ር. ሊ. ጳ. ኣብ ማድሪድ፦ ነቲ ዚኸፋፍል መናድቕ ኣፍርሱ ሓነጽቲ ሰላም እውን ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ዘኣልሙዴና፣ ኣብ ከተማ ማድሪድ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ጸሎት ሥነ-ስርዓት፣ ንክርስትያን ምእመናን ነቲ ንሰባት ዚኸፋፍል መካበብያ ከፍርሱን ሓነጽቲ ሕብረትን ስኒትን ሰላምን ዕርቅን ኪዀኑ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ክፍሊ ናይቲ ናብ ሃገረ እስጳኛ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መጀመርታ መዓልታ ዑደቶም፣ ኣብ ከተማ ማድሪድ ኣብ ዝተረኽቡሉ እዋን፣ ናብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ዘኣልሙዴና በጺሖም።

እቲ ካቴድራል እዚ ነቲ ክቡር ኣይቆና ቅድስተ ማርያም ዘኣልሙዴና ተዓቂቡሉ ዘሎ ኮይኑ፣ ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐን ኣብ ታሪኽን መንፈሳዊ ህይወትን ርእሰ ኸተማ ስጳኛ ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ መንፈሳውነት ዓቂቡ ይርከብ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ምሸት ዕለት 08 ሰነ ነቶም ኣብቲ ካቴድራል ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ኣብ ዝለገስዎ ቃል፣ እዚ ኣይቆና እኖና ድንግል ማርያም፣ ኣብ መካበብያ ጥንታዊ ዕርዲ ማድሪድ፣ ኣብ እዋን ስደት ተሓቢኡ ከም ዝደንሐን፣ ስዒቡ ድማ ገለ ኽፋል ናይቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ ከም ብሓድሽ ከም እተረኽበን ዝገልጽ ትውፊታዊ ዛንታ ዘኪሮም ኣስተንተኑ።

ካብ ዝፈረሰ መንደቕ እንረኽቦ ትምህርቲ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ እዛ ኣደን ህዝባን እንደገና ክራኸቡ ዝኸኣሉ እቲ መንደቕ ስለ ዝፈረሰ ምዃኑ ድማ ኣመልከቱ። ነቲ ፍጻመ ከም ሓልዮት ኣምላኽ ገይሮም ብምግላጽ፣ ነቲ ክርስቶስ ብወላዲቱ ኣቢሉ ንምእመናን ዝሕብሮም መገዲ ኸም ዝሕብር እውን ገለጹ።

እቲ መንደቕ ምፍራሱ፣ ኣብ ፈለማ ሕንፍሽፍሽን ወጥርን ክፈጥር ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፣ ሓድሽ ኣጋጣሚታት ኪኸፍትን ንተሓድሶ ኵነታት ክፈጥርን ከም ዝኽእለ ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ድማ፣ ናብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ምልስ ብምባል፣ ብዙሕ መናድቕ ከም ዘሎ ብምዕዛብ፣ ኣብ ክንዳኡስ "ምክፍፋልን ምፍልላይን ወጥርን" ከም ዘሎ ኣስተብሃሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ-ሰባት፣ እዚ ዕንቅፋታት እዚ ክገጥምዎ ዘለዎም ኩነታት ከስዕበሎም ከም ዝኽእል ብምፍራህ፣ ክዕቅብዎ ወይ ዕሽሽ ክብልዎ ኢዩም ዝመርጹ ደአ እምበር ኬርሕቑዎ፣ ኣይፍትኑን ኢዮም ክብሉ እውን ገሊጾም።

ሓድሽ ነገር ምህናጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ መልእኽቲ እኖና ድንግል ማርያም ዘኣልሙዴና፣ "ሓድሽን ጽቡቕን ነባርን ነገር ንምህናጽ፣ መናድቕና ንምፍራስ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና" ክትብል ትምህረና፣ ምኽንያቱ ከምዚ ንምግባር፣ ካብ ህጹጽ ጸገማት ሓሊፍና፣ ብሓባር ንቕድሚት ንምስጓም ዘድሊ ቦታ ስለዝፈጥር ኢዩ ክብሉ ድማ ኣመልከቱ።

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ኣብ ምስክርነት እምነትን ልግስን ተስፋን ጸኒዖም ክጸንሑ ኣተባብዕዎም። ነቲ ፍቕራዊ መደብ እግዚኣብሔር ኣቦ ምእንቲ ኼስተንትኑን፣ ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኖም ምእንቲ ኺነብሩን፣ ብፍቕሪ ኪጸንዑን ከምኡውን ኣብ ዓለም ተልእኾኦም ንምቕጻል ብተስፋ ክብርትዑ ተማሕጸንዎም። ጐይታ ምስ ህዝቡ ኸም ዝጕዓዝን፣ ንሠናይ ዚግበር፣ ዝዀነ ይኹን ጻዕርታት ከም ዚቕበሎን ብምትእምማን፣ ክርስትያን ምእመናን እውን ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ሕብረት ዘለዎ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ኣበርክቶ ኺገብሩ ተጸዊዖም እዮም ክብሉ ተላበውዎም።

ናይ ሕብረትን ሓድነትን መሰኻኽር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቃለ ምዕዳኖም ኣብ ምዝዛም፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ “ናይ ውዳሴ ድንግል” ክብሉ ብምግላጽ፣ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ዘኣልሙዴና ኣብነትን ኣማልድነትን እውን ጠቒሶም፣ ምእመናን ንክርስቶስን ንቤተ-ክርስትያንን ዘለዎም ፍቕሪ ክድልድሉ ጸልዮም።

በዚ ኸምዚ ድማ፣ "ማእሰር ሓድነት ንምምስራት ከምኡውን ነቲ ኣድማሳዊ ቋንቋ ሕብረትን ሕውነታዊ ፍቕርን ስኒትን ንምምላስ" ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ኣመልከቱሎም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቶም ምእመናን ናብ ኣደነታዊ ክንክን ቅድስት ድንግል ማርያም ሕድሪ ኣወፈይዎም፣ "ሓነጽቲ ሰላምን ዕርቅን" ንኪዀኑ ክትሕግዞም እውን ጸልዮም።

09 Jun 2026, 20:24