ምድሪ ድማ ድልዱልን ተቐባልን ሓባራዊ ቤት ክለዓል እዩ፣ - ቢሎም - ብልቢ ጓሳን ኣቦን ወድሰብ ጽባቐኡ ኸየጥፈአ ዓለም ከኣ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ኪነብረሉ ዚደሊ ቦታ እንደገና ምእንቲ ኽትፈልጦን ነፍሲ ወከፍ ሰብ "ህንጸት ካልእ ባቢሎም ደው ኬብሉን ጽቡቕ ዘበለ ኣብ ምህናጽን ሓይልታቶም ከተሓባሩን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሕቶ ካርዲናል ዶ ሮዛርዮ ፈራኦ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዕለት 24 ሰነ ዝኸተምዎ መልእኽቲ እውን ልኡኽ ጳጳስ ክሽየም ዝቐረበ ሕቶ ካብ ካርዲናል ፊሊፐ ነሪ ኣንቶንዮ ሰባስቲያው ዶ ሮዛሪዮ ፈራኦ ሜጥሮጶሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ጎዋን ዳማኦን ከምዝመጸ ድማ ብምዝኽኻር፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ቅድስነቶም ነቶም ዝውክልዎም ንፍቕራዊ ሓለዋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን መጻምድታ ቅዱስ ዮሴፍን ከም ዘማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
