2026.06.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ኣባላት ተሓላቒ ሰብኣዊ ክብሪ ትካል ጀሮም ተራኺቦም 2026.06.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ኣባላት ተሓላቒ ሰብኣዊ ክብሪ ትካል ጀሮም ተራኺቦም  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ኣባላት ተሓላቒ ሰብኣዊ ክብሪ ትካል ጀሮም ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ዠሮም ለጀነ ትካል ዕለት 22 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም፡ ንፈረንሳዊ ሓኪም ህጻናትን መስራቲ ዘመናዊ ስነ ኣካላውን ስነ- ህይወታውን ባህርያት ንህይወትን ሰብኣዊ ክብርን ንሓባራዊ ረብሓ ዝጣበቕ ምዃኑ ብምዝካር ከም ዝነኣድዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መበል ሚእቲ ዓመት ልደት ክቡር ፕሮፌሰር ዠሮም ለጀነ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣባላት ናይቲ ብስም እቲ ፕሮፈሰር ዝጽዋዕ ተጣባቒ ሰብኣዊ ክብሪ ትካል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 22 ሰነ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንዠሮም ለጀነ ፈላሚ ዘመናዊ ስነ ኣካላውን ስነ - ህይወታውን ባህርያት ብፍላይ ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝፈወሰ ሓኪምን ዘይሕለል ተሓላቒ ንህይወትን ሰብኣዊ ክብርን ንሓባራዊ ረብሓን ምንባሩ ብምዝካር፡ ኣባላት እቲ ትካል ኣብነቱ ብምስዓብ “ኣብ ሕብረተሰብ ውፉያት መሰኻኽር፡ ኣብ ኣገልግሎት ቀጻሊ ምድላይ ናይ ሓባር ረብሓ” ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ምኽንያት ዳውን ኣበር ዝረኸ ፕሮፌሰር ዠሮም ለጀን ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ሕክምና ነባሪ ኣሰር ዝገደፈ እውን ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ሓደ ካብ ኣቦታት እዋናዊ ስነ ኣካላውን ስነ - ህይወታውን ባህርያት መጽናዕትን ስነ ምርምርን ተባሂሉ ዝግለጽ፡ ህይወቱ ንመጽናዕትን ንሓልዮት ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ወፉይ ከም ዝነበረ ቅዱስ ኣቦና ኣጒሊሖም፡ “ሕክምና ጽልኢ ሕማምን ንዝሓመመ ሰብ ምፍቃርን እዩ” እዚ ድማ ንኣገልግሎት ብፍቕሪ “ንድኻታት ኣብ መንጎ ድኻታት” ከም ዝመረሖ የስተብህሉ።

ኣፍልጦ ቤተ ክርስቲያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንፕሮፌሰር ለጀነ ናይ ትምህርቲ ብሉጽነትን ንቤተ ክርስቲያን ዘይሕለል ኣገልግሎትን ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣባል ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ፍልጠት ክኸውን ከም ዝሸምዎ ዘኪሮም፡ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝነበሮ ዓሚቝ ዕርክነትን ኣብ ምክልኻል ሕይወት ዝነበሮ ሓባራዊ ተወፋይነትን፡ እዚ ድማ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ሕይወት ንምፍጣር ከም ዝሓገዘ ገሊጾም። ፕሮፌሰር ለጀነ፡ ነቲ ተቕዋም “ኣብ ቅድሚ ምብዛሕ ስግኣታት ህይወት” ዘለዎ ልዑል ኣድላይነት ዝመስከረ እዩ እንክብሉ ብምግላጽ፡ ዠሮም ለጀነ “ናይ ስነ ፍልጠትን ጥበብን ሰብ” ብምዃኑ: እቲ ስነ ፍልጠታዊ ርኽበቱ “እቶም ዳውን ኣበር ዘለዎም ሰባት ምስ ተወልዱ ጥራሕ ዘይኮነ ገና ኣብ ማሕንጸን እንከለዉ” ብስነ ሕክምና ምልላይ ክኡል ከም ዝገበረ ኣስተብሂሎም፡ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ዠሮም ተጣባቒ ዳውን ኣበር ዘለዎም ሰባት ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓይነት ኣበር ዘለዎም ሰባት ዝፍጸም በደል “ዓሌትነት ክሮሞዞም” እንክብል ብምግላጽ ኣትሪሩ ብምቅዋም፡ ክብሪ ሕይወት ክሕሎ ዝተጣበቐ ምንበር እውን ዘኪሮም፡ እቲ ፕሮፌሰር ለጀነ እተዛረቦ ትንቢታዊ ቃላት ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኺጣበቐሉ ከም ዝደረኾን፣ እዚ ድማ ኣብቲ መበቈሉ ካብ ፍጥረት ኣምላኽ ዝኾነ ዘይግሃስ ክብረት ሰብ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ እዚ ተወፋይነት እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ትካላትን መራሕትን ብድሆ ከም ዘቕረበን ኣማኻሪ ክኸውን ከም ዝገበሮን ካብ ገለ ጉጅለ ስነ - ፍልጠታዊ ጕዳያት እውን ተቓውሞታት የጓንፎ ምንባሩ የዘኻኽሩ።

እደ ጥበብ ንስነ - ምግባር ክትክእ ኣይክእልን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ፕሮፌሰር ለጀነ፡ እደ ጥበብ ንሕክምና ክሕግዝ ደኣ እምብነር ክትክኦ፡ ፈጺሙ ከም ዘይክእል ዘሰተውዓለ ምንባሩ ኣስሚሮም፡ እደ ጥበብ ኣንጻር እቲ ብባህሪኡ ኣብ ኣገልግሎት ህይወት ዝርከብ ሕክምና እውን ክውዕል ከምዝኽእል ኣፍልጦ ከም ዝነበሮን ዋጋ ሓደ ሰብ ኣብ ኣፈጻጽማን፡ ርእሰ-ምሕደራ ወይ ማሕበራዊ ጥቕሚ ፈጺሙ ዘይምርኮስ ምዃኑ ዘረጋገጸ እዩ፡ “ሓኪም፡ ብመሰረት ቀመራዊ ምዕሪት ቤተ ምርምር፡ ንህይወት ናይዚ ድቂ ወይ ናይቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ክውስን ፈጺሙ ክፈቅድ የብሉን!” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ “ሕክምና ኣገልጋሊ ውጥን ሞት ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ሓባር ረብሓ ምግልጋል

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ መደረኦም ነቶም ካብ ስጳይናን ኣርጀንቲና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፖርቱጋል ኢጣልያ ቱኒዝያ ኮት ዲቭዋር ከምኡውን ኮርያ ዝመጹ ኣባላት እቲ ትካልን ኣባይቲ ስድራኦምን ደጊሞም ሰላምታ ብምቕራብ፡ ሓባራዊ ረብሓ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብፍላይ ከኣ ድኽመትን ስንክልና ዘለዎምን ሰባት ከርሕቖም ከም ዘይክእል ብምዝኽኻር፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ተወፋይነቶም ድማ ክቕጽሉ ኣተባብዖም። እቲ ብሓባር ኣብ ኣድማሳዊ ኣተሓሳስባን ልብን እተመስረተ መልእኽትን ዕዮን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዠሮም ለጁን ነቶም ስኒት ዝደልዩ ብዙሓት መንእሰያትን ክኢላታትን "ትብዓት ሓቂ" ኣስተንፍሶ ክኾኖም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ብተወሳኺውን ኣብነት ፕሮፌሰር ለጁን "ብዘይ ተሪር ርትዓዊ ምኽንያትን እምነትን ቃላትን ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዘይ ቅድመ ፍርድን ሓሶት ምንጻግን" ሓድነት ንኽህሉ ክሕግዝ እጽልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Jun 2026, 16:05