ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ እዋን ውልትውና ቤተ-ክርስትያን፡ ምስክር ሓድነት ኣብ ዝሓውነት ክትከውን ኣለዋ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ብርታዐ ቤተ-ክርስትያን ካብ ዕቤት ሃብታ ዘይኰነስ፣ ካብ ቅድስና ደቃን ካብ ሕብረት ጓሶታን ከምኡውን ካብ ትሕትናን ጽንዓትን ተኣማንነትን እቶም ብመንፈስ ክምርሑ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት እዩ ዚመጽእ።" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ዕለት 08 ሰነ ኣብቲ ኣብ ከተማ ማድሪድ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ሃገረ እስጳኛ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስ ጳጳሳት እታ ሃገር ረኺቦም ቃለ ምዕዳን ለገሱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጳጳሳት ሃገረ ስጳኛ ዘቕረብዎ መደረ ምሉእ ንምባብ ኣብዚ ጠውቕ!
ብዙሕ ብድሆታት እናሃለወ ኽነሱ፣ ኣብ እምነቶምን ተጸምዶኦምን ብምትብባዕ፣ ንጳጳሳት ሃገረ እስጳኛ "ሓድነት ክሕልዉ፡ ዝርርብ ከማዕብሉ፡ ንምክፍፋላት ክፍውሱ ከምኡውን ንጕዕዞ እቶም ብሕድሪ እተዋህቦም ምእመና ከሰንዩ" ከም እተጸውዑ ኣዘኻኸርዎም።
'ደድሕሪኡ ኢና እንስዕብ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካፈልዎ ቃለ ምዕዳን፣ "ጐይታ እዩ ዚመርሓና" ከምኡውን "ንሱ ጐይታ ታሪኽን ነፍሲ ወከፍ ታሪኽናን እዩ" ክብሉ እውን ኣመልከቱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ውህደትና ይውስኖ ኢዩ። ንሕና ድማ ደድሕሪኡ ኢና እንስዕብ፣ ከም ኣባላት ሓደ ኣካል ኴንና ምስኡ ንመላለስ ድማ ኣሎና" በሉ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ እዚ ዓሚቝ ምትእስሳር እዚ፣ ቤተ-ክርስትያን "ኣብዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምክፍፋልን ግጭታትን ኣብ ብዝሓውነት ዘኽብር ሓድነት ምስክርነት ከተቕርብ" ከም ዝሓትት ድማ ኣትሪሮም ተዛረቡ።
ቅዱስ ኣቦና ነታ ኣብ ሃገረ ስጳኛ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ሃብታም ውህበታታን ባህርያታን ስምዒታታን ክትቅበል እትኽእል፣ ሕብረት ከተማዕብል ከም እተጸውዐት ምስ እትፈልጥ ኢዩ፣ ኣብዚ ዕማም እዚ ኣገልግሎት ጳጳስ ድማ ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።
ብፍቕሪ ንእምነት ምሕላው
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "ንሕና ዝርአ ምልክት ሕብረትን ሓድነትን ክንከውን ዝተጸዋዕና፣ ብቐዳምነት ምስ ክርስቶስ ሕብረት ክህልወና፣ ንቓል ኣምላኽን ንህያው ትውፊት ቤተ-ክርስትያንን ብተኣዛዝነት፣ ነቲ ዝረኸብናዮ እምነት ድማ ብፍቕሪ ክንሕሉ ኢና" ክብሉ ተማሕጸንዎም።
እዚ ድማ ምስ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን ምስ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያንን፣ "ምስ ቤተ ክህነትን ምስ ጉባኤ ጳጳሳትን ብእተቐደሰ ህይወት፣ ከምኡ ውን ምስ ምንቅስቓሳትን፣ ምስ ማሕበራትን ምስ ኵሉ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንሓባራዊ ረብሓ ዝህቦ ሓቀኛ ባህርያትን" ብንጹር ምንባር ዝሓትት ምዃኑ ውን ኣመልከቱሎም።
በዚ ምኽንያት እዚ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ሓድነት ኬደልድሉን ንሕዝቦም ኬሰንይዎምን፣ ኣብ "ህያውነት ወንጌላዊ ተልኾ" ኣበርክቶ ክገብሩን ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ "ውሽጣዊ ሰላም ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን፣ ንኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ካልኦት ሃይማኖታትን፣ ከምኡ ውን ነቶም ዘይኣምኑን ንሲቪላዊ ሰበ-ስልጣንን፣ ኮታስ ንዅሎም እቶም ንሓባራዊ ረብሓ ዝሰርሑ ሰብ ሠናይ ፍቕድ ዝኾኑ ሰባትን፣ ብናጽነት ክትዛረብ ትኽእል እያ" በሉ። ቅዱስ ኣቦ ኣስዒቦም ምስ መንእሰያትን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ዘርኣ ምንኩስና፣ ከምኡ ውን ምስ ተነቀፍቲ ኣካላት ማሕበረሰብ ክቀራረቡ ተማሕጸንዎም።
ንኣገልግሎቶም ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምውፋይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ንሃገረ ስጳኛ "ምድሪ ማርያም" ክብሉ ከም ዝጸውዕዋ እውን ዘኪሮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ ብወገኖም፣ ንቅድስት ድንግል ማርያም "ኣደ ቅዱስ ቍርባንን ተስፋን" ኢሎም ብምጽዋዕ፣ ንጳጳሳት ሃገረ እስጳኛ፣ "ኣብ ጕዕዞኦም ናይ መጀመርታ ብጸይቶምን ምዃናን፣ እቲ ዝዓበየ መዝገቦም" ከም ምዃና እውን ገለጹ።
ቅድስቲ ድግል ማርያም ድማ "ንኣመንቲ ነቲ ቓል ብኸመይ ከም ዝቕበሉን፣ ኣብ ልቦም ከም ዝዕቅብዎን ንደቀ መዛሙርቲ ኣብ መገዶም ከም ዜሰንዮምን፣ ኣብ መላእ ጕዕዞ ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ከም ዝጸንዑን እተርኢ እያ" ክብሉ እውን መስከሩሎም።
ቅዱስነቶም ወሲኾም፣ "ኣብ ማእከል እቶም ብሕድሪ እተዋህቡኹም መጓሰ ሕዝቢ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትሕግዘኩም ንኣገልግሎትካ ናብኣ ብሕድሪ ኣወፍዮ ኣለኹ" ክብሉ ድማ ባረኽዎም።
ንክህነታዊ ህይወት ምዕቃብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ሓምሻይ ሚእቲ ዓመት ሲመተ ክህነት ቅዱስ ዮሓንስ ብዓል ኣቪላ ጠበቓ ካህናት እስጳኛ ምዃኑ እውን ኣዘኻኸርዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ "ሕያዋይን ጥበበኛን መምህር መንፈሳዊ ህይወት፣ ኣብነታዊ ናይ ቤተ-ክርስትያናዊ ህይወትን፣ ክርስትያናዊ ትውፊታት ዘሐደሰ" ከምኡውን "ተራ ካህን" ክብሉ ዝገለጽዎ ዘኪሮም።
ኣብዚ ቅዱስ መምህር ናይ ቤተ-ክርስትያን፣ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ኣብ ውሽጢ ናይ ገዛእ ርእሱ ክህነታዊ ህይወት ከዕቍቦን ከማዕብሎን እተጸውዐ፣ ክህነታዊ ግድነታት እውን ኣፍልጦ ክህቡሉ ከም ዘለዎም ገሊጾም።
ኣብዚ መዳይ እዚ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ናይ ቀረባ ብጾት ጳጳሳት ዝኾኑ “ተራ ኻህናት” ብዝለዓለ ደረጃ ንቃል "ክርስቶስ ዘፍቅሩ፣ ኣብ ጸሎት ሱር ዝሰደዱ፣ ምስ ቤተክርስትያንን ምስ ምእመና ህዝቢ ኣምላኽን ዝቀራረቡ ከምኡውን ጥዑይ ሰረተ-እምነትን ሓዋርያዊ ቅንእን፡ ጕስነታዊ ልግስን ሓድነትን ክህልዎም ዝተጸውዑ" ምዃኖም እውን ኣጕሊሖም።
ጳጳሳት ንካህናት ዘሰንዩ ኣቦታት ኪዀኑ ኣለዎም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ካህናት፣ ኣብ ጳጳሳቶም "ወግዓዊ ስልጣን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምሳታቶም ዝጕዓዙ ኣቦታት"፣ ኣብ ብጾቶም ካህናት ከኣ፣ "ነዚ ዅላትና ንክርስቶስ እንደልየሉ ብኣጋጣሚታት ዝመልአ ጕዕዞ ጸገማትን ሓጐስን ዝካፍሉ ኣሕዋት" ኪረኽቡ ኸም ዘለዎም ተላበውዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ጐይታይ ነቲ ዝገበርካዮ ኽገብር እንተ ደአ ኣዘዝካኒ፣ ልብኻ ሃበኒ" ብምባል ነቲ ካብ ጸሎታት ቅዱስ ዮሓንስ ዘኣቪላ፣ ንኣመንቲ ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ናይ ቤተ-ክርስትያን ተሓድሶ ካብ ንልቢ ክርስቶስ ዝመስል ልቢ ከም ዝውለድ ዘዘኻኸሮም ቅዱስ ብጸሎት ተቒሶም ቃለ ምዕዳኖም ክዛዝሙ ደለዩ።
ንሕናውን በዚ ምኽንያት እዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ "ጐይታይ ኣዒንተይ ናባኻ ኼልዕል፣ ኣብ ጕዕዞ ክቕጽል፡ ኪሰምዕ፡ ብምስትውዓል ኬገልግል፡ ብፍቕሪ ኪእርም፡ ብትዕግስቲ ሓጐስ ኪእውጀሉ ዚኽእል ልቢ ከም ልብኻ ሃበና" ክብሉ ጸለውዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ፣ "እታ ንልቢ ክርስቶስ እትቕበል ቤተ-ክርስትያን፣ ነቲ ዚመርሓ ዚድግፋ ዚከላኸለላን ዜጸናንዓን ዓንዲ ሓዊ፣ ማለት ንዅሉ ብድሆታት ንኽትዋጽኣሉ ዜድሊ ምድላዋት ሒዛ ትኸይድ እያ" ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።
