ሓዋርያዊ ጉዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ መበል 14 ናብ ስጳይና ሓዋርያዊ ጉዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ መበል 14 ናብ ስጳይና 

ሓዋርያዊ ጉዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ መበል 14 ናብ ስጳይና

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ራብዓይ ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣብ ስጳይና፡ ናብ ማድሪድ፡ ባርቸሎናን ደሴታት ካናሪን ዘብጽሖም ሰላም፡ ምፍታሕ ኣጽዋር፡ ሓድነት፡ መንእሰያት፡ ባህሊ፡ ሓድሽ እደ ጥበብብን ስደትን ዝብሉ ቅዉም ነገራት ብምድህሳስ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን "ብብዙሕ ደረጃታት ብዙሕ ክትብሎ ንእትኽእል" ቤተ ክርስቲያን ንምትብባዕ ምዃኑ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መገልጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 6 - 12 ሰነ ክካየድዎ ተመዲቡ ዘሎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ስጳይና፡ ብኹሉ መዳይ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ማድሪድ ባርቸሎና ከምኡውን ደሴታት ካናሪ (ግራን ካናርያን ተነሪፍ) ክበጽሑን፡ ኣብዚ ራብዓይ ኣህጉራዊ ጕዕዞ ብዙሕ መደረታት ከስምዑን፡ ብዙሕ ርክባት ከካይዱን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ስብከታትንን ቃለ ምዕዳንን ክልግሱ ከም ዝኾኑን፡ ብዙሓት ሰባት ብገምጋም ፍርቂ ሚልዮን ምእመናን ኣብቲ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር - ካብ ምፍታሕ ኣጽዋር ክሳብ ሰላም፡ ካብ ተራ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ስጳይናን ኤውሮጳን ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት፡ ካብ ምክልኻል ህይወት ክሳብ ስደት ዝምልከቱ ኣርእስታት ዘማእከለ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 3 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፡ እዚ ቅዱስነቶም ናብ "ጥንታዊ ክርስትያናዊ ትውፊት ዘለዋ ሃገር" ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ "ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ዓለማት ከም ቤተ - ሙከራ ዘተ ዘገልገለት መሬት፡ ዓበይቲ ሓሰብትን ክርስትያናዊ ባህልን ዝነበራ ሃገር: ቤት ትምህርቲ ሰላማንካ፡ ኣብ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃይማኖታዊ መትክል ዝተሰረተ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ኣህጉራዊ ሕግን ዝተራኸበሉ፡ ኣብ መሰላትን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣስተንትኖ ንምቕራጽ ምስ ዝሓገዘን ዓሚቝ ባህሊ ክራኸቡ እዮም። ስጳይና ናይ "ዓበይቲ ቅዱሳን" ከም በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀልን ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላን ሓሳባቶም ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ብድሆታት ብትንቢት ዝድመጽን ሃገር እውን እያ።

ቀንዲ ኣርእስታት ናይቲ ጉዕዞ

ኣብ ስጳይና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተወከልቲ ቤተ-ክርስትያንን ህዝባዊ ትካላትን ከምኡውን ምስ ኣሽሓት መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ካብ ስፖርትን ባህልን ስነ ምርኢትን ዝመጹ ሰባትን ኣብ ዘካይድዎ ርክባት ነዚ ሃብታም ታሪኻውን ባህላውን ውርሻ ክራኸቡ እዮም፣ ገለ ካብኣታቶም ከኣ ኣብ ህዝባዊ ፍጻመታት ኪሳተፉ እዮም።

እቲ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ፖለቲካን ባህልን ዘሎ ዘተ ከም መጋበርያ ምፍልላያት ንምስዓር ከምኡውን ብዛዕባ እደ ጥበብን ሰብኣዊ ምዕባለን ብምስትንታን ነቲ ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica Humanitas ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ግምት ብምእታው ሓደ ካብቲ ቐንዲ ፍረ ነገር ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ 23 መደረታትን ሰላምታን ስብከትን ከም ዝኸውን ዝሓበረ ብሩኒ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ውግእ ዝመልኦ መዋእል ብምሕሳብ ኣብ ሰላም ዘተኵርን፡ "ኣጽዋር ምጥቃም ዝያዳ መመኽነይታ ኣብ ዝዀነሉ እዋን" ብዛዕባ ምርጋፍ ኣጽዋር እውን ዝዛረብ ጉዕዞ ምዃኑ ብምምልካት፡ "በዚ መዳይ እዚ ብዛዕባ እቲ ቤተ - ክርስትያን ኣብ ስጳይና ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ዘለዋ ግደን ንታሪኻን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ እዋን ዕቤትን ኣብ እዋን ቅልውላውን ከም ክቡር ሃብቲ መጠን ዘለዋ ግደ ዘስተንትን ጉዕዞ እዩ” ኢሉ።

ድምጺ ቤተ ክርስቲያን

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝገበርዎ ምብጻሕ ንሓንቲ "ኣብ ስጳይናን ኣውሮጳን ገና ኣብ ብዙሕ ደረጃታት ብዙሕ እትዛረበሉ ነገር ዘለዋ ኣብ ህዝባዊ ክትዕ ሃናጺ ተሳታፊ ብምዃን ምሉእ ኣበርክቶ ኽትገብር እትኽእል ቤተ - ክርስትያን ምልክትን ምትብባዕን ኪኸውን እዩ። ብዛዕባ "ምክልኻል ህይወት" ማለት ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ሰባትን ዘስተውዕል፡ እዚ ሻቕሎት እዚ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ወደባት ደሴታት ካናሪ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣቃልቦ ዝገበረሉን ክሳብ ጕዳይ ስደት ዚዝርጋሕን እዩ። እዚ ቦታ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስቶም ብመስመር ስደት ኣትላንቲክ ዝመጹ ሰባት ዝተኣሳሰር ማእለያ ዘይብሉ ሰብኣውን ስድራ ቤታውን መዓት ዝረኣየሉ እዩ። ኣብዚ ቦታታት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ስደተይናታት ናይ ህይወት ታሪኽ ክሰምዑ ንምቕባል ዝግበር ጻዕርታት ክምስክሩ ከምኡውን "ወንጌል ናብ ዓለም ንምብጻሕ ካብታ ሃገር ዝነቐሉ ልኡካን ወንጌልን ቅዱሳንን ቅዱሳትን " ታሪኽ ክረኽቡ ምዃኖም ብሩኒ ይሕብር።

ምስ ሓደ ህዝብን እምነቱን ምርኻብ

ቅድሚ እዚ ግን ኣብ ማድሪድን ባርቸሎናን ናይ ገዛእ ርእሰን ግልጽነትን እንግዶትን ባህልታት ዘለወን ከተማታት ክበጽሑ እዮም። ሓደ ካብቲ ጐሊሑ ዚርአ ነገራት እቲ ዕለት 10 ሰነ ዚዝከር መበል ሚእቲ ዓመት ሞት ኣንቶኒ ጋውዲ ናይ ስነ-ህንጻ ሊቕ ዓሚቝ ምሳልያዊ እምነት ዘለዎ ባዚሊካ ሳግራዳ ፋሚሊያ - ቅድስቲ ስድራ ቤት ኪኸውን እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ኣብታ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ሸለል ዝብል ወይ ኣብ ዘወግድ ሕብረተሰብ ግን ከኣ መበቈል ክርስትና ኣብ ባህላዊ መወከሲታትን ሱር ዝሰደደ ህዝቢ ክራኸቡ እዮም።

ስለዚ እዚ ጕዕዞ እዚ ምስቲ ከም መንፈሳዊ ዑደታት ዝኣመሰለ ህቡብ ሃይማኖታዊ ልምድታት እተተሓሓዘ እዩ። "ምስ ናይ ህዝቢ መንፈሳውነት ክራኸቡን ባዕሎም ሰንበት ዕለት 7 ሰነ ቅዱስ ቁርባን ኣምሪሑ ኣብ ዝፍጸም መንፈሳዊ ዑደት ክሳተፉ እዮም። እዚ ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ መካበቢያ ዘይትዕጸው ኣብ ጎደንታት እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ዝምስክርን እዩ - እዚ እውን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ "ቤተ ክርስቲያን ቤተ መዘክር እምነት" ዘይኰነስ "ንመጻኢ ፍረ ዘፍሪ እምነት ዝንበረላ ዝብል ፍሉጥ መግለጺ ቤተ ክርስቲያን ዝምስክር እዩ። ካብ ስጳይናን ወጻእን ዝመጹ መንእሰያት ዘካይድዎ ርክብ ሓደ ማእከል ናይቲ ምብጻሕ ክኽውን እዩ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብትሕዝቶ ሃብታም ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት፣ እቶም መንእሰያት ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ኣእምሮኦም ንኽቐርጹን ንቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ‘ሓያል እየ ዘድልየኒ ነገር የሎን ዝብል ሰብ ዚነብረሉ መዋእል” ቅዱሳን ሰብኡትን ኣንስትን ንኺዓብዩ ከተባብዕ ዝኽእል መልእኽቲ" ከስምዑ እዮም።

ናይ ምትሕግጋዝ ቦታታትን ምልክታት ዶብ ኣትላንቲክን

እዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ብጀካ እቲ ቓላት ሓያል ምስልታት ዘለዎ ኪኸውን እዩ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ንጉሳዊ ቤተ - መንግስትን ኣብ ህንጻ ህዝባዊ ባይቶን፣ ኣብ ማድሪድ ሞቪስታር እተሰምየ ናይ ምርኢት ጎልጎልን ሳንቲያጎ በርናቤይ ኣብ እተሰምየ ናይ ስፖርት ሜዳ፣ ኣብ ገዳም ሞንትሴራትን ናብ ባርቸሎና ክገሹን ነቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ዝተሓደሰ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ቤት ክምርቑን ነቲ ናይቲ ባዚሊካ ግምቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተሰምየ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ብንውሓቱ ዝፍለጥ ክባርኹ እዮም። እቲ ኣብቲ ባዚሊካ ዘሎ ዝነውሐ ቅድሚ 16 ዓመት ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝባረኸዎ መብዛሕትኡ ግዜ “መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እምኒ” ተባሂሉ ዝግለጽ ሎሚ መበል ሚእቲ ዓመት ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ብዝዝከር ብፍሉጥ ካታሎናዊ ናይ ስነ ህንጻ ሊቅ ኣንቶኒዮ ጋውዲ ዝተነድፈ ክባርኹ እዮም።

እቲ ኣብ ግራን ካናርያ ዝርከብ ወደብ ኣርጊንጊን ክበጽሑን እዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታት ብቐዳምነት ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ብብዝሒ ዘዕለቕልቕን ሓደገይናን ኵነታት ስለ ዘጋጥሞም ንነዊሕ እዋን "ዘሕፍር መዕቈቢ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገብርዎ ጕዕዞ ፖለቲካውን ተቛማውን ማእከላት መንፈሳውን ግብረ ሰናይን ቦታታትን ኣብ ዶብ ኣትላንቲክ ኣውሮጳ ምሳልያዊ ቦታታትን የጣምር፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ናይቲ ጉዕዞ ዓቕለሲያውን ህዝባውን ስፍሓት ተልእኾኡ ዘሎ ስምረት ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊልዮን መበል 14 ኣብዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዚ ቀዳማይ ዘስምዕዎ መደረ ምስ ተወከልቲ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ስጳይና ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን፡ ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ክኸውን እዩ፡ ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ነቲ ኣብ ዞባ ማድሪድ ሉሰሮ ዝርከብ "ሴዲያ 24 ሆራስ" እተሰምየ ንተኣፈፍቲ ሰባትን ግዳም ሓደርን ንምቕባልን ንምሕጋዝን እተወፈየ ማእከል ክበጽሑ እዮም፡ ከምቲ ሊቀ ጳጳሳት ማድሪድ ካርዲናል ኾሴ ኮቦ ካኖ ዝገለጽዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብተነቃፊነትን ሰብኣዊ ከባቢታትን ኣቢሎም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ኢዮም።

ኣሰነይቲ ቅዱስ ኣቦና

ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን  መበል 14 ዘሰንዩ ናይ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ህይወትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ካርዲናል ኣንገል ፈርናንደዝ ኣርቲመ፡ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ፊሊፖ ያኖነ ከምኡውን ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት - ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ግብረ ሰናይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ከም ዝኾኑ ብሩኒ ሓቢሩ፡ ኩሎም መደረታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብጀካ ኣብቲ ካብ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተይናታት ዘአንግድ መቐበሊ ኣጋይሽ ላስ ራይሰስ ብቋንቋ ፈረንሳ ዘስምዕዎ መደረ ካልእ ኩሉ ብቛንቋ ስጳይና ከም ዝኸውንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቋንቋ ካታሎንያ ውሑዳት ቃላት ክዛረቡ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቱ፣ ካልእ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣርእስቲ ጉዳይ ግህሰት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ነዚ መሪር ክውንነት ብሓቅን ብፍትሕን ንምፍታሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብጉባኤ ጳጳሳትን ጉባኤ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ቤት ጽሕፈት ዕቝባ ስጳይናን ቤት ምኽሪ ምኒስትራት ስጳይናን ዝተገብሩ ስምምዓት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ከም እተሳተፈት እውን የዘኻኽር።

04 Jun 2026, 15:25