ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት ብራዚላውያን: ከተማ እግዚኣብሔር ብዝዓበየ ፍቕሪ ምሕናጽ
ብኢዛቤላ ኤች. ደ ካርቫልሆ - ሃገረ ቫቲካን
ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽ ሓይሊ ስብከተ ወንጌል ክኸውን ፍቐደሉ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 26 ሓምለ ንመንእሰያት ብራዚላውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ጻውዒት ብምቕራብ፡ “መንፈስ ቅዱስ ንእስነትኩም ናብ ሓይሊ ስብከተ ወንጌል ክቕይር ዝኽእል፣ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ህንጸት ናይታ ኣዚና ሃረር እንብላ ‘ከተማ ሰላም’ ህያው ኣእማን ክገብረኩም ዝኽእል፣ ወይ ከምቲ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ዝበሎ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ሰብ ዝርከብ ከተማ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ውሽጥኹም ዝዓበየ ፍቕሪ ክጎሃሃር ፍቐዱ” እንክብሉ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል እትርከብ ከተማ ፎርታለዛ ካብ ዕለት 22 ክሳብ 26 ሓምለ ዝካየድ፡ ፌስቲቫል ሃለሉያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየተ መልኽቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ብምእመናን ብሕታዊ ማሕበር ሻሎም ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዝዳሎ ዓመታዊ ካቶሊካዊ ፈስቲቫል ሙዚቃ ዝዳሎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሓቂ ይገልጸልና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ምስ መንእሰያት ምዃን ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ምዃኑ” ኣጕሊሖም፣ “ፍናኖም ተላባዕን ኣብ ኩላትና ዝተሓደሰ ናይ ወንጌላውነት ቅንኣት ከም ዘበራብርን” ኣመልኪቶም፡
እዚ ናይ ተልእኾ ወንጌል መንፈስ እዚ “ነዛ ዓለም እዚኣ ንምልዋጥ መተካእታ ዘይብሉ” ምዃኑን ኣምላኽ ካብ ኵሎም ክርስትያናት ዝጽበዮ ተግባር እውን ምዃኑን ኣስሚሮም፡ “ሎሚ እውን እንተኾነ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ሓቂ ዝገልጽ፡ ኢየሱስ እቲ ንዓሚቝ ናፍቖቶም ዝምልስ ምዃኑ ክፈልጡ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ስለዚ ብዘይ ክርስቶስ ዘሎ ሕይወት ጸጋ ዘይብሉ ሕይወት ምዃኑ ብትብዓት ኣበስሩ! ንሱ እቲ መገድን ሓቅን ሕይወትን እዩ፤ ንህላወናን ንኹሉ ነገርን ትርጉም ዝህብ ንሱ እዩ። እዚኣ እያ እታ እትድርኸና እምነት፣ ምስቶም እነፍቅሮምን ምስቶም ኣዝዮም ዘድልዮምን ምክፋል ድማ ይግባእ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሃልሃልታ እምነት ምዕቃብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ መንእሰያት ዝረአ ኒሕ ክሃስስ ክጅምር ከም ዝኽእል ኣሚኖም፡ ይኹን እምበር: “ሃልሃልታ እምነት ንኺነድድን ብዛዕባ ትንሳኤ ንምምስካርን” ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርም፡ "ሓቀይና ርክብ ምስ ጎይታ፡ ጽንዓትን ትብዓትን ከምኡ'ውን ሰማያዊ ኣቦና ፈጺሙ ከምዘይገድፈናን ጽኑዕ ምእማንን ይሓትት፤ እንታይ ደኣ ብወዱ ክረኽበና እዩ ዝመጽእ። ስለዚ ንክርስቶስ ኣይትፍርሑ! ንሱ ዋላ ሓንቲ ኣይወስድን እዩ፤ ኩሉ ዝህብ እዩ" እንክብሉ ብኣጽንዒት ገሊጾም፡ እቲ ንርእሱ ንጐይታ ሕድሪ ዝሃበ ሚእቲ ዕጽፊ ኸም ዚቕበል ኣስተብሂሎም፡ ኣስዒቦም “ኣብ ስፖርት ናይቶም ዝዕወቱ ሓጐስ ንርኢ፡ ናይቶም ዝስዓሩ ግን ሓዘን ንርኢ። ምስ ክርስቶስ ኩሉ ግዜ ንዕወት ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እደ ጥበብ ብጥበብ ምጥቃም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብመርበብ ወንጌል ንምስባኽ ብምፍታን ዝፍለጥ ኣገዳሲ መንእሰይ ቅዱስ ካርሎ ኣኩቲስ ብምጥቃስ መደረኦም እንክዛዝሙ፡ መንእሰያት ብእኡ ክድረኹን በዚ ድማ “ነዞም መሳርሒታት ብመጠንን ብስነስርዓትን ተጠቒሞም ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ብጽቡቕ ክጥቀሙሉ ኣተባቢዖም፣ ምኽንያቱ ሓላፊ ዝኾነ፣ ተራ መልክዕን ምትላልን ኣብ መወዳእታ ንሓቀይና ክብርታትን ነቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝኾነን ዝትክእ ዘይክውንነታዊ ዓለም ክስሕቡና ይኽእሉ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
