2026.06.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ እደ ጥበብ ንዕርክነት ከገልግል እምበር ክትክኦ የብሉን 2026.06.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ እደ ጥበብ ንዕርክነት ከገልግል እምበር ክትክኦ የብሉን  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ እደ ጥበብ ንዕርክነት ከገልግል እምበር ክትክኦ የብሉን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ቫቲካን ናይ ሓጋይ ዓጸደ ሕጻናት ንደቂ ሰራሕተይናታት ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ንዝሳተፉ ንዘለዉ ኵሎም ሕጻናት ዕለት 22 ሰነ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፡ ህጻናት እደ ጥበብ ብሓላፍነት ክጥቀሙሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና እቶም ሕጻናት ዘቕረቡሎም ሕቶ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምዕዳን፡ ሕጻናት ምስ እደ ጥበብ ዘለዎም ርክብ ሰብኣዊ ርክብ ዝትክእ ከይከውን ብሓላፍነት ክጥቀምሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ ዝምድናታት ይቕድም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዓመተ ትምህርቲ ካብ ናይ ኢድ ተለፎንን ኮምፒዩተርን ታብሌትን ምርሓቕ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዘመላኽት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ረብሓ እደ ጥበብ ኣፍልጦ እኳ እንተሃቡ፡ ንሓቀይና ሰብኣዊ ዝምድና ክትክእ ከም ዘይብሉ የተሓሳስቡ፡ "እደ ጥበብ ኣዝዩ ጽቡቕን ንብዙሕ ነገራት ኣዝዩ ጠቓምን ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እንተኾነ ግን ብሓባር ኣብ እንህልወሉ እዋን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ናይ ኢድ ተለፎን፡ ወይ ታብሌት ኣብ ኢድና ክህልው ኣድላዪ ኣይኮነን - ቢሎም - እቶም ህጻናት ብመሳርሒታት ዘይኮነስ ከም ሰባት ብሓባር ግዜ ከሕልፉ ድማ ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ዕርክነት ምህናጽ፡ ብሓባር ግዜ ምሕላፍ፡ ብሓባር ምጽዋት፡ ምናልባት'ውን ብሓባር ምጽናዕ'ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። ንሕና ደቂ ሰባት ኢና፡ ሰባት ኢና፡ ምስ ካልኦት ርክብ ክህልወና ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ድማ ናብ ህይወት ስድራቤት ኣስፊሖም፡ “ስድራ ብሓባር ኣብ እትህልወሉ እዋን፡ ኩሉ ሰብ ኮፍ ኢሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ቴለፎን ክጥምት ግቡእ ኣይኮነ፡ "ብኸመይ ከም እትዛረብን ብኸመይ ከም እትዘራረብን ብኸመይ ከም እትሕጐስን ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፥ ብተወሳኺ ኣገዳስነት ጸሎት ኣጉሊሖም፡ "ዋላ'ውን መጽሓፍ ቅዱስን ጸሎትን ኣብ ቴለፎናትና ክህልወና ዝከኣል እውን እንተኾነ እግዚኣብሔር ናብ ቴለፎናትና ክጥምት ከምዘይደሊ" ኣዘኻኺሮም፡ "እግዚኣብሄር ናብ ልብናን ናብ ህይወትናን ክጥምት እዩ ዝደሊ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ስነ ኣሃዛዊ እደ ጥበብ ጽግዕተይናነት ምልላይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብፍላይ ነቶም ዓበይቲ ህጻናት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዙሓት መተግበርታት ተጠቀምቲ ንነዊሕ እዋን ንኽጸንሑ ኮነ ኢሎም ዝተዳለዉ ምዃኖም ኣጠንቂቖም፡ "ናይዚ እደ ጥበብ እዚ ጽግዕተይናታት ንኽገብሩና እዮም ዝጽዕሩ፡ ስለዚ ኣብ ኣጠቓቕማ እደ ጥበብ ግብራዊ ገደብ ምግባር፡ ከም ኣብ ዝተወሰነ ሰዓታት ናይ ኢድ ተለፎናትና ምግዳፍን ንዕላልን ስድራ ቤታዊ ንጥፈታትን ቦታ ምሃብን የድሊ” እንክብሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ "ኩላትና ኣብ ናይ መስመር ገመዳት ዝተሰኳዕና ኣይኮናን፡ ንሕና ደቂ ሰባት ኢና - ቢሎም - ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቶም ህጻናት ዝምድናታት ብምዅስኳስ፣ ብጸሎት ንኣምላኽ ብምድላይ፣ ንናጽነቶም ክድርት ካብ ዝኽእል መልክዕ ጽግዕተይናነት ብምርሓቕ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕይወቶም ከማዕብሉ ድማ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ባዕልና ምሕሳብ ክንመሃር ኣሎና

ካልእ መንእሰይ ተሳታፊ ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብምዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ "ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ምሕሳብን ኣብ ህይወትና ናበይ ከም እንኸይድ ንምፍላጥ ወሳኒ ኽእለት ምምዕባልን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፡ ድሕሪኡ ነቶም ቈልዑ ምሉእ ብምሉእ ኣብ እደ ጥበብ ኣብ ክንዲ ዚምርኰሱ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ክእለት ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙሉ ኣተባብዖም፡ "ሓንጎለይ ይዓዪ እንተ ኣልዩ ተሌፎን ኣየድልየንን እዩ። ትምህርትን ሕንጸትን ምምዝዛንን ሰባት ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ መፍትሒ ንኺረኽቡን ከም ዚሕግዞም ድማ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቶም ቆልዑ ምስኦም ሓቢሮም ክጽልዩ ዓዲሞም፡ ድሕሪ ብሓባር ዝዓረገ ጸሎት፡ ጸሎት ኣብ ሕይወትና ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኢየሱስ ኣብዚ ምሳና ክህሉ ኢና ንደሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

23 Jun 2026, 16:08