ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ግዳያት ግህሰት ኣብ ስጳይና ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 8 ሰነ ብኣባላት ውሉደ ክህነት ግዳያት ዓመጽ ምስ ዝኾኑ ስጳይናውያን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሩ።
ብሩኒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቅዱስ ኣቦና በቶም ኣብ ምድጋፍን ምስናይን ግዳያት ዝተዋፈሩ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተሰነዩ ሽዱሽተ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ግዳያት ዓመጽ ምስ ዝኾኑ ከም ተራኸቡን
"ኣብቲ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ግላዊ ርክብ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም መሪር ውልቃዊ ተመኩሮታት ተመርኲይሶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳኣሳትን ቤተ ክርስቲያንን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ጉዳያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝወሃቦ ናይ ምላሽ ውጥናት ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝገብር” ምዃኑ ገሊጹ፡ ኣስዒቡ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍቕርን ብጥንቃቐን ሰሚዖም "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍቕርን ብትኹረትን ሰሚዖም፡ ቅርበቶም ቅርበበት ናይ መላእ ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰብ ኣረጋጊጾም፡ ከምኡ እውን እቲ እተቐበልዎ ሓሳባት ንተወሳኺ ጻዕርታት መሰረት ከም ዚኸውን ንምርግጋጽ ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽል፣ በዚ ኸምዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን ቍስሊ ፈውስን ሕውየትን ዚረኽቡላ ናይ ድሕንነትን መንፈሳዊ ሓልዮትን ዘለዎ ቦታ መታን ክትከውን እዩ"
ብሩኒ ኣስዒቡ "እቶም ግዳያት እውን ስቓዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናቶም ዝገበርዎ ኮይኑ ከም ዝተሰምዖምን የረጋግጹ - ቢሉ - እዚ ብሕታዊ ርክብ እዚ ቅዱስ ኣቦና ካብ ሮማ ናብ ስጳይና ቅድሚ ምካዶም ብቤተ-ክርስትያን ከም እተወደበ ሓቢሩ፡ ንብሕታዊ ጕዳያት እቶም ግዳያት ንምኽባር ኣብ ቀረባ እዋን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክወሃብ ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ንምክልኻልን ካሕሳን ዝዓለመ እተፈላለየ ተበግሶታት ዝገበረት ቤተ-ክርስትያን ስጳይና ዘሳቒ ጕዳይ ኢዩ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ነዚ መሪር ክውንነት ብሓቅን ፍትሕን ንምፍታሕ ናይ ስጳይና ጉባኤ ጳጳሳትን ጉባኤ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣብ ስጳይናን ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ስጳይናን ስምምዕ ከም ዝገገበሩ ድማ ኣዘካኺሩ፡ እቲ ዕጹው ብሕታዊ ርክብ ምስቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ርክባት ዝመሳስል ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2008 ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ከምኡውን ናብ ሕቡራት ንግስነትን ኣውስትራልያን ጀርመንን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ኣይርላንድን ቺለን ፖርቱጋልን በልጅዩምን ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞታት እውን ተመሳሳሊ ርክብ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።
