2026.06.01 Patriarca Elias Hoyek 2026.06.01 Patriarca Elias Hoyek 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ንሓድሽ ማሮናዊ ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ሆየክ ንኢዶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘካፈልዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ንኣዋጅ ብጽዕና ፓትርያርክ ኣቡነ ኤልያስ ሆየክ ብምንኣድ፣ እዚ ሓድሽ ብፁዕ ኣብ ሊባኖስ ሰላም ከምጽእን፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ምእመናን ማሮናውያን ኣብ እምነቶም ከደልድሎምን ጸልዮም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ነቶም ሓድሽ ብፅዕናኦም እተኣወጀ ፓትርያርክ ኣቡነ ኤልያስ ሆየክ ክብሪ ብሞጊሶም፣ ምስክርነቶምን ኣማላድነቶም ኣብ ሊባኖስ ሰላም ከስፍን፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ማሮናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ምእመና ኣብ እምነቶም ከደልድልን ጸልዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮም መበል 14፣ ኣብቲ ደድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ኣብ ዘቕተብረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ነቶም ካብ 1899 ዓ.ም. ክሳዕ 1931 ዓ.ም. ፓትርያርክ ማሮናውያን ዘመንበረ ኣንጾክያ ዝነበሩን፣ መስራቲ ማሕበር ደናግል ማሮናውያን ዘቅድስት ስድራ ንዝኾኑ፣ ትማሊ ዝሓለፈ ቀዳም ብፅዕናኦም ብምእዋጁ ዘከርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ንቤተ-ክርስትያን ማሮናውያን፣ "ብዓብዪ ተወፋይነትን ብጥንቃቐን ከም ዝመርሑ" እውን ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ "ናይ ዘተን ተስፋን ሰብ ነበሩ"  ቢሎም ብምግላጽ ድማ "ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት ብሩህ መወከሲ" ስለ ዝዀኑ፣ "ኣቦ ናይታ ዓባይ ሃገረ ሊባኖስ" ተባሂሎም ተጸውዑ ክብሉ ኣሞገስዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳባቶም ኣብ ምደምዳም፣ "ጸሎትን ምልማድን እዞም ሓደስቲ ብፁዓን" ወትሩ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ማሮናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ምእመናን የሰንይዎም፣ "ንብምሉኡ ህዝቢ ሊባኖስ ድማ ህያብ ሰላም" ክረኽቡ ጸልዮም።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዋጅ ብፅዕና

ምሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዋጅ ብፅዕናኦም ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ዲማኔ ናይ ዘመነ ሓጋይ መንበሪ ገዛ ፓትርያርክ ማሮናውያን ኣብ ዝርከበሉ ተኻየደ፣ ኣባኡ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ድማ ብሕታዊ ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምዃን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ መርሕዎ።

ፓትርያርክ ማሮናውያን ብፁዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅድሴ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከተ ቃል ኣምላኽ ድማ፣ ንብፁዕ ሆየክ ቅድስናኡ ካብቲ ንቤተ-ክርስትያንን ንህዝቢ ሊባኖስን ዝገበሮ ኣገልግሎት ዘይፍለ ጕስነታዊ ኣገልግሎት ምንባሩ ኣስፊሖም ገለጹ።

ነዞም ሓድሽ ብፁዕ፣ "ናይ ኣምላኽ ሰብ፣ ፓትርያርክ ድኻታትን ጭቁናትን" ከምኡውን ኣብ መለኮታዊ ሓልዮት ምሉእ ትውክልቲ ዝነበሮ መራሒ ክብሉ ጸውዕዎም። ብፁዕ ካርዲናል ራይ ኣስዒቦም፣ ነቲ ኣብ 1916 ዓ.ም. ኣብ እዋን ጥሜት ነቶም ብዓጸቦ ዝተቐዝፉ ሰባት ንምምጋብ ዝገበሮ ጻዕርታት፣ ኣብ 1919 ኣብ ፓሪስ ኣብ እተገብረ ዋዕላ ሰላም ንመንነትን ሉዓላውነትን ሃገረ ሊባኖስ ንምክልኻል ዝገበሮ ቘራጽነት፣ ከምኡውን ንትምህርትን ግብረ ሰናይን፣ ንምሕዳሴ ሥርዓተ ቤተ-ክርስትያን ማሮናውያንን ዝነበሮም ቅንኣት ዘከሩ።

ብፁዕ ፓትርያርክ ሆየክ፣ "ንቑሕ ጓሳ፣ ጥበበይና መራሒ ልቢ፣ ኣቦ እምነትን ቅዱስን" ዝኣመስሉ ባህርያት ከም ዘጣመረ፣ ሎሚ እውን ንሃገረ ሊባኖስ ዝመርሓ ውርሻ እምነትን ተስፋን ሃገራዊ ሓድነትን ኣውሪሶም ከም ዘለው ገለጹ።

27 Jul 2026, 15:23