ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምስ ካብ ብቅልውላው ዝተሃስያ ሃገራት ዝመጹ ህጻናት ኣብ ምርኢት ሙዚቃ ንሰላም ር.ሊ.ጳ. ምስ ካብ ብቅልውላው ዝተሃስያ ሃገራት ዝመጹ ህጻናት ኣብ ምርኢት ሙዚቃ ንሰላም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ምስ ካብ ብቅልውላው ዝተሃስያ ሃገራት ዝመጹ ህጻናት ኣብ ምርኢት ሙዚቃ ንሰላም

ካብ ብቅልውላው ዝተሃስዩ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ህጻናትን መንእሰያትን ዝሓቖፈ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ መዘምራን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ኣንድርያ ቦቸሊን ሓቢሮም ንሙዚቃ ከም ኣድማሳዊ ቋንቋ ሰላም ብምጥቃም ዕለት 29 ሓምለ ኣብ ካስተልጋንዶልፎ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ‘ቍሸት ስቡሕ ኣንተ’ ምንቲ ሰላም ክጽልዩ እዮም።

ዜና ቫቲካን

‘ቍሸት ስቡሕ ኣንተ’ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርትን ማሕበር ኣንድርያ ቦቸሊን ዝድገፍ ናይ ጸሎት ህሞት ዝኸውን ዕለት 29 ሓምለ ብቅልውላው ካብ ዝተሃስዩ ሓሙሽተ ከባቢታት ዓለም ዝመጹ 164 ህጻናትን መንእሰያትን ዝሓቖፈ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ መዘምራን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተኣኪቦም ሙዚቃ ኣድማሳዊ ቋንቋ ሰላም ምዃኑ ዘቃልሕ መደብ ክቐርብ እዩ።

እቲ “መሃልየ ሰላም” ዝብል መደብ ኣካል ናይቲ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ካብ ዝዓርፍ 800 ዓመት ዝኽሪ ጽምብል እዩ። ኣብዚ መደብ ኣዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኣስተንትኖን ጸሎትን ህሞት ክመርሑ እዮም፣ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ መሃልይ ዘፍጥረት ኣስተንፍሶ ብምግባር ድማ ኣብ ዓለም ሰላም ክህሉ ናይ ምህለላ ጸሎት ከቕርቡ እዮ።

ዓለምለኻዊ ዛንታታት ዝሓቖፈ ጉጅለ መዘምራን

ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ መደብ ድማ ሙዚቃ ኮይኑ። ወሩይ ድምጻዊ ኣንድርያ ቦቸሊን ድምጽታት መዘምራን ማሕበር ኣንድረያ ቦቸሊን ነቲ ናይ ጸሎት መደብ ከሰንዩ እዮም። ካብ ቅድስቲ መሬት፡ ኡጋንዳ፡ ሃይቲን ኢጣልያን ዝመጹ 160 መንእሰያት ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታኦምን ዛንታታቶምን - መብዛሕትኡ ግዜ ብውግእ፡ ድኽነት ወይ ብድሆታት ዝልለ ኩነታቶም ኣብ ሓደ ከምጽኡ እዮም፡ ይኹን እምበር ድምጾም ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ከም ቋንቋታት ዘተን ተስፋን ዕርቅን ኣብ መላእ ዓለም ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ።

እቶም ቆልዑን መንእሰያትን በቲ ኣብ መዘምራን ብዘለዎም ተመኩሮ ኣገዳስነት ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ናይ ሓባር ዕላማን ርክብን ዳግማይ ክረኽቡ ይኽእሉ።

እዚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጸሎትን ሙዚቃን ግዜ መዛዘሚ ናይቲ ንመጀመርያ ግዜ ብመንፈስ ዓለምለኻዊ ቝሸት ብሙዚቃ መዘምራንን መምህራንን ዘራኽብ ናይ 10 መዓልቲ ኣኼባ ኢዩ።

ጭቡጥ ምልክታት ሕውነት

ዋና ሓላፊ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ‘ስቡሕ ኣንተ’ ካርዲናል ፋብዮ ባጆ፡ ካብ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ ኣንተን ማሕበር ኣንድርያ ቦቸሊን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ “መሃልየ ሰላም” ዝብል መደብ፡ ቍሸት ስቡሕ ኣንተ “እምነት ናብ ጭቡጥ ምልክታት ርክብ፡ ትምህርትን ሕውነትን ዝትርጐመሉ ቦታ” ከመይ ከም ዝስጒም ዘርኢ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብዛ በቲ እናዓበየ ዝኸይድ ብዘሎ ግርጭታትን ምፍልላይን ዝተለለየት ዓለም፣ ነቶም ዝተፈላለዩ ጉጅለ መንእሰያት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ሓደ ብናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ መዝሙር ዝተደፋፍአ ምትእኽኻብ ምምጻእ “ሰላም ብቐዳምነትን ልዕሊ ኩሉን ሰባት ክራኸቡን ክዘራረቡን ሓድሕዳዊ ሓልዮት ክገብሩን ብምምሃርን ዝህነጽ ምዃኑ” ከመይ ከም ዝምስክር ካርዲናል ባጆ የጒልሑ።

ተልእኾ ‘ቍሸት ስቡሕ ኣንተ'  ባህሊ ሰላም ክሳብ ጫፋ ምድሪ ንምክፋል ዝዓለመ እዩ። ኣብ ሕውነት፡ ሓልዮትን ምክብባርን ንፍጥረት፡ ከምኡ’ውን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ምኽባር ዝተመስረተ ባህሊ።

ኣንድርያ ቦቸሊ እውን ብወገኑ ኣብቲ ዕለት 27 ሓምለ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ማሃልየ ሰላም” ካብቲ ብቐሊልን ኣድማሳውን መልእኽቲ ኣቢልካ ሙዚቃ ንምቕራብ ካብ ዝነበረ ድሌት ዝነቐለ ምዃኑ ገሊጹ፡ እዚ ማለት ድማ ብዘተ፣ ብምርኻብ፣ ንኻልኦት ብምስማዕ ሰላም ዝፍጠር ምዃኑ ዘነጽር እዩ። ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ 164 ህጻናትን መንእሰያትን ብናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ቃልስን ዛንታታትን ክራኸቡ ናይዚ ሓቂ እዚ ኣብነት እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ጸሎት ስነ-ስርዓት ነፍሲ ወከፍ ልኡኽ ሃገራዊ ጉጅለ መዘምራን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሃገሮም ዘምጽእዎ ብኢድ ዝተሰርሐ ህያብ ብምቕራብ ባህላዊ መንነቶም ከንጸባርቑን ምስጋናኦም ክገልጹን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 Jul 2026, 16:30