ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ‘ቅርዓት ስቡሕ ኣንተ' 'ንሓቀይና ግብረ ሰናይ 'ጥሜት' ሒዘ እየ መጺአ'

ኣብ ካስተል ጋልዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣብ ዘሎ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዝቖመ “ቅርዓት ስቡሕ ኣንተ” ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ሓምለ ምስ ኣስታት 200 ድኻታትን ማሕበራዊ ተቓላዕትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዝተገብረ ፍሉይ መደብ "ምሳሕ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት" ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ብዘይ እተዳለወ መደረ እኳ እንተ መጻእኩ ዝስምዓኒ ጥምየት፣ ናይ ሓንቲ ማዕጾኣ ብኸመይ ከም እትኸፍትን ንዅሉ ሰብ ከተእንግድን ንዅላትና ፍቕሪ ኣብ ዘለሉ ዋላ ሓደ ሰብ ጸላኢ ዘይኰነሉን ብዕርቅን ይቕረ ብምባልን ብሰላምን ክንነብር ከም እንኽእል ናይ ኣትፈልጥ ቤተ-ክርስትያን ጥሜት ፍትሒ፣ ጥሜት ናይ ሓቂ ልግስ፣ ሒዘ እየ ናባኻትኩም ዝመጻእኩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣብ ዘሎ “ቅርዓት ስቡሕ ኣንተ” ኣብ እተዳለወ ፍሉይ መደብ "ምሳሕ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት" ተኣኪቦም ንዝነበሩ ኩሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብቲ ናይ ምሳሕ መኣዲ ኣስታት 40 ቈልዑ ዝርከብዎም 200 ሰባት ኣብ ተኣፋፊ ዅነታት ዚነብሩን ናይ ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ረይና ምስ ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ዚተሓባበሩ ትካላት ግብረ ሰናይን ዝውክሉ ከም ዝሓበሩን፡ እቲ ናይቲ መዓልቲ መደብ ብካርዲናል ፋቢዮ ባጆ ዋና ኣመሓዳሪ ማእከል ላዕለዋይ ተቕዋም ስቡሕ ኣንተ ብሊቀ ጳጳሳት ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፍን ህየንተ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ግብረ ሰናይን ኣመሓደርቲ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ብሓባር ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተጀመረ ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ኣምላኽ ንዅሎም ሰብ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ ናይ ምሳሕ መኣዲ ዝተረኽቡ ዕዱማት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም፡ ክትርከቡ ድማ ስለ ዝፈቐድኩም አመግነኩም፡ ቤተ ክርስቲያን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክትገልጽ ድሌት ከምዘለዋ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ "ከምቲ ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎ፡ ሓደ ካብቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣርእስታት - ሃናጺ ድልድላት ዝብል እዩ፡ ሎሚ ድማ ንሕና'ውን ምስ ኩላትኩምን ምስ ስድራኹምን ምስቲ ክንነብረሉ እንደሊ ሕብረተሰብን - ብፍትሒ ዝተለለየ ሕብረተሰብ፡ ጠንቂ ድኽነት ዝውገድሉን ጠንቂ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓለምና ዘሎ በደላት ክስገር ዘኽእልን ድልድል ክንሃንጽ ንደሊ፡ ነዚ ክውንነት እዚ እትነብር ቤተ ክርስትያን ኢና ክንከውን እንደሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ ኣብ መንጎና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ናይ ምሳሕ መኣዲ ንምድላውን ምትእኽኻብ ኽህሉ ሓላፍነት ዝተሰከሙ እውን ኣመስጊኖም፡ "ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ እንእከበሉ እዋን፡ እዚ ናይ ርክብ መንፈስን ኣብ ዙርያ ሓደ መኣዲ ኣብ እንካፈልሉ እዋን - እታ ኢየሱስ'ውን ኣብ መንጎና ዝርከበሉ ሓደ መኣዲ - ብሓቂ ዝተፈለየት ዓለም፡ ናይ ተስፋ ዓለም፡ ኣብ ማእከል ገዛእ ርእስና ብርሃን ዝኾነት ዓለም ኢና እንሃንጽ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጸዋዕታና ኣብ ዝተበታተነት ዓለም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ብዙሕ ግዜ ዓለምና ብዓመጽን ጽልእን ኣድልዎን ከም እትሰባበር" ኣስተብሂሎም ኩሉ ሰብ ማሕበረሰባት ክሃንጽን ምትሕግጋዝን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ክነብርን ኣተባቢዖም። "ሓቢርና ክንሰርሕን ወትሩ ከምዚ ዓይነት ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ንጽዓር: ናይ ፍትሕን ሰላምን ፍቕርን ቤተ ክርስቲያን" እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ ንኹሎም ኣብቲ መዓዲ ንዝሓበሩ፡ ነቶም ዝተኣከቡ፡ ንቤተሰቦም፡ ከምኡ’ውን ንኹሎም ዝሳቐዩ ናይ ቡራኬ ጸሎት ኣቕሪቦም፡ "ኦ ጎይታ በረኸትካ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍናን ኣብ ልዕሊ እዚ ክንካፈሎ ዝቐረብለና መግብን ሳላ ልግሲ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይን ይውረድ። ንስድራቤትና ባርኽ። ንኹሎም ኣብ ጸገም ወይ መከራ ዘለዉ ባርኽ - ሰላምን ምሕረትን ዕርቅን ክረኽቡን ንሕና ድማ ኦ ጎይታ ነዚ ካብ ሓልዮትካ እንቕበሎ ህያባት ባርኽ። ብክርስቶስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምነካ፡ ኣሜን!" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Jul 2026, 15:33