2026.06.02 Maria Montserrat Alvarado 2026.06.02 Maria Montserrat Alvarado 

ር. ሊ. ጳ.፣ ሓዳስ ህየንተ ናይ ሓደ ላዕለትይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር መዚዞም

ኣብዚ እዋን እዚ ኣደ መንበርን ዋና ኣካያዲት ስራሕን መደበር ቴሌቪዥን EWTN ዝኾነት፣ ማሪያ ሞንትሴራት ኣልቫራዶ ንህየንታ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራከቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ተኪኣ፣ ነቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተጀመረ ተሓድሶን ለውጥን ክትቅጽል፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተመዚዛ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንማሪያ ሞንትሴራት ኣልቫራዶ፣ ኣደ መንበርን ዋና ኣካያዲት ስራሕን ናይ ካቶሊካዊ መደበር ቴሌቪዥን EWTN ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት፣ ካብ ዕለት 1 ሕዳር 2026 ጀሚራ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይና ክትመርሕ መዘዝዋ።

ኣልቫራዶ ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ተወሊዳ፣ ካብ ኣህጉራዊ መንበረ ጥበብ ፍሎሪዳን ከምኡውን ካብ መንበረ ጥበብብ ጆርጅ ዋሽንግተን ናይ ትምህርቲ ልዑል መዓርግ ዝረኽበር ኢያ። ካብ 2009 ዓ.ም. ክሳዕ 2023 ዓ.ም. ኣብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ቤከት ንሃይማኖታዊ ሓርነት ብዝተፈላለዩ መርሕነታት ክትመርሕ ጸንሐት፣ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ንምክልኻልን፣ ሰብኣዊ ክብረት ንምድንፋዕን ኣብ እተወፈየ ተበግሶታት ድማ ዘገልገለት እያ።

ካብ 2023 ዓ.ም. ኣትሒዛ፣ ኣደ መንበርን ዋና ኣካያዲት ስራሕን ናይቲ EWTN News ተባሂሉ ዝፍለጥ ካቶሊካዊ መደበር ቴሌቪዝንን ኣብ ክፍሊ ዜና ናይ Eternal Word Television Network ኰይና ኣገልጊላ፣ ዶ/ር ኣልቫራዶ ኣብ ኣገልግሎት ተለቪዥንን ረድዮን ዲጂታላዊ ሕትመታትን ከምኡውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ብሸውዓተ ቛንቋታት ትሕዝቶታት ንዘዳልዉ ኣህጉራውያን መራኸቢ ብዙሓን ክትመርሕ ዝጸንሐት ውን ኢያ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ናብ መንበረ ጴጥሮስ ድሕሪ ምቕማጦም፣ ነቲ ብርእሰ ሊቃነነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተጀመረ ተሓድዶ ናይ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እውን ይቕጽልዎ ኣለዉ። ኣልቫራዶ ናይ ሓደ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ዝዀነት ናይ መጀመርታ ምእመን ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ብዕለት 27 ሰነ 2015 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ክፍሊ ተሓድሶ ናይ ኩርያ ሮማና፣ ኮይኑ እተመስረተ ባዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክትመርሕን፣ እንተላይ ንዜና ቫቲካን፡ ራድዮ ቫቲካን፡ ሎዞርቫቶሬ ሮማኖ፡ ቫቲካን ሜድያ (ኣገልግሎት ፎቶን ኣውድዮን ቪድዮን ቫቲካን)፣ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፡ ቤት ሕትመት ሃገረ ቫቲካንን ከምኡውን ቤተ መዝገብ ፊልምታት ቫቲካናን ከተመሓድር ኢያ። ኣብ ርእሲ እቲ ምዱብ ምሕደራን ተክኖሎጅያው ዕዮታት እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት፣ ነቲ ግቡእ ስነ-መለኮታውን ጉሥነታውን መዳያትን ንጥፈታት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓውዲ ሕዝባዊ ርክባትን ምልውዋጥ ሓበሬታታትን ኣብ ምምዕባል ምዕማቑንን እውን ከተገልግል ኢያ። ዶ/ር ኣልቫራዶ እትትኮ ዘላ፣ እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ መጀመርታ ምእመናን ህየንተ ናይ ኩርያ ሮማና ክኸውን ዝሾምዎ ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ መበል 70 ዓመት ዕድሚኡ ክመልእ ኢዩ።

ዶ/ር ኣልቫራዶ ደድሕሪ እዚ ሓበሬታ ምዝርግሑ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ከምዚ በለት፦ "እዚ መዝነት እዚ ዘይተጸበኽዎ እኳ እንተ ነበረ፣ ቅዱስ ኣቦና ዘመነ ኣገልግሎቶም ኣብ ዝጅመሩሉ ዘለዉ፣ ኣነ ውን ንቅዱስነቶም ከገልግል ብልባዊ ባህጊ እየ ዝቕበሎ ዘለኹ። ንዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ስለቲ ዝገበሮ መሪሕነት አመስግኖ፣ ነቲ ኣብ ሮማን ኣብ ኵሉ ቦታታትን ንዘሎ ቤተ-ክርስትያን ንክርስቶስ፣ ናብ ዓለም ንምምሕልላፍን ንምቕጻልን ነዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንምድልዳልን ዘለዎ ኣገዳሲ ዕዮ ብምሕዝነትን ተስፋን ክቕጽል ብሃንቀውታ እየ ዝጽበ" በለት።

ዶ/ር ሩፊኒ ናብ ንሰራሕተይናታት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሃሊ ላዕለውይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከምዚ በለ፦ "እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈታና ምስቲ ብቕልጡፍ ዚቀያየር ዘሎ፣ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም፣ ብቐጻሊ ናይ ምስምማዕ ግዴታ ኣብ ውሽጣዊ መንነቱ ተሰሪቱ ኢዩ ዘሎ። ከም ትካል ካብ እንውለድ ኣትሒዝና፣ እቲ ዝመርሕ ኰዀብና ድማ እዚ እዩ ዝንበረ፣ ሕጂ እውን ኣሎ፦ ፈጺምና ደው ክንብል፣ እናጐየና ድማ ብጽንዓት ምሕላፍ፣ ኣብዝን ሕጅን ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፣ ከም መተሓላለፊ ምስኖን፣ ናይ መራኸቢ መሳርሕን ምስ ግዜ እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ናይ ሕዝባዊ ርክባት ምልውዋጥ እዩ ዝጕዓዝ ዘሎ። ኣብቲ ናይ ስራሕ ህይወትና ዝርከብ ነዊሕ ጕዕዞ፣ ጡረታ ዝወጸሉ ዕድመ ማለት 70 ዓመት ምስ በጻሕኩ፣ ነቲ መሪሕነት ናብ ሞንትሴራት ኣልቫራዶ ከም ቀጻሊት ህየንተ ናይ ተልእኾ ገይረ ኸመሓላልፎ እየ። ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ንፋለጥ ኢና። ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ኣዋርሕ ድማ፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ብዘለዎ ናይ ሕብረት መንፈስ ብቐረባ ክንዓዪ ኢና" ክብል እውን ኣመላኸተ።

"ነቶም ዓበይቲ ስድራቤት እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ስለቲ ኣብዘን ሸሞንተ ዓመታት ብሓባርና ዝገበርናዮ ጕዕዞ አመስግኖም ኢየ። እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ምግልጋል ከምኡውን ኣብ መንፈስ ሓድነትን ግሉጽነትን ናይ ምግልጋል ተልእኾኡ እናዓበየ ንኽኸይድ ንምሕጋዝ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ብዘይ ገለ ጸገም ናይ ምስግጋር መስርሕ ንጅምር ኣለና።"

ኣቦ መንበር ቦርድን ሓፈሻዊ ኣመሓዳሪ መደበር ቴሌቪዥን EWTN ማይክል ፒ. ዋርሶ ብወገኑ፣ ዶ/ር ኣልቫራዶ ኣብቲ መርበብ ኣብ ዘገልገለትሉ ዓመታት "ምስኣ ናይ ምዕያይ ፍሉይ መሰል ዘለዎም ሰባት ምትእምማንን ኣኽብሮትን" ከም ዝረኸበት ገለጸ። ወሲኹ ድማ "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ንዘመነ ጵጵስናኦም ንምግልጋል ነዚ ኣገዳሲ ተልእኾ ክትጅምር ከላ፣ ጸሎትናን ምትብባዕናን ምሉእ ደገፍ ስድራቤት EWTN ነወፍየላ ኣሎና" በለ።

03 Jun 2026, 12:10