ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ ናይ ወርሒ ሰነ ናይ ጸሎት መርሓ ግብር 'ንስነ-ምግባራዊ ክብርታት ስፖርት'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ወርሒ ሰነ ናይ ጸሎት መርሓ ግብር ኣውጺኦም፣ ንኵሎም ካቶሊካውያን ምእመናን ድማ፡ ስፖርት ሰላምን፡ ሕውነትን፡ ሕብረትን ምእንቲ ከተባብዕ 'ብሓሳብ ስነ-ምግባራዊ ክብርታት ስፖርት' ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብ ወርሒ ሰነ ምእንቲ ስነ-ምግባራዊ ክብርታት ስፖርት ክጽልዩ ተማሕጺኖም።

እታ ብዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተዳለወት፡ "ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸልዩ" ዘርእስታ ቪድዮ ዝሓለፈ ሓሙስ ኢያ ተዘርጊሓ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎቶም፡ ነቲ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዘሎ ዓቢይ ረብሓታትን፡ ነቲ ስፖርት ዓለም ስፖርት ዘጋጥም ብድሆታትን ብምዝካር፡ ስፖርታዊ ውድድራት ሰላምን ሕውነትን ኬስፋሕፍሕ ጸልዮም።

ቤት ትምህርቲ ሕውነትን ሰላምን ምርኻብን

ንጐይታ ድማ ስለቲ "ውህበት ስፖርትን፡ ብኣካላዊ ምንቅሳቶም ንኣምላኽ ብዜመስግኑን፡ ኣብ ሜዳ ብዝፍጠሩ ዕርክነትን፡ ከም ጋንታ ብሓባር ምጽዋት ብዝፈጥሮ ሓጐስን" ኣመስጊኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ጐይታ "ኣብ ሕይወት ከምቲ ኣብ ጸወታ ሓደ እኳ በይኑ ከም ዘይድሕን" ብኸመይ ከም ዝምህረና ብምዝካር፡ "ካልኦት ክዓብዩን፡ ኣኽብሮት ክመሃሩን፡ ድሩት ዓቕምታትና ክንሰግሮን፡ ነቲ እንረኽቦ ዓወታት ብሓባር ክንጽንብሎን" ኣለና ብምባል ኣትሪሩ ተዛሪቦም ።

በዚ ምኽንያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ስፖርት "ኵሉ ሳዕ ቤት ትምህርቲ ሕውነት ደኣ እምበር ናይ ባዶ ውድድር ከይከውን፡ ናይ ምርኻብ ቦታ ደኣ እምበር ናይ ተነጽሎ ከይከውን፡ ከምኡውን መገዲ ሰላም ደኣ እምበር ዓመጻ ንኸይከውን" ጸልዮም።

ንሰባት ሓድነት ምሃብን ናብ ክርስቶስ ምቕራብን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እቶም ዚጻወቱን፡ ዜሰልጥኑን ወይ ዝድግፉ፡ ኣብ ስፖርት፡ ንባህልታት ዜራኽብን፡ ንህዝብታት ዜሕብርን፡  ኣኽብሮትን፡ ሓድነትን፡ ብሕታዊ ዕቤትን ዚዘርእ ኣድማሳዊ ቋንቋ ክረኽቡ" ናብ ጐይታ ጸልዮም።

ብተወሳኺውን ነፍሲ ወከፍ ስፖርት "ምሳሌ ናይቲ ምሳኻ ዝንበር ሕይወትን፡ ብሓጐስን ብጻዕርን ዝስራሕ፡ ኣብ እዋን ስዕረት ብትሕትና፡ በቲ ብትንሳኤኻ እትህቦ ዓወት ከኣ ምስጋና እንበብሮ ይግበረልና" ክብሉ ጸልዮም።

ከምኡ ውን ቅዱስ ኣቦና "ኣብ ታሪኽ፡ ሕብረትን፡ ሕውነትን ንምህናጽ ምሳኻ ሓቢርና ክንሰርሕ ቅዱስ መንፈስካ ኣይጋደፈና።”

ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

እቲ  ብ1844 ሓዋርያነት ጸሎት ተባሂሉ እተመስረተ  ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማሕበር ኢየሱሳውያን  ብሕድሪ እተዋህበ ጳጳሳዊ ዕዮ ኢዩ።

ኣብ ታሕሳስ 2020 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነዚ ጳጳሳዊ ዕዮ ከም ተቕዋም ናይ ቫቲካን መስረትዎ፣ ኣብ ሓምለ 2024 ድማ ነቲ ናይ መወዳእታ ሕግታቱ ኣጽደቕዎ።

እዚ ተቕዋም እዚ ኣብ ልዕሊ 92 ሃገራት ዝዝርጋሕ ኰይኑ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ንተልእኾ ኣምላኽ ፍቃደይናታት ኰይኖም ክነብሩ ዝቃለሱ ልዕሊ 22 ሚልዮን ሰባት ዝሓቖፈ መንፈሳዊ ሕብረት ኣቚሙ ኣሎ።

ኣብ ማእከል ተልእኾኡ ከኣ፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወርሓዊ ናይ ጸሎት መርሓ ግብር ኣሎ። ንኣባላቱ ድማ ኣብቲ ንደቂ ሰብን ኣብ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ዜጋጥሞም ህጹጽ ብድሆታት ኬተኵሩ ይዕድም።

03 Jun 2026, 13:09