ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ደሴታት ካናሪ፡ ብመስቀልን ቅዱስ ቁርባንን ሓድነት ምጽናዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ደሴታት ካናሪ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን መስቀል ብምሕቋፍ፡ ናይ ቅዱስ ቁርባን ሕይወታ ብምዕማቝ፡ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ብሓድነትን ብተስፋን ብምግልጋል ኣብ ናይ እምነት ሓድነታ ክትጽንዖ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 11 ሰነ ኣብ ላስ ፓልማስ ደ ግራን ካናርያ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ሃና ምስ ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን፣ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ግብረ ኖልዎ ምስ ዘገልግሉን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ኣብ ስደት፣ ማሕበራዊ ብድሆታትን ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስናይ ተቓላዕቲ ማሕበረሰባትን ሓያል ትኹረት ዝገበረ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ስጳይና መዛዘሚ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንዝጓዓዙ ስደተይናታት ናብ ኤውሮጳ ዝኣትውሉ ቀንዲ መዕለቢ ኣብ ዝኾነት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ቤተክርስትያን ድማ ሰብኣውን ጓሳውን ደገፍ ኣብ ምሃብ ልዑል ተራ ዝተጻወቱን ሎሚ እውን ኣብ ዘገልግሉላ ኣብ ደሴታት ካናሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ ቅዱሰንቶም ኣብ መደረኦም ነቶም ኣብ ካቴድራል ቅድስቲ ሃና ንዝተረኽቡ ኩሎም፡ መግለጺ "ህያው ቤተክርስትያን ኢኻትኩም፡ ሕጉስን ተስፋን፡ ሓዘንን ጭንቀትን ህዝቢ ዘመንና ብፍላይ ድማ እቶም ድኻታት ወይ ዝተሳቐዩ" ዘንጸባርቕ ምስክርነትኩ አመስግን። ኣብ እምነት ከም ኣቦን ሓውን ናብተን ደሴታት ከም ዝመጹን፡ ኣብ መጀመርታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ኣብ ዝተሓረዩሉ ዕለት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝካር፡ "ምሳኹም ክርስትያን እየ፡ ምእንታኹም ድማ ጳጳስ እየ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስትያን ብሓባር ምህናጽ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ናይ ዕለቱ ካብ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝተወስደ ቀዳማይ ምንባብ ኣማእኪሎም፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ዝተፈላለየ ውህበትን ኣገልግሎትን ኣፍልጦ ምሃብን ሓድነት ንምህናጽ ክውዕል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "ጻውዒት ጐይታ ሎሚ ኣብ ልብና ከም ብሓድሽ ይንጸባረቕን ንጸዋዕታናን ተልእኾናን ድማ የረጋግጽ፣ ኣብቲ እምኒ ማእዝን ዝኾነ ክርስቶስ እተመስረተ ቤተ-ክርስትያን ብሓባር ምህናጽ” ቢሎም፡ ነቶም ምእመናን 'ኣብ ሰናይ ክሃንጹ ፍልልያትና ከሰማምዑን ንጥቕሚ ዅላቶም ኪዓዩን' ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መስቀል ተሰኪምካ ምኻድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ነቶም "ስልጣነ ፍቕሪ" ኣብ ምህናጽ "ጥበበይናታት ስነ-ህንጻታት" ክዀኑ ዝደልዩ ክርስትያም ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጹ ክልተ ኣረኣእያታት ብምቕራብ፡ እቲ ቐዳማይ መስቀል ክርስቶስ ምቕባል ምዃኑ ብምምልካት፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ደሴታት ካናሪ ዘሎ ባሕሪ ከም ኣብነት ተጠቒሞም ውቅያኖስ ንቤትን ቤታውነትን ዜዘኻኽር እኳ እንተ ዀነ፡ ብድሆን ርሕቀትን ምጥርጣርን እውን ከመልክት ከም ዚኽእል ገሊጾም፡ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ብምጥቃስ፡ ወድሰብ ነታ ናይ ሓቂ ዓዶም ከም ዚናፍቑን ግናኸ ናብኣ ንምብጻሕ "ባሕሪ እዛ ዓለም" እዚኣ ኺሰግሩ ኸም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም። ጎይታ "እቲ ኽንከዶ ሃረር እንብሎ ዝነበርና መገዲ ምእንቲ ከርእየና ባዕሉ መጸ። መስቀል ክርስቶስ እንተ ዘይተሰኪምና ንባሕሪ እዛ ዓለም እዚኣ ኺሳገር ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።” እቶም ቅዱሳን ኣብ ክርስቶስ ብምውካል ንጸገማት ህይወት ብኸመይ ከም ዝበድሁ ኣብነት ከም ዚዀኑ ገሊጾም፡ "ንማዕበል ህይወት ንኽብድሁ ንኢየሱስ ብኸመይ ናብ ጃልባኦም ከም ዚዕድምዎ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኣብኡ ተኣሚኖም መስቀል ሓቚፎም ነቲ ማዕበል ምጥርጣርን ፍርህን ኣህድእዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መንፈሳውነት ቅዱስ ቍርባን

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘጕልሖ ኻልኣይ ኣረኣእያ ድማ ኣድላይነት መንፈሳውነት ቅዱስ ቍርባን ምምዕባል ዝብል ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ እዋን ዕርገት ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ኣቝጽልቲ ዕምባባታት ናይ ምሕጻብ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ልምዲ ጠቒሶም፡ እዚ ሰናይ ባህሊ እዚ ክርስቶስ ማእከል ክርስትያናዊ ህይወት ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ . . . ናይ ጕዕዞና ሸቶ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ እዩ። ንሱ ማእከል ክርስትያናዊ ህይወት እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ብኣምልኾን ስግደትን ተምበርኪኽና ኣብ ዙርያኡ ድማ ሓደ ኣካል ንምቛም ንእከብ።

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ኣዋጅ ብርሃነ ኣህዛብ ብምጥቃስ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ምስታፍ ንሓድነት ቤተ - ክርስትያን ከም ዘደልድሎን ንኣመንቲ ናብ ዓሚቝ ናይ ሕብረት ስምዒት ክመርሖም ከም ዘለዎን ኣጕሊሖም። “መንፈሳውነት ቅዱስ ቍርባን ምምዕባል ኪበሃል እንከሎ ናብ 'መንፈሳውነት ሓድነት ቤተ ክርስትያን ብፍቕሪ' ኣዕሚቝካ ምእታው ማለት እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንቕድሚት ብተስፋ ምጥማት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል ኣብ መደምደምታ መደረኦም ነታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ - ክርስትያን ካብ ምስክርነት እቶም ኣብ ደሴታት ካናሪ ንታሪኽ ክርስትና ዝቐረጹ ብዙሓት ቅዱሳን ሰብኡትን ኣንስትን ብርታዐ ኽትረክብ ኣተባብዕዋ። ነቶም ምእመናን ኣብ እምነትን ተስፋን ፍቕርን - ልግስን ሓድነት ኪህልዎም ተማሕጸኖም፣ ነዚ ክቡር ዋጋ እዚ ከምቲ ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማይ ዝበሎ "ናብ ኣምላኽ ኪመርሓና ኣብ ሰማይ መንፈሳዊ ህይወትና ዝትንስኡ ሰለስተ ኸዋኽብቲ" እያቶም - ቢሎም - ነታ ኣብ ደሴታት ካናሪ እትርከብ ቤተ - ክርስትያን "Stella Maris - ኰዀብ ባሕሪ ብዝብል መጸውዕ ቅድስቲ ንድንግል ማርያም ኣማዕቍይቦም ንካቶሊካውያን ተልእኾኦም ብምትእምማን ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ እዚ ሕጂ ዘሎ ብድሆታት ሓድነትን ተኣማንነትን ንኽነብሩ ጸጋኡ ክህቦም ድማ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Jun 2026, 16:16