ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ስጳይና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማድሪድ ኣብ ዘካየድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት፡ ዕለት 9 ሰነ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎ፡ ኣብ ባይቶ ስጳይና ታሪኻዊ ዑደት ብምክያድ፡ ምስ ግዳያት ግህሰት ብምርኻብ፡ ኣብ ካቴድራል ኣልሙዴና ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ከም ዘካየዱን፡ ምሸት ካብ ርእሰ ሰበኻታት ማድሪድ ምስ ዝመጹ ኣስታት 80 ሽሕ ሰባት ዘካየድዎ ናይ ጸሎት ዋዜማን ዘማእከለ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማድሪድ ኣብ ዘካየድዎ ናይ መወዳእታ ምሉእ መዓልቲ  ውዕሎ ኣብ ህዝባዊ ባይቲ ስጳይና ታሪኻዊ ዑደት ብምክያድ ሎሚ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ካብ ዘለዉ ኣገደስቲ ጉዳያት ማለት ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ስደት፡ ምክልኻል ህይወት፡ ዳግመ ዕጥቂ፡ ስድራቤት፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ሰላምን ከም ዘስተንተኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንምዕዋት እቲ መሰረት ነቲ ዘይግሃስ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ኣፍልጦ ምሃብ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መነጽር’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ንሕልና ሃገራትን ስነ - ምግባራዊ መሰረት ዓለምን ዝፈታተን እዩ ዝበልዎ “ዘሕዝን መዓት ስደት” ኣቕኒዖም፡ "ኩነታት ስደተይናታትን ስደተይናታትን ኣብ ህዝቢ ዘተኮረ፡ ንኽወጹ ዘገድዶም ሱር ጠንቅታት ዝምልስ፡ ኪኖ ዘላቕነት ዘይብሉ ምሕደራ ዋሕዚ ስደት ጥራይ ዝኸይድ ምላሽ ክወሃብ ይጽውዕ።"

ኣስዒቦም ድማ ነፍሲ ወከፍ “ዘሕምም ስዕረት” ዝኾነ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ፡ “ግዝያዊ ስቕታ ኣጽዋር ክገብር ዝከኣል እኳ እንተኾነ፤ ሓቀይናን ነባሪን ሰላም ግን ፈጺሙ ክሃንጽ ኣይክእልን እዩ እንተኾነ ኣገዳስነት ዘተ ከም ዘጒልሑ ኣፍሊጡ።

ሰላምኩም ከም ቤተ ክርስቲያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቐጥታ ካብ ህዝባዊ ባይቶ ስጳይና ተሰናብቶም ብዝነበሮም መደብ መሰረት ምስ ብጾቶምን ኣሕዋቶምን ጳጳሳት ስጳይና ከም እተራኸቡን ኣብኡ ኣብ ዘስምዕዎ ንጹርን ቀጥታውን መደረ ንጳጳሳት "ሓድነት ክሕልዉ፡ ዘተ ከዕብዩ፡ ምፍልላይ ክፍውሱን ንጉዕዞ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዝተዋህበ ህዝቢ ከሰንዩን" ከም እተላበዉን፡ “ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕብየት ጸጋታታ ዘይኮነስ ካብ ቅድስና ደቃን ካብ ሕብረት ጓሶታን ካብ ትሑትን ጽንዓትን ተኣማንነት ናይቶም ብመንፈስ ክምርሑ ዘፍቅዱን እዩ” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ንኻልኦት ክርስትያን ሃይማኖታትን ካልኦት ሃይማኖታትን፣ ነቶም ዘይኣምኑ፣ ንበርገሳዊ ሰበስልጣንን ንኹሎም ንሓባራዊ ረብሓ ዝሰርሑ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ብዝያዳ ብናጽነት ክትዛረብ ምእንታን ኣብ ውሽጣ ሰላም ዘለዋ ክትከውን የድሊ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ብሕቲ ኣኼባ

ኣብ መንጎ ህዝባዊ ፍጻሜታቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ስጳይና ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ግዳያት ግህሰት ምስ ዝኾኑ ናይ ብሕቲ ዘተ ኣካይዶም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሽዱሽተ ግዳያት ከምዝተራኸቡን እቲ ምስቶም ግዳያት ዘካየድዎ ናይ ብሕቲ ርክብ ዳርጋ ሓደ ሰዓት ከምዝወሰደ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዝሓበረን እቶም ግዳያት “ቤተክርስትያን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ጉዳያት እትህቦ ምላሽ ዝያዳ ውጽኢታዊ ንምግባር ዝዓለመ እማመታት ዘቕርብ ከም ዝኾነን እቶም ግዳያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስቓዮም ናቶም ዝገበርዎ ኮይኑ ከም ዝስምዖን እውን የረጋግጹ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መንደቕ ምፍራስ

ምሸት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል እኖና ቅድስቲ ድንግል ኣምርያም ዘኣልሙዴና - ናይ ርእሰ ሰብኻታት ማድሪድ ሓላዊት ቅድስቲ - ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ከም ዘካየዱን ነቲ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተነብረሉ ፈራስ መንደቕ ኣብ ሰስምዕዎ ቃለ መዕዳን “ሓድሽ፡ ጽቡቕን ነባሪን ነገር ክንሃንጽ፡ መናድቕ ከነፍርስ ፍቓደይናታት ክንከውን ዝዕድመና እዩ” እንክብሉ ብምስትንታን፡ ንዅላቶም ካብ ምስክርነት እምነቶም ከይቦኽሩ ተማሕጺኖም፡ ናብ ድንግል ኪጥምቱ ድማ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክፉት መጽሓፍ ቅዱስ ኩኑ

"ኣነ ከም ዝግምቶ፡ ንሓደ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብዚ ስታድዩም ሸቶ ምምዝጋብ ኣብ ህይወቶም ነባሪ ኣሰር ዝገድፍ ነገር እዩ። ግን፡ ሎሚ ቤተክርስትያን ማድሪድ ብሓቂ ዘይርሳዕ ሸቶ ኣመዝጊባ ኣላ!" እንክብሉ ድማ ኣብቲ ኣብ ዓቢይ ናይ ማድሪድ በርናበይ እተሰምየ ናይ ስፖርት ሜዳ ምስ ልዕሊ 80 ሺሕ ዝግመት ህዝቢ ርእሰ ሰበኻታት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምምልካት ኣቃልቦኦም ካብ ዓለማዊ ዓወት ናብ ዝዓሞቐ ዓወት ኣብ ዝብል ሓሳብ ገይሮም፡ “ጽብቕቲ ዓቅለሲያዊ ስድራ ቤት” ብምዃኖም ድማ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፡ ኣገዳስነትን ጽባቐን መዝሙርን ሙዚቃን ብምስትውዓል ኩሉ ሰብ ነቲ መንፈሳዊ ስነ ጥበብ ሕያውነት ዳግማይ ክንመሃር ብድሆ እዩ፣ "ብዘይ እዚ ኣዋጅ ወንጌል እውን ከይተረፈ ዘይስቡእ ምድግጋም ትርጉም ዘይብሉን ዘየሰምርን ንዘይምትእምማንን ቦታ ዝህብ ይኸውን" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ማድሪድ ከም ሰበኻዊት ቤተ ክርስቲያን መጠን ብሓባር ኰይና "ነቶም ብምስልታትን ቃላትን ዝድብደቡ ግን ከኣ ፍትሒ ዝጠመዩን ንሓቂ ዝጸምኡን ብሉጻት ሓይልታት ሰብኣውነት ዝፈትሕ ወንጌላዊ ምስክርነት ከተቕብር ስለ እትኽእል ኣይትፍርሁ - ቢሎም - ናብ ናይ ወንጌል ሙዚቃ ኣምር ምልስ ቢሎም፡ እዚ ሙዚቃ እዚ ኸኣ ንሰባት ኣብ ልቢ ምስ ዝበጽሕ ተቐባልነት ከም ዚስምዖም ይገብር። ንዅሉ ሰብ ከም ክፉት መጽሓፍ ቅዱስ ኩኑ፣ ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ ከም ቤቱ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ዚገብር ቋንቋ እዩ" ብዝብል ኣስተንትኖ ድማ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Jun 2026, 15:44