ድለ

2026.01.10 Giovani della Diocesi di Roma 2026.01.10 Giovani della Diocesi di Roma  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ. ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ድኻታት፦ “ጐይታ መዕቈቢ ድኻታት እዩ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንመበል 10 ዓመት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ድኻታት፣ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ እግዚአብሔር "መዕቈቢ ድኻታት" ምዃኑ የስተንትኑ፣ ንክርስትያን ምእመናን ድማ፣ ነቲ ማእከላዊ ስፍራ ድኻታት እንደገና ክረኽቡን፣ ንፍትሕን ሓድነትን ሰብኣዊ ክብርን ዘሎና ቘራጽነት ክምርምሩን ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ብዕለት 15 ሕዳር 2026 ተዘኪሩ ዝውዕል መበል 10 ዓመት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ድኻታት ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ነታ "እግዚኣብሄር መዕቈቢ ድኻታት እዩ!" ዘርእስታ መዝሙር 14 ብምምስትንታን፣ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ድሕቲ ምዕናዋ፣ ኣብ እተራእየሉ ዘደንቕ እዋን ከም እተጻሕፈትን፣ እቶም ህዝቢ "ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ከም እተጠራጠሩን፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስጋውን ስነ-ምግባራውን ጸበባ ኣብ ዘሕለፉን" እተዘንቱ መዝሙር ምዃን እውን ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝወጸ 13 ሰነ ብበዓል ቅዱስ ኣንጦንዮስ ብዓል ፓዱቫ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቶም፣ ዝሙር 14 ንነፍሲ ወከፍ ወለዶ ትዛረብ ከም ምዃኑ እውን ኣስተብሂሎም።

እቲ ኣብ መእተዊ እዛ መዝሙር ዘሎ ጥቕስታት፣ ኣብ መንጎ እቶም ብጥበብ ዚነብሩን ኣብ መንጎ እቶም "ካብ ገዛእ ርእሶም ዝዓቢ ኸም ዜልቦን ገይሮም ዝመላለሱን" ፍልልይ ከም ዘሎ እትሕብር ምዃና እውን ኣመልከቱ።

"እቲ ዜሕዝን ግና ሎሚ እውን እንተ ዀነ፣ ብሰንኪ ዕቡይ ብልሽውና ዝመጽእ ማሕበራዊ ምጕዳል ፍትሒ ኣስፋሕፊሑ ኸም ዘሎ ንርኢ ኢና፣ እዚ ኸኣ ዜሕዝን እኳ እንተ ዀነ፣ ኣድልዎ እውን ብዛዕሙ ገጋኒኑ ኣሎ" ክብሉ ጸሓፉ።

ብኽያት ድኻታት ስቕ ክብል ኣይተፍቅዱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም፣ እዚ ሳዕቤናት መብዛሕትኡ ግዜ፣ ኣብቶም ኣብ ብዙሓት ሕብረተ-ሰብ ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ድኻታት ከም ዝወድቕ ዘሎ እውን ኣስተንቲኖም።

"ኣምላኽ ዘይምህላዉ ንሰባት ንሓድሕዶም ከም ዚከባበሩ ኣይገብሮምን እዩ፣ የግዳስ ንሓድሕዶም ኣብ ምቍጽጻርን ጭቈናን እዩ ዘውርዶም" እውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ኣውያት ድኻታት መብዛሕትኡ ግዜ፣ "ብብዙሕ ረቂቕ ስልትታት" ስቕ ከም ዝብል እውን ኣጠንቀቑ፣ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ግን ንጽልኢ ኼጋድድን፣ ንዘይምግዳስ ኬደልድሎን ይኽእል እዩ እውን በሉ።

"ድኻታት ናብ ኣምላኽ ካብ ምእዋይ ሓሊፎም፣ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን" ክብሉ እውን ጸሓፉ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፣ "ኣምላኽ እሙንን ብምሕረት ሃብታምን ስለ ዝዀነ፣ ከም ዝሰምዖም ርግጸኛታት እዮም" እውን ክብሉ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም፣ ድኻታት "በቲ መሰረታዊ ነገራት ስለ ዝነብሩ" መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ናይ ምፍላጥ ክእለት ከም ዘለዎም ገሊጾም።

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፣ ብፍላይ ንኣምላኽ ከም መዕቈቢኦም ገይሮም ኣፍልጦ ኺህቡን፣ ኣብ ፍትሑ ተስፋ ክገብሩን ከም ዝኽእሉ እውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ብዛዕባ ዘመናዊ ድኽነት እንክሓስቡ፣ "ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ድኻታት እተረስዑን እተገለሉን እዮም፣ እንጌራ ጥራይ ዘይኰነስ ድምጽን ገጽን እውን እተሰርቆም ሰባት ኢዮም" በሉ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብፍላይ ብክርስትያን ምእመናንን ብቤተ-ክርስትያንን ኣቢሎም፣ ምስ ክርስቶስ ክራኸቡ ይጽልዩ ኣለዉ፣ ኣብኡ ድማ "እንጌራን ዕርክነትን ዚህብ ኢየሱስ እዩ። ብርሃን የምጽእ ተስፋ ድማ ይኸፍተሎም፤ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ በብስሙ ይጽውዖ፣ ንዅላቶም ከኣ ክብሮም ይመልሰሎም።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ኣምላኽ ኪዕቈቡ ጥራይ ዘይኰነስ፣ "ንድኻታት መዕቈቢ ክዀኑ" እውን ከም እተጸውዑ ኣጕልሑ።

ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ፣ "ነቶም ሎሚ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ዘለዉ ብዙሓት ግዲ ዘይብሎም ኰይኖም ክርከቡ ኣይክእሉን ኢዮም፣ ነቶም ኣብ መካበብያ ተዓጽዮም ዘለዉ ግን ዘይርኣዩ ክኾኑ የብሎን።" ድማ በሉ።

ቀዳምነት ዝወሃቦም ነገራት ምምርማር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብዛዕባ ምሳሌ ሓደ ሃብታምን ኣልኣዛርን ዝቐረበ ሓሳባት ብምዝካር፣ ምእመናን ህይወቶምን ቀዳምነት ዝህብዎ ነገራትን ክምርምሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ኣምላኽ ንድኻታት ከም ዝምልስን" ከምኡውን ቤተ-ክርስትያን "ነቶም ትሕሑታት ኣካላት ሕብረተ ሰብ ቦታ እትህብን፣ ምስ ድኻታት እትመላለስን ቤተ-ክርስትያን፣ ብጽዕቲ ክትከውን ኣለዋ" ብምባል ነቲ ሃዋርያዊ ምሕጽንታኦም ጠቒሶም ድማ ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም፣ "ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብዛዕባኦም ጥራይ ኣብ ክንዲ ምዝራብ፣ ንገዛእ ርእስና ኣብ ጫማ ድኻታት ብምእታው፣ ተመሳሳሊ ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል ክንምስክር ንደሊ ኢና" ክብሉ ጸሓፉ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና፣ እዛ ዓስረይቲ ዓመት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ድኻታት፣ ንክርስትያን ምእመናን "ገጽ እቶም ኣብ ኣምላኽ ዕቝባ ዝደልዩን፣ ኣብ ማሕበረሰብና ኸም ቤቶም ኰይኑ ክስምዖም ዚደልዩ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን እንደገና ንኺረኽቡን" ጸጋ ኣምላኽ ክሕግዞአም ተስፋ ኸም ዚገብሩ ገለጹ።

15 Jun 2026, 16:42