ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኽብሮም ዝተሰየመ ናይ ዘላቕነት ሜዳልያ ክህቡ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኽብሮም ዝተሰየመ ናይ ዘላቕነት ሜዳልያ ክህቡ እዮም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኽብሮም ዝተሰየመ ናይ ዘላቕነት ሜዳልያ ክህቡ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘላቕነት ሜዳልያ ብመንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ኣብ ዘላቕነትን ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን ብሉጽ ኣመራርሓ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተፈጥረ ሓድሽ ዓለም ለኸ ክብሪ ኣብ 2026 ኣብ ሮማን ካስተል ጋንዶልፎን ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ ዘላቕነት ቪላኖቫ ንፈለማ እዋን ባዕሎም ቅዱስነቶም ቅዱስ ዘቕርብዎ ክኸውን እዩ።

ቫቲካን ዜና

መንበረ ጥበብ ቪላኖቫን ቤት ጽሕፈት ዘላቕነትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘላቕነት ሜዳልያ ከም ዘበገሱን፣ እዚ ድማ መሪሕነቶም ዘላቕነት፣ ስነ-ህይወታዊ ሓላፍነትን ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን ዘሰጉሙ ውልቀሰባት ኣፍልጦ ዝህብ ሓድሽ ኣህጉራዊ ክብሪ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ መዳልያ፡ ካብ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ነቶም ዕዮታቶም ኩለንተናዊ ራእይ ዘላቕነት ዘርኢ፡ ክንክን ንኣከባቢ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ስክፍታ ተቓላዕቲ ህዝቢ፡ ከምኡ'ውን ሓላፍነታዊ ምሕደራ ቁጠባውን ተፈጥሮኣውን ሃብቲ ዘወሃህድ ንምኽባር ዝዓለመ'” ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኣውጉስቲንያዊ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ወሲኹ፡ ንውሁድ ስነ - ምህዳር ኣብ ልዕሊ ጽሩይ ግብራዊ መለክዒታት ከም ዝግምግም ምዃኑ ከም ዘፍለፍጠን ተቐበልቲ እቲ ስልማት ካብ ዝኾነ ዓውዲ ወይ ክፍሊ መጽናዕትን ክመጹ ይኽእሉ እዮም፡ ዝያዳ ዘላቕን ፍትሓውን ዓለም ኣብ ምምዕባል ብዘርኣይዎ ጽልዋ መሰረት ድማ ክምረጹ ምዃኑ ይሕብር።

ዋዕላ ዘላቕነት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ

ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ዘላቕነት ሜዳልያ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ናይ ኣጎስጢኖሳውያን መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዘላቕነት: ንኣውያት ምድርን ድኻታትን ምላሽ ንምሃብ፣ ካብ 12–15 ጥቅምቲ 2026 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ክቐርብ ከም ዝኾነን፡ እቲ ዋዕላ ኣስታት 300 ተሳተፍቲ - ምሁራት፣ ተመራመርቲ፣ ወከልቲ ቤተክርስትያን፣ ማሕበራትን መራሕቲ መንግስታውን ውልቃውን ጽላት ሓዊሱ - ኣብ ሓደ ካብ ዘተ ናብ ጭቡጥ፣ ናይ ሓባር ስጉምቲ ንምስግጋር ዝተዳለወ ስግረ - ክፍሊ ምጽናዕትታት መድረኽ ከራኽብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

‘ቍሸት ስቡሕ ኣንተ' ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ

“መዳልያ ዘላቕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ብዕምቆት ዝተሓዝአ እምነት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ንናይ ሓባር ገዛና ምሕላይን ንሓድሕድና ሓልዮትን ዘይነጻጸል ምዃኑ” ናይ ኣጎስጢኖሳዊ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ኣቦ መንበር ኣባ ፒተር ዶኖሁ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡

"ስርሖም ንኽልቲኡ ንኣከባብያዊ ምሕደራን ንሓባራዊ ረብሓን ዘሰጉሙ መራሕቲ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ትርጉም ዘለዎን ነባሪን ጽልዋ ከነነቓቕሕ ተስፋ ንገብር" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ቪላኖኖቫ መንበረ ጥበብ ተመሃራይ ነበር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብቲ እዋን ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት፡ ኣብ 1977 ካብ ቪላኖቫ መንበረ ጥበብ ብስነ ሕሳብ ናይ መጀመርታ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ዝረኸቡ ኮይኖም፡ ድሒሮም እቲ መንበረ ጥበብ ኣብ 2014 ብሰብኣዊ ስነፍልጠት ናይ ክብሪ ማዕርግ ሊቕነት ከም ዝሃቦምን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፡

እዚ ሜዳልያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ብመንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ክወሃብ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ትካል ዓለማዊ ተበግሶታት ዘላቕነት ንምስጓምን ውሁድ ስነ ምህደራ ንምዕባይን ዝገብሮ ተወፋይነት ከም ዝኾኑ ኣነጺሩ፡ እዚ ድማ ከም ኣካል ናይቲ ብቪላኖቫ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ ዘላቕነት ወግዓዊ መደብ ክቐርብን ንመጀመርታ ሽልማት 2026፡ ሕጹያት ብኣባላት ናይቲ መንበረ ጥበብ ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ዘላቕነት ብዝተኻየደ መስርሕ ገምጋም ዝምረጹ ምዃኖም ይገልጽ።

ኣብ መንጎ ሓልዮት ንፍጥረትን ምድንፋዕ ሰብኣዊ ክብርን ዘሎ ዘይነጻጸል ምትእስሳር

ዓለምለኻዊ ዋዕላ ዘላቕነት 2026 ኣብ መንጎ ኣብ ሮማ ዝርከብ ናይ ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ተቕዋም ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ‘ቍሸት ስቡሕ ኣንተ’ ዘሎ ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቖመ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ ኣንተ ከም ዝካየድን፡ እዚ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሁድ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝርከቦም ምስ ሓያሎ ትካላዊ መሻርኽቲ ብምዝርራብ ዝዳሎ ዘሎ ኮይኑ፡ ካርዲናል ፋብዮ ባጆ፡ ዋና ኣመሓዳሪ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ ኣንተ፡ ነቲ ተበግሶ ብሓጎስ ብምቕባል፡ መዳልያ ዘላቕነት ንውልቀሰባት "ህይወቶም ኣብ መንጎ ሓልዮት ንፍጥረትን ምድንፋዕ ሰብኣዊ ክብረትን ዘሎ ዘይነጻጸል ምትእስሳር ዝምስክር፡ ኣብ ብርሃን እምነትና ሱር ዝሰደደ" ዘኽብር እዩ - ቢሎም - "ነዚ ዘይተለምደ ተወፋይነት ብምግንዛብ፡ እቲ መዳልያ ነቶም ኣብነቶም ንመጻኢ ወለዶታት ንኽልቲኡ ኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን ብተስፋ ዝምልስ ዘይነጻጸል ስነ - ምህዳር ንኽሕቆፉ ዘነቓቕሑ መራሕቲ ዘኽብር'ዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 Jul 2026, 16:45