ር.ሊ.ጳ.፡ ኣዋጅ ‘ዘለናዮ ዘመን' ኣንጻር ጸረ-ሴማውነት ጽኑዕ መርገጺ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
‘ዘለናዮ ዘመን - Nostra aetateà’ ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንባህርያዊ ክብሪ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብምግንዛብ ኣንጻር ጸረ - ሴማውነት ጽኑዕ መርገጺ ብምውሳድ፡ ቤተክርስትያን ብሰንኪ ዓሌት፡ ሕብሪ፡ ኩነታት ህይወት ወይ ሃይማኖት ንኹሉ ዓይነት ኣድልዎ ወይ ምግፋዕ ከም እትነጽግ ኣዊጃ"
እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 15 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወከልቲ ፈደራላዊ ጥምረት ኣይሁዳዊ ጻውዒት - ትካል ኒውዮርክ ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንዝተቓልዑ ህዝብታት ስለ እትገብርዎ ዕዮ አመስግን
ቅዱስ ኣቦና እቲ ትካል ኣብ ኒው ዮርክ እስራኤል ከምኡውን ኣብ ልዕሊ 70 ካልኦት ሃገራት ንድኻታት ስደተይናታት ኣረጋውያንን ስንኩላንን ሓዊስካ ንተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ረድኤትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብምሃብ ከም መጋበርያ ዓለምለኻዊ ግብረ ሰናይ ኣይሁድ ኰይኑ የገልግል ከም ዘሎ ብምዝካር፡ "እዚ ጻዕርታት እዚ ንሰብኣዊ ክብርን ሕውነትን ንጹር ኣፍልጦ ምሃብ ዘንጸባርቕ ኢዩ፡ እዚ ድማ ምስቲ ቤተ - ክርስትያን ንውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘለዋ ቈራጽነትን ንብጻይና ንምፍቃር ዘለዋ ጻውዒትን ዝሰማማዕ ኢዩ - ቢሎም - እዚ ሓባራዊ ተወፋይነት እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣይሁድን ዘሎ ሓባራዊ ታሪኽን ኣብ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዮሴፍን ዘሎ መንፈሳዊ መበቈሎም ኣብ ግምት ብምእታው ፍሉይ ትርጕም ከም ዘለዎ ድማ የስተብህሉ።
‘ዘለናዮ ዘመን - Nostra aetateà
ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ 1965 ዝወጸ ዘለናዮ ዘመን - Nostra aetate on the relation of the Church to non-Christian religions፣ ዘርእስቱ ታሪኻዊ ኣዋጅ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ርክብ ቤተ ክርሲቲያን ምስ ዘይክርስትያን እምነታት ዝዛረብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል ሱሳ ዓመት ዘቑጸረ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ሰነድ እዚ "ሓድሽ ምርኻብን ኣኽብሮትን መንፈሳዊ እንግዶትን ከም ዝኸፈተ" ገሊጾም፣ ገለ ኻብዚ ድማ "ናይ ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራቤት ናይ ምዃንና ሓቂ" የረጋግጽ፣ ጸረ - ሴማዊነትን ኵሉ ኣድልዎ ወይ ዓመጽ ብምኽንያት ዓሌት ሕብሪ ኵነታት ህይወት ወይ ሃይማኖት ይኹንን እንክብሉ የብርሁ።
ንሓባራዊ ረብሓ ብሓባር ምስራሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ኣብዛ ገና ብምግምማዕን ግጭትን ዝቘሰለት ዓለም ካብቲ ዝሓለፈ ዘይምርድዳእ ሓሊፍና ንሓባራዊ ረብሓ ናብ ምትሕብባር ክንሰግር ንጽዋዕ" እንክብሉ ኣጒሊሖም። በዚ ስምዒት እዚ ንድኻታትን እተገለሉን ሓይሊ ዘይብሎምን ዝቐርብ ኣገልግሎት "ነቲ ቕዱስ ንምርኻብ ዜኽእል መጋበርያ እዩ - ቢሎም - ብኣታቶም ኣቢሉ መለኮታዊ ድምጺ ይዛረበና ኸም ዘሎ ድማ ኣስተብሂሎም፡ ንድኻታትን ጽጉማትን ንምሕጋዝ ጽልእን ዘይተጻዋርነትን ንምቅላስ ከምኡውን ንዅሉ ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽ ዝገበርዎ ወፈያ ኣመስጊኖም፡ "ተልእኾኹም ዘተ የደልድል ሓባራዊ ምርድዳእ ኣዕሚቑ ከምኡውን ነቲ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ሰላም ኣበርክቶ ዝገብር እዩ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
