ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማሕበረሰብ ቤት ናዝሬት፡ እቶን ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ ኵኑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድሚ ሰማንያ ዓመት፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ካርዲናል ዶመኒኮ ታርዲኒ - ድሒሩ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝነበሩ - ኣብቲ እዋን ሓድሽ ከተማ ከባቢ ሮማ፡ ቤተ ናዛሬት ከም ቤተ - ሙከራ ተስፋ ከም ዝመስረቱን ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቤት ናዛሬት ኣብ መንጎ እምነት፡ ባህልን ግብረ ሰናይን ኣድላዪ ዘተ ምምዕባል ዝቕጽል ዘሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት እቶም ኣዝዮም ድኻታት ዝኾኑ መንእሰያት ዘገልግል እዩ።
ዕለት 30 ግንቦት ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ምስረታ እቲ ማሕበረሰብ ንምዝካር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ኣብ ሃዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ንኡስ ኣዳራሽ ቡራኬ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣባላት ማሕበረስብ - መምህራን፣ ተመሃሮ፣ ኣባላት፣ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ዝነበሩ፣ ፈተውትን መንፈሳውያን ሓገዝትን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ሰናይ ንምግባር ዝዕጠቑ መራሕቲ መንእሰያት ምቛም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን መበቈል ቤት ናዛሬት ነቶም "ብተውህቦን ብጽቡቕ ድሌትን ሃብታማት ዝኾኑ ትምህርቲ ንምርካብ ዓቕሚ ዘይብሎም" ሰባት ናይ ትምህርቲ ኣጋጣሚታት ንምፍጣር ኣሚቱ ዝተመስረተ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ካርዲናል ፓሮሊን እውን ኣብቲ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነዚ ሞያ እዚ ከም ዘጉልሑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነቲ መስረትቲ እቲ ማሕበረሰብ ዘጒልሕዎ ክርብታት ማለት ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣመልኪቶም። እዚ ክብርታት እዚ ጸኒሑ ምስቲ ንቤት ናዛሬት ናብ ሓድሽ መዋእል ክሰጋገር ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ ዘወፈይዎ መርሕነት ዘይርሳዕ ከም ዝኾነን፡ ካርዲናል ሲልቨስትሪ "ጥንቁቕ ሓላውን እዋናዊ ተርጓምን ናይቲ ማሕበረሰብ ዘበገሰ መንፈሳዊ ህያብ” እንክብሉ ብምግላጽ፡ እዚ እውን እቲ መስራቲ ነባሪ ሰላም ንምድንፋዕ ሓባራዊ ሰናይ ኣብ ምቕዳም ዝዕጠቑ መራሕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ መንእሰያት ምሕናጽ ዝብል ዝተቐበሎ መንፈሳዊ ህያብ እዩ እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ይሕብር።
ናይ ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ እቶንን መመንጨውን
ብተወሳኺውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝለገስዎ ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም - "ንሰብ ዘነቓቕሕ ርእሰ -ምትእምማን ርእሰ - ብቕዓትን ዘይኰነስ ሓራ ዘውጽእ ሕብረት ዝቕይር ርክብ ኢዩ" ብምባል ካልእ ግምቢ ባቢሎን ዘይኰነስ ብፍቕርን ኩላዊ ሕውነትን እተደገፈ ከተማ ኣምላኽ ምህናጽ ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ብምግላጽ፡
ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሓደ ናይ መወዳእታ መዳይ ዕዮኹም ክዝክሮን ከተባብዖን ዝደልዮ ቤት ናዛሬት ካብ እተፈላለየ ወለዶታትን ደረጃ ናብራ ዝመጹ ሰብኡትን ኣንስትን ኣእምሮኣውን ግብረ ገባውን ቍጠባውን ጻዕርታት ምዝናቕን ንምዕማቝን ዕቤትን ኣበርክቶ ዝገብረሉ ናይ ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ እቶን ምህናጽን ምቛምን ከምኡውን ብትምህርትታት ወንጌል ዝያዳ ብርሃን ዝዓሰሎ ባህሊ ምዝርጋሕ"
ዝብል እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፡ ብዛዕባ እቲ ዝያዳ ሓቅን ዓሚቝን ሕብረት ምንባር ዜጋጥሞ ብድሆ ኣጒሊሖም፡
"ኣምላኽና ኣብ መንጎ መለኮታዊ ኣካላት ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፍጹም ሕብረት ህይወትን ፍቕርን ደኣ እምበር ግሉል ጽምዋ የሎን። እቲ ብድሆ ኣብ መንጎና ዝያዳ ሓቅን ዓሚቝን ዝያዳ ጭቡጥ ዝኾነ ሕብረት እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ የመላኽት።
መንእሰያት ብርሃንን መምርሕን የድልዮም እዩ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድሚኦም ዝነበሩ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ንኣባላት ማሕበረሰብ ቤት ናዝሬት ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብፍላይ ናይ ትዕቢት ወይ ናይ ዕብለላ ስነ - መጐት እሱራት ከይንኸውንን ኣብ ኩሉ ግዜ ናይ ዘተ ኣተሓሳስባ - ኣብ ግዜና ከይተረፈ ክንኽተሎ ዝግበኣና መሪሕ መትከላት - ተወፋይነት ሒዝና ክንስጉም ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝካር መደረኦም እንክዛዝሙ፡
"እዚ ጻውዒት እዚ መንእሰያት ዘደንቕ ኣጋጣሚታትን ፍልጠትን ዕቤትን ኣብ ዝረኽቡሉ እዋን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ፡ እንተዀነ ግን ብፍላይ ኣብ መንጎ ኣእምሮን መንፈስን ኣብ መንጎ እምነትን መጽናዕትን ሞያን ህይወትን ሓድነት ንምምጻእ ብርሃንን መምርሕን የድልዮም ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
