ር. ሊ. ጳ.፦ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ዘይኰነስ ብፍቕሪ እያ እትዓቢ
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት፣ ንክርስትያን ምእመናን መንግስቲ ኣምላኽ ከም ንእሽቶ ዘርኢ ወይ ከም ንእሽቶ መባዅዕቲ ምዃናን፣ ብህድኣትን ብትዕግስትን ከም እትዓቢ ብምዝኽኻር፣ ንሓይሊ ኣምላኽ ከም ሓደ ዘደንቕ መርዓያ ተፍባር ጌሮም ንምድላይ ንዝቐርበሎም ፈተነታት ክነጽግዎ ድማ ተማሕጸኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ፣ ንናይ ዕለት ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ንምዕራግ ንእተኣከቡ ነጋድያን ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ፣ ብዛዕባ ሰለስተ ምሳሌታት፡ ካብ ወንጌል ማቴዎስ እተወስደ ጠቒሶም - ብዛዕባ ዘርኢ ስርናይን ክርዳድን፣ ዘርኢ ኣድሪን መባዅዕትን - ኣስተንቲኖም፣ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽን ኣብ ህይወት ሰብኡትን ኣንስትን ብኸመይ ከም ዚዓዪ ዜርኢ ምዃኑ እውን ገሊጾም።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ኣብዚ ኣንብብ!
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ብሓይሊ ወይ በስገዳድ ኣብ ክንዲ ዘቕርብ ወይ ብዓወት ኣብ ክንዲ ዝበጽሓና፣ ከም "ንእሽቶ" ማለት ከም ምልክት ምስትውዓልን ትዕግስትን ፍቕርን ኮይኑ እዩ ዝመርጸና።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ንኽንቅበሎ ወይ ክንነጽጎ ናጻ እዩ ዚሓድገና" ብምባል፣ ፍቕሪ ኣምላኽ፣ "ኣብ መንጎ ክርዳድ እውን ከይተረፈ ህላወኡ ኸም ዝገልጽን፣" ከም ንእሽቶ ዘርኢ ብዘይርአ መገዲ ኸም ዚዓዪን፣ ንዓለም ከም መባዅዕቲ ናብ ብሑቝ ከም ዚቕይራን ኣስተንቲኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ብዘደንቕ መገዲ ጣልቃ ብምእታው፣ ብኡንብኡ ንእከይ ካብ ዓለም ከጥፍእ ከም ዝጽበይዎ ኣፍልጦ ሃቡሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትጽቢታት ብዛዕባ ክርስትያናዊ ህይወትን ቤተ-ክርስትያንን ዘይጥዑይ ኣረኣእያ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል እውን ኣጠንቀቑ።
ኣብ ክንዳኡስ ክርስትያን ምእመናን እከይ ኣብ ዚህልወሉ እዋን እውን ከይተረፈ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትዓቢ ኣፍልጦ ክህቡ ኸም እተጸውዑ ገለጹ ። እዚ ኸኣ ጸልማት ውን እናሃለወ ኽነሱ፣ ዝመጽእ ሰናይ ለውጢ፣ ነቲ ብታህዋኽ ናይ ምፍራድ ፈተና ምቅዋም ከምኡውን ቀስ ብቐስ ዕዮ ጸጋ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ምስዓብን ምርዳእ ዝሓትት እዩ ክብሉ ድማ ተላበዉ።
ኣስዕብ ኣቢሉውን ቅዱስ ኣቦና፣ መንግስቲ ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ተራ እዋናት መዓልታዊ ህይወት እትርአ እኳ እንተ ዀነት፣ ግን ከኣ ብቐጻሊ ኢያ እትዓዪ ። ኣምላኽ ዘየለ እኳ እንተ መሰለ፣ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ምእመናን ኵሉ ሳዕ ኣብኡ ኸም ዘሎን፣ ፍቕሩ ወትሩ ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑን ከስተውዕሉ ተላበውዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዕብ ኣቢሎም፣ እዚ ናይ ኣምላኽ ተግባር፣ ክርስትያን ምእመናን፣ ብውልቂ ዀነ ከም ኣባላት ቤተ-ክርስትያን መጠን ዝጕዓዙሉ መገዲ ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጾም።
ኣመንቲ ነቲ "ኣብ ወንጌል ዘተኰረ ኣቀራርባ" ክብሉ ዝገለጽዎ ሓቂ ክስዕቡ እውን ኣተባብዕዎም፣ ካብ ትዕቢትን ንኻልኦት ንምግዛእ ዘሎ ባህጊ ወይ ከኣ ንእምነት ንምጭፍላቕ ሓይሊ ኻብ ምጥቃም ክርሕቑ ኣተባብዕዎም። ኣብ ክንዳኡስ ክርስትያን ምእመናን ኣብቲ ህዱእ ዕዮ ኣምላኽ ኪውከሉ ኣለዎም ድብሉ ድማ ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ካርዲናል ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ራትዚንገር ጸኒሖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዝኾኑ ብምጥቃስ፣ ክርስትያን ምእመናን "ርትዓዊ ዘርኢ" ክቕበሉ ተጸዊዖም ኣለዉ፣ እዚ ድማ "ናይ ዓወትን ዕቤትን ዘይኰነስ፣ ንገዛእ ርእስና ንኣሽቱ ተግባራት ንምውፋይን ንኻልኦት ምግልጋልን" ኢዩ ክብሉ ከም ዘስተምሃሩ ኣዘኻኸርዎም።
በዚ ኸምዚ ክርስትያን ምእመናን፣ ንዓለም ካብ ውሽጦም ክቕይሩሉ ዝኽእሉ፣ "ንእሽቶ ዘርኢ ወንጌል" ከምኡውን "ማይ ብሑቝ ፍቕሪ" ክዀኑ ኸም ዘለዎም ብምዕዳም ኣስተንትኖኦም ደምደሙ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓሳባቶም ኣብ ምዝዛም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ናብ ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ብምውፋይም፣ እታ ንዘርኢ ቃል ኣምላኽ ብትሕትና እተቐበለቶ ኣደ ንክርስትያን ምእመናን ኣብ ጕዕዞ እምነት ክትድግፎም ጸለዩ
