ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ተነሪፈ ንዝርከቡ ስደተይናታት፡ 'ኣብ ልበይ ህልዋት ኢኹም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ደሴታት ካናሪ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ኣብ ቴነሪፍ ኣብ ዝርከብ ማእከል ላስ ራይሰስ ምስ ስደተይናታት ከም እተራኸቡን፡ ኣብ ልቦምን ጸሎቶምን ድማ ህልዋት ምዃኖምን ዝኾነ ‘ህቦብላ’ ድማ ነቲ ዝስምዕዕም ህላወ ክርስቶስ ከየጥፍእ ድማ ጸሎቶም ምዃኑን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቴነሪፍ ኣብ ዝርከብ ማእከል ላስ ራይስ ምስ ዝርከቡ ስደተይናታት ተራኺቦም ቅድሚ ዘስምዕዎ መደረ፡ ናይቶም ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ወኪሎም ቃለ ምስክርነት ምስ ሰምዑ ምስኦምን ምስ ኩሎም ስደተይናታትን ዘለዎም ቅርበት ብምርግጋጽ፡ ዕለት 12 ሰነ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ከም እተብዕል ብምዝኽኻር’ ንክርስትያን ልቢ ኢየሱስ ምሳሌ ናይቲ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ዘለዎ ምሕረት ዝመልኦን ደረት ኣልቦ ፍቕሩን ምዃኑ ኣብሪሆም።

"ኣብዚ ዓውዲ እዚ" ቅዱስ ኣቦና "ኣብ ሓደ ክንመጽእ፡ ንሓድሕድና ክንራኸብን ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ካበይ ከም ዝመጻእና ብዘየገድስ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ዶብ ከም ዘይፈልጥ፡ ፍልልይ ከም ዘይገብር፡ ንኹሉ ከም ዝተዋህበን ብሓድነት ከም ዘራኽበናን ክንፈልጥ ምኽኣልና ሓልዮት እግዚኣብሔር እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ገጽኩም እናጠመትኩ፡ ልብኹም እሓስብ'።

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ጸገማቶም ኣስተውዒሎም፡ "ገጽኩም እናጠመትኩን ዛንታታትኩም ክሰምዕን እንከለኹ፡ ብዛዕባ ልብኹም'ውን እሓስብ - ብብዙሕ ጸገማት ቆሲለ፡ ገና ግን በቲ ካብ ካልኦት ክፉታት፡ ለጋሳትን መሓርን ልብታት ዝረኸብኩሞ ፍቕሪ'ውን ተጸናኒዐ - ቢሎም - ልቢ ክርስቶስ ብፍቕሪ ከም ዝተሳቐየን ከም ዝተወግአን እኳ እንተዘከርና፡ ቃንዛኡ ብዘቃለሉ ርህሩሃት ሰባት እውን ከም ዝተጸናንዐ ክንርስዕ የብልናን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኢየሱስ ይርድኣካ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንፍቕሪ ኣድማሳውነት ዝገልጽ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ብምምልካት፡ ሓደ ካብ ጓና ከተማን ዝተፈላለየ ሃይማኖትን ዝመጸ ንሓደ ዝቖሰለን ዝተበደለን ሰብ ይድንግጸሉ።

ቅዱስ ሓው ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሴፍ ዘኣንቺየታን ካብ ደሴታት ካናሪ ብመርከብ ኣብ ኣሜሪካ ወንጌል ንምስባኽ ዝነቐሉ፣ ሓድሽ ናይ ተልእኾ ወንጌል ኣድማስ ብምኽፋት፣ በቲ ናይ ካልኦት ቁስሊ ክንፍውስን ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ሓልዮት ከነርዮም ብዝላበወና ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝተደረኹ ምንባሮም ኣዘካኺሮም

ንሳቶም እውን፡ እምነት፡ ተስፋን ግብረ ሰናይን ከም ዝዓበየ ንብረት ተሰኪሞም ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ዝወፈሩ ስደተይናታት ምዃኖም ኣመልኪቶም፡ ኣብተን ዘይፈልጥወን ሃገራት፡ እቶም "ቅዱሳን ስደተይናታትን ልኡካነ ወንጌልን" ነቲ ዝነበሮም ዘካፍሉ እንትኾኑ፡ ነቲ ዝቐርበሎም ሓድሽ ህያባት እውን ብሓጎስ ይቕበሉ ከምዝነበሩ ቅዱስነቶም ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስንቂ ሰብኣውነትኩም ኣካፍሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ኣነ እውን፡ ነቲ ናብዘን ደሴታት ዘምጻእኩምዎ ስንቂ ሰብኣውነትኩምን ሕልምኹምን ባህልኹምን ከተካፍሉን ነቲ ዝቐርበልኩም ክትቅበሉ ክፉታት ክትኮኑን እዕድመኩም - ቢሎም -

እዚ ምልውዋጥ እዚ "ብሓላፍነት" ናብቶም "ውርሻ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ኸነውርሶም እንደሊ መጻኢ ወለዶታት" ኣብ ግምት ብምእታው ብሓላፍነት ክግበር ከም ዘለዎ ኣስተብሂሎም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ስደት "ኣብ መንጎ ህዝብታት ንምርኻብን ንሓድሕዱ ንምምዕባልን ኣጋጣሚ ኪኸውን ስለ ዚኽእል" ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ይኸውን እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፣ ብገለ መልክዑ ኩላትና ስደተይናታት ኢና፣ ምኽንያቱ ኩላትና ናብ ሰማያዊ ዓድና ኣብ እንኸደሉ መንገዲ ነጋድያን ስለ ዝኾንና፡ ኩሉ ሰብ ብዝከኣሎ መንገዲ ኣበርክቶ ብምግባር ነቲ ጉዕዞ ዝያዳ ሰብኣዊ ንኽኸውን ክሕግዝ ኣተባቢዖም፡ ነዚ ጭቡጥ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኻኣሊ ክኸውን፣ ንብዙሓት ሰባት ተስፋ ንምምላስን ክብሪ ንምሃብን ዝሕግዙ ብዙሓት ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እውን ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝኾነ ህቦብላ ካብ ህላወ ጐይታ ከይፈልየኩም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስም ናይቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ላስ ራይሰስ “ሱር” ዝብል ዝውክል ምዃኑ ኣቓልቦኦም ከም ዝሰሓበ ብምዝኽኻር፡ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ምሳኻትኩም ክራኸብ ኣዝዩ ሃረር" ዝብል ኣገዳስነት መበቆልና ምዝካርን ኣብ ጐይታ ምውካልን ንምጉላሕ ምስሊ ሱር ምጥቃም ከም ዝፈትዉ ኣዘኻኺሮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ክርስቶስ ህያው እዩ - Christus Vivit ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን፡ እቶም ብጐይታ ዚውከሉ “ከምቲ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት ሱሩ ናብ ወሓይዝ እትሰድድ፣ ዋዒ ምስ መጸ ኣይፈርህን፣ ኣቝጽልታ ኸኣ ሓምላይ ኮይኑ ከም ዝቕጽል ኦም እያቶም” ዝብልዎ ጠቒሶም፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣብ ጐይታ ሱር ክሰድዱን፣ "ማዕበል ካብቲ ዜበርትዕን ህይወት ዚህብን ምእንቲ ኸየርሕቐኩም" እጽክት፡ "ፍቑራተይ ኣብ ልበይ ህልዋት ኢኹም ኣብ ጸሎተይ ከኣ ክዝክረኩም እየ - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ኣምላኽ ንዓታቶምን ንስድራ ቤቶምን ንዅሎም ሰናይ ዚገብሩሎምን ኪባርኾምን ቅድስት ድንግል ማርያም መጸናንዒት ስደተይናታት ወትሩ ኣሰንዮምን ኣብ ዕቝባ ኣዴታታ ኽትሕግዞምን እጽልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Jun 2026, 16:22