ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቴነሪፈ፦ ‘ውቅያኖስ ፍቕሪ’ ክርስቶስ ክፈቱ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ነቲ ዘደንቕ ወደብ ሳንታ ክሩዝ ደ ቴነሪፈን፡ ነቲ ብድሕሪኦም ዘንጸባርቕ ዝነበረ ማያት ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ከም ድሕረ-ባይታ ብምግባር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ ደሴታት ካናሪ ዘካየድዎ ዑደት፡ ምስኡ ድማ ነቲ ኣብ ሃገረ ስጳኛ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም። ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ኣምላኽ፡ ንኵሎም ምእመናን ነቲ ሓጎስን፡ ተስፋን፡ ሓዘንን፡ ጭንቀትን ኵሉ ሰብ ዝቃልሓሉ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ከም ማእከል ታሪኽ ወዲ ሰብ ገይሮም ከስተንትኑ ዓዲሞም።
“ዝኾነ ሰብ ንበይኑ ደሴት ኣይኮነን” ብምባል ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ክርስትያናዊ ሕይወት ናብ ካልኦትን ናብ ኣምላኽን ዝግበር ቀጻሊ ጉዕዞ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ሰባት ብህውከትን፡ ፍቕሪ ንዋትን፡ ረብሓን ጥራይ ኣብ ዝተዋሕጠሉ ሕብረተሰብ፡ ኣብ “ፈርያም ዘይኮነ ምንቅስቓስ” ከይወድቁ ኣጠንቂቖም።
ኣብቲ ኣብ ብቱሪዝም ጥራይ ዝተመርኰሰ ዞባ፡ ነበርቲ ይኹኑ በጻሕቲ፡ ካብ ንግዳዊ ረብሓ ንላዕሊ፡ ትሕትናን፡ ምስጋናን፡ ክብርታት ሰባዊ ርክባትን ዳግማይ ክረኽቡ ተማሕጺኖም። ከምኡ ድማ፡ “ሕይወት ክትህብ ከለኻ ኢኻ ሕይወት እትረክብ” ክብሉ ቅዱስነቶም ኣገንዚቦም።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብቲ ናይ ዕለቱ ቅዱስ ወንጌል ብምስትንታን፡ ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ዘለዉ፡ ኣብ መደብ ኣምላኽ ዘለዎም ፍሉይ ቦታ ኣጉሊሖም። መለኮታዊ ግልጸት፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ነቶም ዓለም ከም ትሑታትን፡ ዓቕሚ ዘይብሎምን ገይራ እትቆጽሮም ሰባት ከም ዝግለጽ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ “አነ አፍቀርኩከ” (Dilexi Te) ዝተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽቶም ብምጥቃስ፡ ድኻታት ሓገዝ ጥራይ ዝቕበሉ ዘይኮኑስ፡ ንቤተ-ክርስትያን ባዕላ ክሰብኩ ዝኽእሉ ናይ ጥበብ ተሸከምቲ ምዃኖም ገሊጾም።
ስደትን ኣቀባብላ ጋሻን ኣብ ቴነሪፈ
ደሴታት ካናሪ ነቶም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ሰጊሮም ዝመጹ ስደተኛታት ቀንዲ መሳገሪ ነጥቢ እየን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስብከቶም፡ ንስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ መሪር ግፍዕን፡ እቲ ብነጋዶ ደቂ-ሰባት ዝወርዶም ምዝመዛን ብምጥቃስ፡ ኵሎም ክርስትያናትን ንዋታዊ ሓገዝ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓቂ ሕውነት ከርእዩ ጸዊዖም።
ነቲ ምቾትን ውልቀ-ሰብኣዊነትን ዝዓብለሎ ሕብረተሰብ፡ ተመክሮ ድኻታትን፡ ስደተኛታትን ከም ምንጪ ጥበብ ክርእይዎ ከምዝግባእ ገሊጾም። ነቲ ምስቶም ሓደስቲ መጻእቲ ዝግበር ርክብ ከኣ፡ ንማሕበረሰቦም ንምልዋጥ ክጥቀሙሉ ድማ ተማሕጺኖም።
ብልቢ ክርስቶስ ምርኣይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ስብከቶም ክዛዝሙ ከለዉ፡ ንሕዝቢ ደሴታት ካናሪ ስለቲ ዘርኣይዎ ናይ ኣቀባብላ ጋሻን ሕውነትን ምስጋናኦም ገሊጾም።
ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ንመንእሰያትን፡ ንድኹማትን፡ ንሃብታማትን፡ ድኻታትን፡ ከምኡ’ውን ንነበርትን በጻሕትን ፍሉይ ቆላሕታ ክህቡ ኣተሓሳሲቦም። ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ብምጥቃስ ድማ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሎም ኣዘኻኺሮም።
ቅዱስነቶም ብምቕጻል፡ ምእመናን፡ ካልኦት ሰባት ነቲ ኣብ ልቢ ክርስቶስ ዘሎ “ውቅያኖስ ፍቕሪ” ክረኽቡ ክሕግዙ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ድማ ምስ ኣምላኽን፡ ምስ ኣሕዋቶምን ኣብ ዝግበር ርክባት፡ ዝኾነ ሰብ ዝተገለለ ኰይኑ ከይስምዖ ንምግባር እዩ።
ስንብታን ምስጋናን
ኣብ መወዳእታ እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነቲ ኣብ ማድሪድ፡ ባርሴሎና፡ ሞንትሰራት፡ ከምኡ’ውን ደሴታት ካናሪ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንምድላው ዝሓገዙ ኵሎም ብምጥቃስ፡ “ንኣምላኽን ነቶም ብብዙሕ መገድታት ዝተቐበሉኒ ኵሎምን አመስግን” ክብሉ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።
“በቲ ዝተገብረለይ ዓቢ ፍቕሪ ልበይ ተተንኪፉ እየ ናብ ሮማ ዝምለስ ዘለኹ” ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “በቲ ነታ ቤተ-ክርስትያን ዘርኣዩዋ ናይ እምነትን ፍቕርን ምስክርነት፡ ከምኡ’ውን በቲ ዓቢ ካቶሊካዊ ልቢ ሃገረ ስጳኛ ተጸናኒዔ እየ” ኢሎም።
