ር. ሊ. ጳ. ልዮን ናብ ውጥን መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሮማ ክበጽሑ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14፣ ካብ ፈጻሚ ዳይረክተር ውጥን መግቢ ዓለም ዝቐረበ ጻውዒት ብምቕባል፣ ሰኑይ ዕልት 22 ሰነ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ውድብ ክበጽሑን፣ ምስ ተሳተፍቲ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ፈጻሚት ቦርድን ሰራሕተኛታትን ስድራቤቶምን ክራኸቡ ኢዮም።"
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፣ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቲ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ካብ ቤተ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓሳብ ጸሎት፣ "ኵሉ ሰብ ምግቢ ምእንቲ ኺረክብ" ብዝብል ክግበረ ከም ዝተላበዉ ዝዝከር ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ነዚ ዕላማ እዚ ክጽልዩን ኪዓዩን ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሕ ምግቢ እናባኸነ ክንሱ ብጥሜት ይሳቐዩ ኸም ዘለዉ እውን ኣጕልሑ።
ብመሰረት ናይ 2026 ዓ.ም. ውጥን መግቢ ዓለም ዝሃቦ መግለጺ፣ ብዓለምለኻዊ ኣመለኻኽታ ኣብዚ ዓመት እዚ 318 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ቅልውላው ወይ ዝገደደ ዅነታት ከጋጥሞም ኢዩ ይብል።
እቲ ትካል ወሲኹ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘጋጠመ ግጭት፣ ቅድሚ መፋርቕ ናይዚ ዓመት እዚ 45 ሚልዮን ተወሰኽቲ ሰባት ከቢድ ጥሜት ከም ዘጋጥሞምን ከጋጥም ከም ዝኽእልን ኣጠንቂቑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዕለት 16 ጥቅምቲ 2025 ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (FAO) እውን ከም ዝበጽሑ ዝዝከር ኢዩ።
ኣብኡ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ቅድስቲ መንበር ምስቲ ትካል ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ደጊሞም ኣረጋገጹ፣ ጥሜትን ጕድለት ኣመጋግባን ንምጥፋእ ሓባራዊ ዓለምለኻዊ ቘራጽነት ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ።
