ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ እግዚኣብሔር ንመራሕቲ ዓለም ናብ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ይምርሓዮም! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ እግዚኣብሔር ንመራሕቲ ዓለም ናብ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ይምርሓዮም!  (ANSA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ እግዚኣብሔር ንመራሕቲ ዓለም ናብ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ይምርሓዮም!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 31 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንሰላም ዘቕርብዎ ጻውዒት አሐዲሶም፣ እግዚኣብሔር ንመራሕቲ ዓለም ናብ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ክመርሖም ጸሎቶም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ መካነ ንግደት ፒየካሪ ንዝተኣከቡ ሕሙማን ነጋድያንን ሰላምታኦም ኣመሓላሊፎም ናይ ሓልዮት ባህሊ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳም ዕለት 30 ግንቦት ምሸት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣብ ዘሎ በዓቲ ሉርደስ ብኣኦም ዝተመርሐ ዓለም ሓቆፍ ጸሎት መቝጸርያ ምእንቲ ሰላም ብምዝካር ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም እናሓሰቡ ነቲ ጐይታ ጥራይ ክህቦ ዝኽእል "ውህበት ሰላም" ክተውህበና ከም እተማሕጸኑን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብቲ ኣብ ዝተኻየደ ጸሎት መቝጸርያ ኣስታትን 2 ሺሕ ምእመናንን ካልኦት ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ምመናን እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከባ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ከም ዝሓበሩ የዘኻኽር።

ሰንበት ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 20 ሺሕ ምእመናን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ፡ ሕጂ’ውን ንሰላም ጸሎትና ኣይነቋርጽ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ኣብ ምሉእ ወርሒ ግንቦት ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ንሰላም ስሙር ጸሎት ክብ ከም ዘበለትን፡ ብፍላይ ብጸሎተ መቝጸርያ ከም ዘይተበታተኸ ሰንሰለት ምእመናን ነቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ህዝብታት ንኣማላድነት ድንግል ማርያም ሕድሪ ዝሃቡን። መለኮታዊ ጥበብ ንሕልና ናይቶም ስልጣን ዝሓዙን ንውሳኔታቶም ናብ ልባዊ ምድላይ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ይምራሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መዓልቲ ረድኤት፡ ምድንፋዕ ናይ ክንክን ባህሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኢጣልያ መበል 25 ዓመት መዓልቲ ረድኤት ተብዕል ከምዘላ ኣመልኪቶም፣ እዚ መዓልቲ እዚ ሎሚ ዓመት “ክከናኸን እየ” ዝብል መርሕ ቃል ዘለዎ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ "ምስ ዝሓመሙን ምስ ኩሎም ዝከናኸንዎምን ቅርበተይ አረጋግጽ። ናይ ምቅርራብን ሓልዮትን ባህሊ ንምስፋሕ ንዝሕግዙ ኪሎም ድማ አመስግንን አተባብዕን - ቢሎም - እቲ ተበግሶ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ስቓይ ምፍዋስ ኣገዳሲ ምዃኑ ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ ኣብ መሕወዪ ክንክን፡ ምቁጽጻር ቃንዛ፡ ሰብኣውነት ክንክን ጥዕና፡ ከምኡ’ውን ንሕሙማትን ስድራቤቶምን ዝድግፉ ወለንተይናታት ዘድሊ ስልጠና ክወሃብ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሰላምታ ንነጋድያን ፖላንድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ ማርያም ኣደ ማሕበራዊ ፍትሒ ተባሂላ ኣብ እትግለጸሉ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ መካነ ንግደት ፒየካሪ ንዝነገዱ ኣናሓሰቡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምመናን ፖላንድ ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ እዚ መካነ ንግደት ካብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ማእከል መንፈሳውነት ድንግል ማርያም ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም ብመሰረት ልምዲ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ግንቦት ዓቢ ንግደት ብመንእሰያት ከም ዝካየድን ዓሰርተታት ኣሽሓት ነጋድያን ናብቲ መካነ ንግደት ከም ዝውሕዙን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ተመሳሳሊ ንግደት እውን ዝካየድ ምዃኑ የዘኻኽር።

01 Jun 2026, 15:42