ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንቤተክርስትያን ኣብ ዓለማዊ ሰንበት ተልእኾ ወንጌል ክትሳተፍ ይዕድሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣብ ዓለምለኻዊ ሰንበት መዓልቲ ተልእኾ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ንተልእኾ ወንጌል ጻዕርታት ኣብ ቀዳማይ ወንጌላውነትን ደገፍ መንእሰያት ኣብያተ - ክርስትያንን ንዚግበር ጻዕርታት ኪጽልዩን መንፈሳውን ስጋውን መስዋእቲ ኬቕርቡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 1 ሰነ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር፡
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ናይቲ ጳጳሳዊ ማሕበረሰብ ተእኾ ወንጌል ሃብታም ታሪኾም ብምድህሳስን ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መላእ ዓለምን ዝገበሮ ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ብምዝካር፡ 2026 ጳጳሳዊ ማሕበረሰብ ተልእኾ ወንጌል (PMS) ሓያሎ ናይ ተልእኾ ወንጌል ፍጻመታት ከም ዜመልክት፡ ብፍላይ ከኣ ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ እቲ ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ሕቶ እቲ ማሕበርሰብ ሓንጎፋይ ቢሎም ብምቕባል ዝኣወጅዎ ናይ መወዳእታ ሰንበት ወርሒ ጥቅምቲ ዓለምለኻዊ ሰንበት ተልእኾ ወንጌል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ "እዛ መዓልቲ እዚኣ ንሚእቲ ዓመት ንጸሎትን ንምስትንታንን ንተልእኾ ወንጌላውነት ቤተ - ክርስትያን ኣበርክቶ ንምግባርን እተፈለየት መዓልቲ ኰይና ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ኣዋጅ ወንጌል ገና ዝጀመረሉን ቤተ - ክርስትያን ገና መንእሰይ ኣብ ዝዀነትሉን ቦታታት እተመደበ እዩ።
"ሓደ ካብቲ ፍሉይ ኣገልግሎት ዓለማዊ ሰንበት ተልእኾ፡ ኣብተን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ዘለው ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብተን ሓደስቲ ዝተመስረታ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ዘለዉ እውን ኣብ መንፈስ ተልእኾ መላእ ቤተክርስትያን ክጽንበሩ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጽልዋ ልግሲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሰንበት ተልእኾ ወንጌል
ሳላ እቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሰንበት ተልእኾ ወንጌል ዝእከብ ምጽዋት ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ኣብ ምስፋሕ እምነት ንዘገልግል ስብከተ ወንጌል ኣብ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ከምኡ እውን ኣብዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንዘሎ ክፍሊ ቀዳማይ ተልእኾ ወንጌልን ሓደስቲ ፍሉያት ቤተ-ክርስትያንን ዚምርኮሱ ንልዕሊ 1,130 ኣብያተ ክርስትያን ኣድላዪ ሓገዝ ኪህቦም ዘቕርብ እዩ፣ እዚ ንዓቅለሲያዊ ትሕተ ቅርጺ ኣገልግሎት ንምቛም ኣድላዪ ከምኡውን ንእተፈላለዩ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተበግሶታት ንምድጋፍ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ እቲ ገንዘብ ነቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ሓሙሽተ ተቝዋማት ንምምሕዳር ቀጻሊ ሕንጸት ካህናት ከም ዝድግፍ ከምኡውን ነቶም ንትምህርቲ ናብ ሮማ ዝመጹን "ትምህርቶም ምስ ወድኡ ናብተን ኣብ ከባቢኦም ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ክቡር ሃብቲ ዝዀኑ" ደቂ ኣንስትዮን ድቂ ተባዕትዮም ከም ዝወፈየ ገሊጾም፡ "እዝን ካልእ ብዙሕ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተበግሶታትን ሳላ ልግሲ ምእመናን ኣብ ሰንበት ዓለምለኻዊ ተልእኾ ወንጌል ክፍጸም ዝከኣል ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
'ሓደ ብክርስቶስ፡ ኣብ ተልእኾ ስሙራት'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሎሚ ዓመት ዓለም ሓቆፍ ሰንበት ተልእኾ ወንጌል - ሓደ ኣብ ክርስቶስ፡ ስሙራት ኣብ ተልእኾ ወንጌል - ዝብል ዝስዕቦ መርሕ ቃል ሓድነት ኣመንቲ ዘጉልሕን መበል 100 ዓመት ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ሰንበት መዓልቲ ስብከተ ወንጌል ጽምብል ዘኽብርን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ መርሕ ቃል "ንኹሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ናብ ዝዓሞቐ ሕብረት ብክርስቶስን ኣብቲ መለኮታዊ ተልእኾ ፍቕሪ ምሉእ ሓድነትን ዝዕድም" ከምኡ'ውን "እቲ ጐይታ ቅድሚ ስቓዩ ናብ ኣቦ ኣብ ዝገበሮ ጸሎት ዝተገልጸ ዓሚቝ ድሌት ዘንጸባርቕ እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዞም ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት "ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ተልእኾ ወንጌል ተሓድሶ ክግበር ዝጽውዕ እውን እዩ - ቢሎም - ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ክርስቶስ ዘማእከለ ሓቀይና ናይ መንፈሳውነት ተልእኾ ወንጌል ብሓድነትን ሕብረትን ክነብሩን፡ ኣብ መንጎ ምእመናን ብዝገብርዎ ንጥፈታት ክስፍሑን" ንኣባላት ጳጳሳዊ ተልእኾ ወንጌል ከም ዘተባብዑ ኣፍሊጡ።
ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፉልተን ሺን ብርሃን ተስፋን እምነትን ፍቕርን እዩ ነይሩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብተወሳኺ "ፍሉጥ ላዕለዋይ ሓለቓ ናይ ጳጳሳዊ ተልእኾ ወንጌል ማሕበራት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፉልተን ሺን" ዕለት 24 መስከረም ኣብ ሴንት ሉዊስ ሚዙሪ ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ክትውጀሎም ብሓቂ ሓልዮት እግዚኣብሔር እዩ። "ሊቀ ጳጳስ ሺን ንዓሰርተታት ዓመታት ብመራኸቢ ብዙሃን ሬድዮን ተለቪዥንን ዝደመቐ ብርሃን እምነትን ተስፋን ፍቕርን እዩ ነይሩ። ኣነ ንባዕለይ ኣብ ዝዓብየሉ ኣብ ዝነበርኩሉ ከባቢ ናይ ወንጌላውነቱ ምስክር እየ" እንክብሉ ዘኪሮም፡ "ፈነወታቱ ብተስፋ ወንጌል ንሚልዮናት ሰባት ተንኪፉን ተበግሶታቱን ጻዕርታቱን ድማ ኣብ ቀዳማይ ስብከት ወንጌል ንዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓቢ መንፈሳውን ንዋታውን ሓገዝ ኣምጺኡለን" እዩ። ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝእወጅ ብጽእናኡ "ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሃገራውያንን ሰበኻታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕበራት ጳጳሳዊ ተልእኾ ወንጌል ኣብነት ክኸውን ጸሎተይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ብዋጋ ዘይሽነን ኣገልግሎት
ብፍሉይ መንገዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም ዕዮ ጳጳሳውያን ማሕበራት ተልእኾ ወንጌል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ኣብዛ ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን ምፍልላይን ውግእን ግጭትን እናወሰኸ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም፡ ንስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ክፍሊ ቀዳመይ ስብከተ ወንጌልን ሓድስቲ ፍሉያት ኣብያተ ክርስቲያንን ብሓላፍነት ዝተዋህባ ኣርባዕተ ጳጳሳዊ ማሕበራት ንክርስቶስ መስፍን ሰላም ናይ ምእዋጅ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ብዋጋ ዘይሽነን ኣገልግሎት የቕርባ - ቢሎም - በዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ቅዱስ ቍልዕነት "ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ቈልዑ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጽልእን ዓመጽን ኣብ ዝሳቐዩ ዞባታት ብርሃን እምነትን ምጽንናዕ ክርስትያናዊ ልግስን ብምምጻእ ንዘካይድዎ ክቡር ተልእኾ" ኣመስጊኖም፡ ንጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ቅዱስ ጴጥሮስ ሃዋርያ ኣብ ዞባታት ናይ መጀመርታ ስብከተ ወንጌል ናይ ደቀባት ካህናትን ኣባላት ሰብ ወፉይ ህይወትን ኣብ ምትብባዕ ህንጸትን ኣብ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ኣተባቢዖም፡ "ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብዘይ ሓገዝ እዚ ማሕበር እዚ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ተመካርያንን ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ንኽረኽቡ ዘድሊ ነገራት ኣይምረኸቡን ነይሮም" እንክብሉ ኣፍልጦ ሂቦም፡ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ርክብ ንዝሓበሩ ኣብ "ኣገዳሲ ዕዮ ወንጌላውነት" ጳጳሳዊ ማሕበራት ተልእኾ ወንጌል ዚሳተፉ ንኣማላድነት ኣደ ኣምላኽ ቅድስቲ ማርያም ንግስቲ ልኡካነ ወንጌልን ንቅዱሳትን ቅዱሳንን ልኡካነ ወንጌላውያን ሕድሪ ብምቕራብ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
