ር. ሊ. ጳ. ኣብ ፓቪያ፣ "እታ ከተማ ክልቲኡ ውህበትን ዕዮን እያ!"
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 20 ሰነ፣ ናብ ከተማ ፓቪያ ኣብ ዝገበርዎ ጕስነታዊ ምብጻሕ፣ ንሲቪላውያን ሰበ-ስልጣንን ሃይማኖታውን መራሕትን ምእመናን፣ ኣብ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ኣደባባያት እታ ኸተማ ተኣኪቦም ንዝጸንሕዎም፣ ብዛዕባ ጽባቐ ከተማ ፓቪያ መደረ ኣካፈልዎም። "እታ ኸተማ ህያብን ዕዮን እያ" ብምባል ድማ፣ ሓወልትታታ ኣብያተ ትምህርታ መናብርተ ጥበባ ሆስፒታላታን ከምኡ ውን ማእከላት ቍምስናታትን፣ ንሰብኣዊ ክብሪ፡ ትምህርቲ፡ ባህልን፡ ሓድነትን ዘለዋ ሓባራዊ ቘራጽነት ከም ዘንጸባርቕ ገለጹ።
ኣብ ርክባት እተመስረተት ከተማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ዓሚቝ ትርጕም ናይታ "ከተማ" እትብል ቃል ኣጉልሑ፣ ነቲ ናይ ላቲን ሰርወ ቃል civitas ንዝብል ቃል ብምዝካር፣ ንስጋዊ ቦታ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰብኣዊ ማሕበረሰብ እውን ዘመልክት ኢዩ ክብሉ ኣስመሩሉ። ዜጋታት ንውልቃዊ ረብሓታት ኣብ ክንዲ ዝስዕቡ፣ ንሓባራዊ ረብሓ ብሓባር ኪዓዩ ኸለዉ፣ ሕብረተሰብ ከም ዚዕምብብ እውን ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ዜጋታት ኩሉ ግዜ ዜጋታት እዮም" ብምባል ህዝባዊ ህይወት ኣብ ሓባራዊ ናይ ሓላፍነት ስምዒት ከም ዝምርኰስ ኣጕልሑ።
ብዛዕባ ዘመናዊ ብድሆታት ብምስትንታን ከአ፣ ብዛዕባ እቲ እንታይ ገደሰኒ ዝብልን፡ ሲቪላዊ ምፍልላይን ኣጠንቀቑ፣ እዚ ድማ ንማሕበራዊ ቅርጺ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ኣመልከቱሎም። ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ህዝባዊ ህይወት ከም ብሓድሽ ተሳትፎ ክግበርን ህዝባዊ ቦታታት ከም መራኸብን ናይ ዘተ ቦታታት ክዕተብን ዝኽእል ባህሊ ኣገልግሎት ኪህሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
"ብዛዕባ ከተማና እግደስ እየ"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ንነፍሲ ወከፍ ነባሪ እዛ ከተማ ንድሕንነት እቲ ማሕበረሰብ ብሕታዊ መብጽዓ ክገብሩ ከም ዘለዎ ውን ጻውዒት ኣቕረቡ። "ሎሚ ንነፍሲ ወከፍኩም 'ብዛዕባ ከተማና እግደስ እየ' ኢልኩም ኣብ ውሽጥኹም ክትደጋግምዎ እዕድመኩም ኣለኹ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ሻቕሎት እዚ ምስ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምስ እቲ ዞባ እውን ኣተሓሓዝዎ፣ ነቲ ኣብ ከባቢ ፓቪያ ዘሎ ፍርያም ጐላጕልን፣ ነቶም ምስ ፍጥረት ተሰማሚዖም ነታ መሬት ዝሓረሱ ወለዶታት ሓረስቶት እውን ነኣድዎም።
ሥነ ትምህርትን ንሓቂ ምድላይን
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብዛዕባ እቲ ፍልይ ዝበለ ሥነ ትምህርታዊ ልምድታት ከታማ ፓቪያ እንከስተንትኑ፣ ናብ መንበረ ጥበብ እታ ኸተማን ተመሃሮኣን ምልስ ብምባል ሓሳባቶም ኣካፈልዎም። ሓቀይና ማእከል ትምህርቲ ካብ ፍልጠት ምእካብ ንላዕሊ ኪኸውን ከም ዘለዎ እውን ገለጹ። ንውልቀ-ሰባት ምሉእ ብምሉእ ምዕባለ ኼተባብዕን፣ ንደቂ ሰብ ማእከል ሥነፍልጠታውን ኣእምሮኣውን ምዕባለ ጌሩ ከቐምጦም ኣለዎ ክብሉ እውን ኣተሓሳሰቡ። ኵሉ ዓውዲ ፍልጠት ምስ ሓደ ዓይነት ክንክን ዚሰማማዕ ምዃኑ ድማ ገለጹ፦ መድኃኒት ንኣካላት ወድሰብ፣ ሕጊ ንማሕበራዊ ኣካል፣ ፍልስፍና ድማ ንኣተሓሳስባ ወድሰብ እዩ ዚከናከን በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ንፍልጠት ምስዓብ ኣብ መወዳእታኡ ንደቂ ሰብ ብዛዕባ ሓቅን ፍትሕን ናብ ዓሚቝ ሕቶታት ኢዩ ዝመርሖም።
ኣብዚ መዳይ እዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ መንፈሳዊ ጕዕዞኡ ንዅሎም እቶም ምርዳእ ዝደልዩ ኣርኣያ ዝዀነ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ጠቒሶም ኣስተንተኑ። እዚ ጳጳስ ናይ ሂፖ ነቶም ዜጽንዑን ዝምህሩን ትርጕም ዚደልዩን ዜነቓቕሕ፣ "ጥዑይ ህርፋን" ከም ዜንጸባርቕ እውን ገለጹ። ህይወቱ ነቲ ኣብ መንጎ እምነትን ርትዓውነትን ዘሎ ነባሪ ዝርርብ ይምስክር እዩ፣ እዚ ድማ ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ “ዘይነጻጸል” ኢዪ። "ሓደ ሰብ ብዘይ ሓሳብን ምምርማርን ክኣምን ኣይክእልን ኢዩ፣ እቲ ዝለዓለ ርትዓዊ ሕቶታት ከኣ ብዘይ እምነት ክበርህ ኣይክእልን ኢዩ" በሉ።
ቤተክርስትያን ከም ናይ ግብረ ሰናይ ቤት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ናብታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ምልስ ብምባል፣ ንዅሎም ደቂሰባት እትሓቍፍን፣ ነቶም ዝያዳ እተሸገሩ እተገልግልን እትቕበልን ቤት ከም ዝዀነት ገሊጾም። ኣብ ከተማ ፓቪያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን፣ ልዕሊ ዅሉ "እቶን እምነትን፣ መንበሪ ግብረ-ሰናይን" ክትከውን ተጸዊዓ ከም ዘላ ኣመልከቱሎም፣ ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ኣረጋውያንን እተገለሉ ሰብትን እተገልግል ክትከውን ኣለዋ ክብሉ ተላበዉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ነቶም ንድሕንነት ማሕበረሰብ ኣበርክቶ ዝገበሩ ብዙሓት ወለንተኛታት ኣመስገንዎም፣ ኣገልግሎቶም ከም ምልክት ናይታ ብስጋዊ ጥሪት ጥራይ ዘይኰነስ ብውርዝና እውን ሃብታም ዝኾነት ከተማ ምዃኑ ብሞሳ ገለጽዎም።
ብሓባር ክጸሓፍ ዘለዎ ታሪኽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መደረኦም ኣብ ምዝዛም፣ ነቲ ኣብ ሲቪላዊ ኣርማ ከተማ ፓቪያ እተሳእለ መስቀል ዘኪሮም ኣስተንተኑ፣ እዚ ድማ ካብ ምልክት ንላዕሊ ኸም ዝዀነ ገለጹ። ታሪኽ እታ ኸተማ ኣብ ኣድማሳዊ ዋጋ ክርስትያናዊ ፍቕሪ እተመስረተ ምዃኑ ኸም ዜዘኻኽር እውን ገለጹ።
እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ መንጎ ዜጋታትን ማሕበራትን ህዝባዊ ትካላትን ቤተ-ክርስትያንን ተኸታታሊ ወለዶታትን ብምትሕብባር ይጸሓፍ ከም ዘሎ ብምምልካት ድማ ቃለ ምዕዳኖም ደምደሙ።
