ር.ሊ.ጳ. ልዮን ሃገራት ካብቶም ሓልዮት ዘድልዮም ሰባት ገዛእ. ርእሶም ከየርሕቑ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 21 ሰነ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተይናታት ምዃኑ ብምዝካር፡ ነቶም ካብ ኣሳዶን ኣድልዎን ዓመጽን ግጭትን ክሃድሙ እተገደዱ ሰባት ንምዕቋብ ሓድሽ ተወፋይነት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ መበል 75 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 1951 ብዝተኸተመ ውዕል ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምዝካር መሰላት ስደተይናታት ንምሕላውን ነቶም ካብ ሃገሮም ክወጹ እተገደዱ ሕጋዊ ዕቝባ ንምሃብ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተመስረተ ኣህጉራዊ ስምምዕ፡ ነባሪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጒሊሖም፡ "እዚ ኣገዳሲ ኣህጉራዊ ሰነድ ንምቛም ዘነቓቐሖ መንፈስ ሎሚ ንሕልና እቶም ናይ ሃገራት ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ከብርህ ተስፋ እገብር - ቢሎም - ኣብ ቅድሚ ስቓይ ደቂ ሰብ ዘይምግዳስ ኣማራጺ ከም ዘይኰነ ኣጕሊሖም፡ "ካብቶም ዕቝባን ድሕንነትን ዝደልዩ ሰባት ኣገዳስነታት ገዛእ ርእሱ ከርሕቕ ዝኽእል የለን፡ ሕብረተ ሰብ ነቶም መስጐጕቲ ዘጋጠሞም ሰባት "ብሰላምን ብኽብረትን" ምእንቲ ኺነብሩን ንመጻኢ ብተስፋ ምእንቲ ኺጥምቱን ኪቕበሎምን ከአንግዶም አተባብዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጸሎት ንመንእሰያት ግዳያት ኣብ ብራዚል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ካብ ብራዚል ዝመጹ ኣብቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ንዝሓበሩ ኣብ ዘቕረብዎ ሰላምታ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ግዝኣት ሴራ ዘጋጠመ ናይ መገዲ ሓደጋ ህይወት ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝጠፈአ ብምዝካር፡ "ምእንቲ እቶም ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ግዝኣት ሴራ ብሓደጋ መገዲ ዝሞቱ መንእሰያት ጸሎተይ ከረጋግጽ እደሊ - ቢሎም - እቲ ዜሕዝን ፍጻመ ሸውዓተ ኣባላት ሻሂ ዅዕሶ ሰኪዐት ዝርከብዎም ካብ 15 ክሳዕ 22 ዓመት ዝዕድሚኦም ተመሃሮን ምሩቓትን ካብ ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲ ብራዚል ከተማ ዡኣዚሮ ዶ ኖርተ ዝመጹ ምዃኖም እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ዘተ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን ካቶሊክን ጴንጠቆስርጠን
ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት እቲ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ተወከልቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብ ጰንጠቈስጠን ብሓባራዊ ምርድዳእን ክርስትያናዊ ሕውነትን ዘጣመረ ኣህጉራዊ ካቶሊክን ጰንጠቈስጠን ጉባኤ ዘተ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጵጥሮስ ዝተረክቡ ኣባላት ናይቲ ክሌኣዊ ናይ ዘተ ሽማግለ ፡መምርሒ ጸሎት መምርሒ እምነት እዩ ዝብል ጥንታዊ መትክል ብምዝካር፡ ኣብ መንጎ ጸሎትን እምነት ዘሎ ምትእስሳር ብሓባር ምስትንታን ብፍላይ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ክሌኣዊ ዘተ እዚ ኣብ መንጎ ክርስትያን ኣብ ምስክርነትን ኣገልግሎትን ምትሕብባርን ዘተባብዕ ዝያዳ ምርድዳእ ንምምዕባል ዝዓለመ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
