ድለ

ር. ሊ. ጳ. ንኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ባርሴሎና፦ “ህይወት ብሓባር እንጕዓዘላ መገዲ እያ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ከተማ ባርሴሎና ምስ ኣገልገልቲ ማሕበራት ግብረ ሰናይን ድሕንነትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ንሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ብዛዕባ ስቓይን፡ ይቕረ ምባልን፡ ትርጕም ህይወትን ዘቕረበሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም፣ ንክርስትያን ምእመናን ድማ ሓቀይና ልግሲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ንክርስቶስ ኣፍልጦ ብምሃብ ከም ዝጅምር ኣዘኻኺሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካንኒ

ሓደ ቘልዓ ብዛዕባ ህይወትን፣ ስቓይን፣ ይቕረ ምባልን፡ መደባት ኣምላኽን ዘቕረቦ ሕቶታት፣ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ኣብ ባርሴሎና ናይ ዝርከብ ማእከል ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታት ቤተ-ክርስትያን ኣገልገልቲ ኣብ ዘካርይድዎ ብሕታዊ ርክብ ንኽዘራረቡ መገዲ ኸፈተ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ ናይቲ ዘካየድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ሃገረ እስጳኛ፣ ምስ ማሕበራት ግብረ ሰናይን ድሕንነትን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ፣ ኣብ እተራኸቡሉ እዋን፣ ነቲ ሬንዞ ዝስሙ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ዝጸሓፈሎም ደብዳቤ ቅድሚ መልሲ ምሃቦም፣  ንድኻታትን ኣረጋውያንን ስደተኛታትን ኣብ ምግልጋል ዝሳተፉ ዘለዉ ሰባት ዝሃብዎ ምስክርነት ሰምዑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ነቲ እዚ ህጻን ዘቕረቦ ሕቶታት ቅድሚ ምምላሶም፣ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ተኣኪቦም ዝንበሩ ማሕበረሰብ ዘለዎም ምስጋናን ፍቕርን ንምግላጽ ሓንሳእ ደው በሉ።

"ኣብዚ ብሓቂ ኣብ ገዛይ ከም ዘለኹ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ዘሎ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከም ወዲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ መጠን፣ ንቅዱስነቶም ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ፣ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ዝጸንሐ ብሕታዊ ተዘክሮኦም ውን ኣካፊሎም።

ቅዱስነቶም ተዘክሮኦም እንክገልጹ፣ "ንመጀመርታ ግዜ ናብዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ዝመጻእኩ፣ ብ1984 እዩ ዝንበረ ይብሉ። "ካብ ሮማ ናብ ሊዮን ብመሬት እናተጓዓዝኩ ኸለኹ፣ 'ኣብ ባርሴሎና ኣብዚ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣላ እሞ ክበጽሓ' በልኩ። እንተ ኾነ ግን ተዓጽዩ ኢዩ ዝንበረ።" ሎሚ ግን ኣብዚ ጉባኤ እዚ ክፉት ምዃኑ ገለጹ፣ ኣባኡ ብምርካቦም ድማ ሓጐሱ ገለጹ ። "ኣባልት ማሕበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፣ ኣብዚ ዚነብሩን ንኣምላኽ ዚውድስዎን፣ በዚ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበራዊ ኣገልግሎቱን ኣቢሎም፣ ምስ ማሕበረሰብ እዚ ከባቢ ዘለዎም ተሳትፎን ኣገልግሎትን ዝረኽቡ ብዙሓት ሰባት ዘለውዋ ቤተ-ክርስትያን ምርካብ፣ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ብሓቂ ንዅላትኩም አመስግነኩም!" ክብሉ ውን ኣድነቕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ባርሴሎና
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ባርሴሎና   (@Vatican Media)

ህይወት ግላዊ ተዋስዎ ኣይኮነን

ሓደ ኻብቲ ህጻን ሬንዞ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረበሎም ሕቶታት ብምጥቃስ ድማ፣ ብዛዕባ ዅዕሶ እግሪ ምንባሩ ገለጹ። ቅዱስነቶም ጽወታ ቴኒስ ዚፈትዎ ስፖርተይና ምዃኖም እኳ እንተ ተኣመኑ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ፔሩ ዘሕለፍዎ ዓመታት ብሓጐስ መስከሩ፣ ኣብኡ ድማ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ጕጅለታት ኵዕሶ እግሪ ይከታተሉን ምስ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት እውን ይጻወቱ ምንባሮም ኣዘንተውሎም።

"ንእሽቶ ስፖርት ንዅሉ ሰብ ጽቡቕ እዩ" ድማ በሉ። "ጥዕናና ኣብ ኣካላትና ኣእምሮናን ነፍስናን ክንዕቅበሉ እንኽእል መገድታት ከነናዲ ኣሎና" እውን ክብሉ ተላበው።

ንጽባሒቱ ዋንጫ ዓለም ክጅምር ምዃኑ ብምዝካር ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅዕሶ እግሪ ከም ሓደ ምሳሌ ናይ ህይወት ተጠቒሞም ኣስተንተኑ። "ህይወት ንበይንና ንምዕዋት እንገብሮ ቅድድም ኣይኰነትን" ድማ በሉ። "ከም ናይ ጸወታ ጋንታ ኢያ" ክብሉ ውን ኣዘካኸሩ።

እቲ ኣዝዩ ተውህቦ ዘለዎ ተጻዋቲ እውን እንተ ዀነ፣ ንኻልኦት ምስታፍ እንተ ኣበየ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸም ዝፈሽል ብምግላጽ፣ ናብቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ወለንተይናታትን ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይን ብምጥቃስ፣ ነዚ ናይ ምትሕብባርን ኣገልግሎትን መንፈስ ስለ ዘንጸባረቑ ኣመስገኖም፣ "ሓደ ሰብ ኰዀብ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ነታ ዅዕሶ ናብ ካልኦት እንተ ዘይኣሕሊፍዋ ግና፣ ካልኦት ናብቲ ጸወታ ክኣትዉ ኣይፈቅዱሉን ኢዮም።  ምናልባት እውን ኪጠፍእ ይኽእል እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ባርሴሎና
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ባርሴሎና   (@Vatican Media)

ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ናይ ኣምላኽ ሕልሚ እዩ

ህጻን ሬንዞ ኣብ መልእኽቱ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ንእስነቶም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምዃን ሕልሚ ነይርዎ እንተ ዀይኑ እውን” ክፈልጥ ሓተቶም። ብዛዕባ እዚ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ፣ ክምኡ ኢለ ውን ኣይፈልጥን" ድሕሪ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና፣ ፍሽኽ እናበሉ እቲ ዝዘከሮም ነገር እንተ ሃልዩ፣ ህይወቶም ንኣምላኽ ንምውፋይ ዝነበሮም ናይ መጀመርታ ባህጊ ምዃኑ ገለጹ።

"ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ህይወተይ ንኣምላኽ ክውፊ ባህጊ ይስምዓኒ ነይሩ ኢዩ" ድማ በሉ፣ ቀስ ብቐስ ጥራይ እዩ ናብ ክህነትን ናብ ስርዓት ምንኩስና ኣጉስጢኖሳውያን ዝመርሕ መገዲ ዝረኸብኩ ክብሉ እውን ኣመልከቱ።

ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ሕልሚ ኣምላኽ እዩ። ንስኻ እውን ሬንዞ ሕልሚ ኣምላኽ ኢኻ" ብምባል፣ ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ህጻናት ኣዕሩኽ ኢየሱስ ኪዀኑ ዝደልዩ እንተ ዀይኖምን፣ ንገዛእ ርእሶም ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ሕቶ ኺሓቱ ሓሳባት ኣቕረቡ።

"ምስ ኢየሱስ ዘሎና ዕርክነት፣ ሓጐስ የምጽኣልና፡ ሓራ የውጽኣና፡ ነቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዘዳለወልና ጽውዓን መገድን በብደረጃ ንኽንፈልጥ ድማ ይሕግዘና ኢዩ” ክብሉ ድማ መስከሩ።

ንመከራ ብተስፋ ተቓወምዎ

እቲ ህጻን ሬንዞ ዘቕረቦ ኣዝዩ በዳሂ ዝኾነ ሕቶ ድማ ብዛዕባ ስቓይን፣ እቲ ንገሊኦም ሰባት ዘጓንፎም ሕማቕ ኩነታትን፣ ስለምንታይ እዩ? ዝብል ኢዩ ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓደ ቀሊል መልሲ ኸም ዘይብሉ ኣፍልጦ ሃቡሉ። ብዛዕባ ህይወት ክርስቶስ ክሓስቡ እንከለዉ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ 'ሰናይ ይገብር ከም ዝነበረን፣' ግናኸ ከም እተነጽገን ከም እተዀነነን ከም እተሰቕለን እውን ኣመልከቱ። "እቲ ዛንታ ግን በዚ ኣየብቅዐን" ድማ በሉ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተንሲኡ ንእከይን ሞትን ሰዓረ ክብሉ እውን መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ንክርስትያን ምእመናን ስቓይ ናይ መወዳእታ ቃል ኣይኰነን።  "መከራ እኳ እንተ ሃለወ፣ ኣምላኽ ንዋላ ሓደ ኻብ ደቁ ፈጺሙ ኣይሓድጎምን እዩ" ብምባል፣ ነቶም ኣብኡ ብምእማን ዝነበሩ ሰባት፣ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ፈተና ምሳታቶም ከም ዚኸይድን፣ ካብ ኩሉ ስቓይን ሓዘንን ንላዕሊ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከም ዜዳልወሎም ክተኣማመኑ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ባርሴሎና
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ባርሴሎና   (@Vatican Media)

ነቦሓጎታትን ንእኖሓጎታትን ንበይኖም ክንሓድጐም የብልናን

ካልእ ሕቶታት ሬንዞ ድማ ብዛዕባ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዝምልከት እዩ ዝንበረ፣ ቅዱስነቶም ድማ "በይኖም ኪተርፉ የብሎምን" በሉ። እቶም ወለዲ ንስራሕ ክወፍሩ ከለዉ፣ ንደቂ ደቆም ዝከናኸኑን እምነትን ፍቕርን ስነ-ምግባራዊ ሥነ ስርዓታትን፣ ንመንእሰያት ወለዶ ብህድኣት ዜመሓላልፉ ማእለያ ዘይብሎም ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ጠቒሶም ድማ ነኣድዎም።

"ጽምዋን ምሕዳግን ኣብ ህይወት ሽማግሌታትን ኣረጋውያንን ንቡር ኪኸውን ኣይንፈቀድ። እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር ኢዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት፣ ካብ ስድራቤት ንላዕሊ ዝዝርጋሕን ንነፍሲ ወከፍ ክርሳዕ ዝኽእል ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ እውን ከም ዘጠቓልልን ገለጹ።

ንልቢ ሓራ ዝገብር ይቕሬታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ይቕሬታ ንዝቐረሎም ሕቶ መልሲ እንክህቡ ድማ፣ ክርስትያን ምእመናን፣ "ሸውዓተ ግዜ ሰብዓ" ይቕረ ኺብሉ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ትምህርቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘኪሮም፣ ወሲኾም ድማ "ይቕረ ምባል ኪበሃል እንከሎ፣ ቅኑዕ ወ ጌጋ ምባል ማለት ኣይኰነን" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን፣ ይቕሬታ ጽልኢ ንልቢ ደቂሰባት ንኸይቈጻጸሮ ይዓግቶ፣ ናብ ምሕዋይን ሰላምን ድማ መገዲ ይኸፍት። "ይቕረ ኽንብል ከለና፣ ነቲ ነቶም ዝሰቐልዎ ይቕረ ዝበለሎም ኢየሱስ ኣብነቱ ተኸቲልና ንዓኡ ኢና እንመስል” ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ባርሴሎና
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ባርሴሎና   (@Vatican Media)

ልግሲ ንገጽ ክርስቶስ ይገልጾ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኣብ ተልእኾ ናይተን ኣብ ደብረ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እተኣከባ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ኣቓልቦኦም ብምግባር፣ ስለቲ ኣገልግሎቶም ኣመስገንዎም ኣብ መንፈሳውነት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ተመርኲሶም ክርስትያናዊ ህይወት ብሰብኣዊ ጻዕሪ ዘይኰነስ ብጸጋ ከም ዝጅምር ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ "ክርስትያን ምዃን ልዕሊ ዅሉ ውህበት ጸጋ እዩ" በሉ።

ካብዚ ጸጋ እዚ ንኻልኦት ናይ ምፍቃርን፣ ነቶም ዚሳቐዩ ንክርስቶስ ኣፍልጦ ናይ ምሃብን፣ ሓላፍነት ከም ዚምንጩ እውን ገለጹ። "ሓደ ክርስትያን ሕያዋይን ለዋህን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ርሕሩሕ ክኸውን፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ብዘብል ፍቕሪ ከምኡውን ሰናይ ካልኦት ኪደሊ ኣለዎ።

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ነቲ ኣብ መላእ ርእሰ ሰበኻታት ባርሴሎና ዝካየድ ዘሎ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ነኣድዎ፣ እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣገልግሎታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ንቅድስናን ሰብኣዊ ክብርን ዝረስዓሉ ዝመስል ዘሎ እዋን ህጹጽ ምዃኑ ኣጕልሑ።

እዚ ኽብሪ ደቅሰባት እዚ፣ ኣብ ሃብቲ ክእለት ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ዘይኰነስ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጥረን፣ ብእኡ ኸም ዝፍቀርን ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኢዩ ክብሉ ኣትሪሮም መስከሩ፣ ወሲኾም ድማ "ሰብኣዊ ኣካል ማእከል ኣገልግሎታት ቤተ-ክርስትያን እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣገዳስነት ስጋውን ቍሳውን ሓገዛት ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ፣ እቶም ኣብ ድኽነትን ተነጽሎን ዝነብሩ፣ መንፈሳዊ ኣሰንት ከም ዘድልዮም እውን ደጊሞም ገለጹ። "ስጋዊ ሓገዝን ስነ ምግባራዊ ደገፍን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣምላኽ፡ ዕርክነቱ፡ በረኸቱ፡ ቃሉ፡ ምስጢራቱ፡ ከምኡውን መገዲ ዕቤትን ብስለትን፡ ብእምነት የድልዮም እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መወዳእታ፣ ምስቶም ስለቲ ኣብኡ ንኼመስግኑ እተሰለፉ ብዙሓት ሰባት፣ ናይ ምስጋናን ሰላምታን ቃላት ምልውዋጥ፣ ቅድሚ ምጅማሮም ነቶም ሰራሕተኛታት ግብረ ሰናይ ምስ ካህናቶም ሓቢሮም ተልእኾኦም ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም፣ "እሙናት መሰኻኽር ክርስትያናዊ ተስፋ" ክዀኑን፣ ብኣገልግሎቶም ፍትሕን ሰላምን መንግስቲ ኣምላኽ ክገልጹ ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ኣብ ባርሴሎና
11 Jun 2026, 14:51