ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንውጥን መግቢ ዓለም፡ ግርጭታት ካብቲ ሰባት ዝምገቡ ንላዕሊ ብቐሊሉ 'ይምገቡ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሮማ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውጥን መግቢ ዓለም ምብጻሕ ኣካይዶም፡ መግቢ፡ ማይን ክንክን ጥዕናን ኣብ ትሕቲ ስነ ፖለቲካዊ አቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ረብሓታት ክግዛእ ከምዘይክእል ኣስተብሂሎም፡ ሃገራት ብዝተሓደሰ ብዝሓ ጎናዊ ምትእስሳር ብሓባር ክሰርሑ ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ብሓባር ምስ እንዓዪ ንጥሜትን ጕድለት ኣመጋግባን ናይ ምቅላስ ህጹጽ ዕማም ንካፈል፡ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ድማ ክንፈትሖ ኢና። ነዚ ዕማም እዚ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምፍጻም ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆታትን መሰረታዊ ምኽንያታቱን ነባሪ መፍትሒታት ክንምርምር ኣሎና እንክብሉ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣተሓሳሲቦም፡ ብዝሓ ጎናዊ ምትእስሳር ኣገዳሲ እዩ፡ ከም ማይ፡ መግቢን ክንክን ጥዕናን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ድሌታት ኣብ ትሕቲ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ረብሓታት ክግዝኡ ከምዘይክእሉ ድማ ኣስሚሮም፡ ነቲ ኣብ ህጹጽ ኩነታትን ኣብ ሞንጎ ግጭታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ህይወት ንምድሓን እቲ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝገብሮ ተወፋይነት ብምምስጋን፡ ትካሎም ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰብኣዊ ክብሪ ንምሕላውን ሕውነት ንምዕባይን ዘለዋ ተልእኾ ብዕምቆት ከምዝሰማማዕ ኣመልኪቶም። ሎሚ ቅልውላዋት ካብ ዝተነጸሉ ፍጻመታት ናብ ቀጻሊ ክውንነት ከም ዝማዕበሉን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭታት፡ ሕዱር ዘይውሕስነት መግቢ፡ ቁጠባዊ ዘይርጉእነትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተቓላዕነት ምህዳርን ከም ዝልለ ድማ ኣስተብሂሎም፡ እዚ ክውንነት እዚ፡ "እንታይ ዓይነት ቅርጺ ናይቲ ዓለማዊ ስርዓት እዩ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ከፍሪ፡ ክባዝሕን ሓድሓደ ግዜ ድማ ንቡር ክገብሮን ዝኽእል" ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ከም ዘልዕል ኣመልኪቶም፡ እቲ ጸገም ኣብ ብኸመይ ጣልቃ ምእታው ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነስ እቲ ስርዓት ስለምንታይ ብቐጻሊ ተመሳሳሊ ጸገማት ከም ዜምጽእ ምርዳእ ከም ዘስፍሕ ድማ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እናተበታተነ ዝኸይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ስርዓት

ኣህጉራዊ ስርዓት ብኸፊል ብሰንኪ ቅልውላው ብዝሓ ጎናዊ ስርዓት እናተበታተነ ይኽይድ ከምዘሎ ጓሂኦም ገሊጾም፡ ሃገራት ነቲ ኣብ መንጎ እዚ ጕዳያትን ኣብ መንጎ ብዙሓ ጎናዊ ምትሕብባርን ዘሎ ጥብቂ ምትእስሳር ዕሽሽ ብምባል ሃብተን ኣብ ሃገራዊ ድሕንነትን ቍጠባዊ ዕቤትን ውሽጣዊ ርግኣትን ከም ዘውዕላን እዚ ዝንባለ ጠንቂ ዘይምዕሩይነትን ምግምማዕን ኢፍትሓውነት ከም ዝኸውን ድማ ኣጊሊሖም፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ሰብኣዊ ስጕምትታት በቲ ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ምቕራብ ከደናጕይ ዝኽእል ቤት ጽሕፈታዊ ኣሰራርሓታት ምኽንያት ጾር እናወሰኸ ይኸይድ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣገዳስነታት እንኮላይ መግቢ ምርካብ መብዛሕትኡ ግዜ ብቝጠባዊ ወይ ስነ ሜላዊ ረቛሒታት ከም ዝጽሎ ድማ የስተብህሉ።

ግርጭታት ካብቲ ሰባት ዝምገቡ ንላዕሊ ብቐሊሉ “ይምገቡ”

ከም ውጽኢቱ ድማ እቶም ብቑጽሪ ዝግመት ዋጋ ዘየመንጩዉ ዘይርኣዩ ክኾኑ ንዘገብር ሓደጋ ይቃልዑ። እዚ ድማ ስነ - ምግባራዊ ብድሆ ይፈጥር፡ ሰብኣውነት ሰብ ብቐጻሊ ኣብ ማእከል ኣህጉራዊ ስጉምቲ ክይህሉ ይገብር። ኣብዚ መዳይ እዚ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘጕልሕዎ "ዓይነት ረድኤትን ውጥናት ምዕባለን ብዝተሓላለኹን ክርድኡ ብዘይክእሉን ፖለቲካዊ ውሳኔታት፡ ዝተዛብዐ ስነ - ሓሳባዊ ርእየታት፡ ከምኡ'ውን ዘይስገር ልድምድታት ክዕንቀፉ እንከለዉ፡ ኣጽዋር ግን ከምኡ ከምዘይኮነ" ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ብሓቂ ግርጭታት ካብቲ ክምገቡ ዘለዎም ሰባት ንላዕሊ ይምገቡ፡ እዚ ክውንነት እዚ ስርሒታዊ ጉድለታት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ፖለቲካውን ግብረ ገባውን ቀዳምነታት መሰረታዊ ዘይምዕሩይነት እውን ዘንጸባርቕ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህላወ ውድብ መግቢ ዓለም ቅልውላዋት ከይበርኽ ይሕግዝ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሳዕቤናት ካብቶም ብቕጽበት ዝተጎድኡ ኣጸቢቑ ዝዝርጋሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ጥሜት ንማሕበራዊ ሓድነት የዳኽሞ ግጭት የስሕፍሕ ከምኡውን ግዲ ስደት የጐሃህር፡ ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ተበጊሶም ድማ ሰብኣዊ ተግባር ካብ ኣህጉራዊ ስርዓት ወጻኢ ከም ዘይኰነ ኣጕሊሖም፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ከኣ ሓድነት ንምድልዳል ምግላል ምቅዋም ከምኡውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተፈጥሮኣዊ ክብረት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣጕሊሖም፡ "ስለዚ ካብ ምቍጽጻር ቅልውላው ሓሊፉ ኣህጉራውያን ትካላት ሓባራዊ ሓላፍነት ናይ ምሓዝ መሰረታዊ ስርዓት የጠቓልል፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከኣ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ተኣፈፍቲ ዅነታት ዘለዉ ሰባት ብምሕሳብ ሓድነት ከም ዘለዎ የረጋግጻ። በዚ መዳይ እዚ ድማ "ውጥን መግቢ ዓለም ካብ ፖለቲካዊ፣ ቍጠባዊ ወይ ግብራዊ ተዋሳኢ ንላዕሊ እዩ። ጭቡጥ መግለጺ ኣህጉራዊ ሓድነት እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሃገራዊ ትካላት ኣብ ዝደኸመሉን ማሕበረሰብ መራኸቢታት ኣብ ዝበታተነሉን እዋን ህላወኡ ሰብኣዊ ቅልውላው ናብ ዘይምለስ ውድቀት ንኸይቅየር ይሕግዝ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንብዙሕነታዊ ምትሕግጋዝ ዝተሓደሰ ተወፋይነት

በዚ ምኽንያት ድማ ንብዝሓ ጎናዊ ምትሕግጋዝ ዝተሓደሰ ተወፋይነት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም። "ንመንግስታትን ህዝብታትን ዓለም ተወፋይነቶም ከሐድሱን ከሐይሉን፡ ንጥምየትን ሱር ጠንቁን ንምምካት ዝውፈ ጸጋታት ክብዝሑ፡ ከምኡ'ውን ሓገዝ ናብቶም ዘድልዮም ሰባት ከይበጽሕ ዝዓግቱ ዕንቅፋታት ከወግዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ከምዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ቤተክርስትያንን በርገሳዊ ማሕበራትን ምትእስሳር'ውን ከደልድል ይግባእ። "ዓቕሚ ናይዞም ኩሎም ተዋሳእቲ ብሓባር ምድልዳል፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጥምየት ዘለና ሓባራዊ ኣድማዕነት ከዕብዮ መታን። ነዚ ጻውዒት ንምትግባር፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ሓገዝ ኣብ ክንዲ ዝዕንቅፍ ንሰባት ከገልግል ዘይበቅዕ ቤት ጽሕፈታዊ ኣሰራርሓ  ብኣድማዒ መንገዲ ምንካይ ከምዘድሊ ኣጽኒዖም ብምምልካት፡ መንግስታት ውጽኢታዊ ግዝኣታዊ ምቁጽጻር ኣብ ዘይብሎም ወይ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ኣብ ዝተገደበሉ ኩነታት፡ እሙናት ናይ ውሽጢ ዓዲ መሻርኽቲ መተካእታ ዘይብሎም ይኾኑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰብኣዊ ጻዕርታት ምድጋፍ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን - ብቝምስናታት፡ ብሰበኻትት፡ ብናይ ካሪታስ ትካላትን ብኻልእ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ተበግሶታትን ኣቢላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ ኣብ ዘይብጻሕ ከባቢታት ናብ ተቓላዕቲ ህዝቢ ከም እትበጽሕ ብምግንዛብ፡ ንውጥን መግቢ ዓለምን መሻርኽቱን ነዚ ጻዕርታት እዚ ክቕጽልዎ ኣብተባቢዖም። ድሌታት ኣመጋግባ ምምላእ፡ ስቓይ ዘቃልል ጥራይ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ጠንቅታት ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ዘይምርግጋእ'ውን ከም ዝምልስ ኣስሚሮም፡ ምኽንያቱ "ውሕስነት መግቢ ኣገዳሲ ኣካል ዓለማውን ውሁድ ድሕነት እዩ - ቢሎም - ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ውጥን መግቢ ዓለም ኪኖ ስርሒታት ህጹጽ ምላሽ ብምዝርጋሕ፡ ከም ንህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ መግቢ ዝህቡ መደባት ዝኣመሰሉ ናይ ነዊሕ እዋን ተበግሶታት ንምርግጋጽ ዘካይዶ ጻዕርታት ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተኣማንነት ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ባዕሉ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ

"እቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ነገር ውጽኢታዊነት ሓደ ትካል ጥራይ ዘይኰነስ ተኣማንነት ኣህጉራዊ ምትሕብባር እውን እዩ" ብምባል ትካል ውጥን መግቢ ዓለም ሓድሽ መገዲ ዝከኣል ምዃኑ ከም ዘርኣየ ገሊጾም፡ ይኹን እምበር እዚ ነቲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ነገር ንምቕላል ነቲ መሰረታዊ ነገራት ቀዳምነት ንምሃብ ከምኡውን ዋላ ሓደ ሰብ ከይርሳዕ ምግባር ቈራጽነት ከም ዝሓትት ኣትሪሮም ብምዝኽካር፡ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም "ኵላቶም ናይ ዕለት እንጌራኦም ምእንቲ ኺረኽቡ ብኽብሪ ምእንቲ ኺነብሩን ኣምላኽ ጻዕርታትኩም ኪባርኾ እጽልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Jun 2026, 16:10